ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጢ ከይቑጸ ኩሎም ኣካላት ሓገዝ ክገብሩ ክራይስስ ግሩፕ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ኣንፈቱ ከይስሕት መንግሰቲ፣ ፖለቲካዊ መራሕትን ኣህጉራዊ መሻርኽትን ዘድሊ ሓገዝ ክገብሩ ኢነተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ፀዊዑ።
ኣብ ዓለም ዝፍጠሩን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቅልውላዋትን ዝከታተል እዚ ጉጅለ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ፀብፃቡ ብፍላይ ቅድሚ ምርጫ 2012 ክትግበሩ ኣለዎም ዝበሎም ነጥቢታት ዘርዚሩ።
ኣብ ኢትዮጰያ ዘሎ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ተስፋ ዝፈጠረ'ኳ እንተኾነ፡ ሓደገኛን ኸፋፋልን ኩነታት ዝሓዘለ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ጉጅል ከም ዝበሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተወለዐ ተቃውሞ ደም ምፍሳስ ከም ዘስዓበ ጠቒሱ፣ እቲ ቐዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብዝተልዓሉ ጎንፅታት ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ሚልዮናት ከም ዝተዘናበሉ ኣመልኪቱ።
ብተውሳኺ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝሓለፉ ዓመታት ንብሕቱ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ ኢህወደግ ንምልዋጥ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል ከስፍሖ ይኽእል'ዩ ይብል።
እዚ ድማ፡ ብመንጽር እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን መሓዙቱን ዘካይዱዎ ዘለው ለውጢ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኦሮሚያ ዘለው ጉጅለታት ከምኡ'ውን፡ ኣመራርሓ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ፡ ክሃድኡ ኣለዎም ኢሉ።
"ነገራት በዚ ዝቕጽሉ እንተኾይኖም ግን፡ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ክዝንግዕ ኣገዳሲ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሰልጣን ምስ መጽአ፡ ዝወሰዶም ስጉምታት እቲ ዝነበረ ስርዓት ብምውጋድ፡ ዓቕሚ መንግስቲ ክዳኸም ገይሩ'ዩ ይብል ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ጸብጻቡ።
እዚ ድማ ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ህዝባዊ ተቃውሞ ዘለዓዐሎ ምንቕስቓስ ብሄርተኘነት "ሓዱሽ ሓይሊ ክረክብ ገይርዎ" እዩ ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ድማ፡ ሕጹያት ካብ ዝመፅሉ ብሄር ድምፂ ንምርካብ ንሕንሕ ስለ ዘካይዱ ጎንፅታት ክፍጠሩ ከም ዝክእሉ ስግኣቱ ገሊፁ።
ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ፀብፃቡ፡ ብፍሉይ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝበሎም ኣርባዕተ ኩነታት ጠቒሱ ኣሎ።
ፈለማ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝመጽአሉ ክልል ኦሮሚያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ተነሓናሕቱን ብጾቱን ከይተረፉ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ረብሓ እቲ ክልል ኣብ ምኽባር ክሰርሕ ከም ዘለዎ እዮም ዝኣምኑ ይብል።
ካልኣይ ማሕለኻ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ጉዳይ ኣዲስኣበባን ካልኦትን ዘሎ ንሕንሕ'ዩ።
እቲ ሳልሳይ፡ ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ተኸሊሎም'ዮም ዝበሃሉ ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘሎ ውጥጥ ከምኡ'ውን፡ ኢህወደግ ይፈርስ'ዩ ዘሎ ኢሎም ቅርታ ዘቕርቡ ኣመራርሓ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘለዎም ተቓውሞ ቀንዲ ፈተናታት ምኻኖም ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።
ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር እናወሰኸ ዝመጽአ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትንን መሳጊድን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሞነጎ እምነታት ወጥሪ እናወሰኸ ክመጽእ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ እታ ሃገር ተወሳኺ ፈተና ከም ዝኾና ይሕብር።
ጉዳይ ስርዓት ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራሊዝም፡ ካልእ ምንጪ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ክብል ኣቐሚጡዎ ኣሎ።
ኣብ ሞንጎ ነዚ ዝድግፉን ዝቃወሙን ወገናት ዘሎ ክትዕ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ "ቀንዲ ምኽንያት ምክፍፋል" እታ ሃገር ምኻኑ ጠቒሱ።
ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝመርሖ ውድብ መሐዙት ውድባት ሓቚፉ ውሁድ ሰልፊ ንምፍጣር ምስ ወሰነ፡ ድጋፍን ተቓውሞን ከም ዝገጠሞ ብምግላጽ፡ እቲ ውህደት ካልእ ምስሕሓብ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይሕብር።
እቲ ስጉምቲ ስርዓት ብሄራዊ ፌደራሊዝም ከቐይር ይኽእል'ዩ ብዝብል፡ ኣመራርሓ ትግራይን ጉጅለታት ኦሮሞን ምቅዋሞም ዝዝከር ኮይኑ ህወሓት ነቲ ሓዱሸ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣይተሓወሶን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ምስ ትግራይ ዕርቂ ንከውርድ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ምስ ነባር ሰበስልጣን ተዛሚዱ ዝለዓሉ ኽስታት ዳግም ከጽንዖም ይግባእ ኢሉ።
ክራይስ ግሩፕ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣመራርሓ ትግራይ ከም ዘይቕበሉዎ ዝተገለጸ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘይተረዳድአሎም ጉዳያት ወሰን ከጽንዕ ዝተጣየሰ ኮሚሽን ዝምልከት'ውን፡ እቲ ውሳነ ንድሕሪት ተመሊሱ ከጽንዖን ከመሓይሾን ይግባእ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትርን መሓዙቱን ውሁድ ሰልፊ ኣብ ዝምስርትሉ መስርሕ፡ እቲ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ከትርፎ ይኽእል'ዩ ብዝብል ዝተፈጥረ ስግኣት ብጥንቓቐ ክኣልዩዎ ይግባእ ዝበለ ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ዝግበር እንተኾይኑ፡ ኩሎም ኣካላት ዘሳተፈ ክኸውን ብግልጺ ከቐምጥ ይግባእ ኢሉ።
ጸብጻብ ክራይስስ ግሩፕ፡ እቲ ሃገራዊ ምርጫ በቲ ዝወጽአ ሰሌዳ ዝካየድ እንተኾይኑ ድማ፡ ተቓወምቲ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን ብምስታፍ፡ ኣቐዲሙን ድሒሩን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጎንጺታት ንምውጋድ ተኸታተልቲ ዘተታት ክካየዱ ይግባእ ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ምክፍፋልን ግጭትን ዘስዕብ ወፍሪ ምርጫ ዝሕይል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባት ሓገዝ ብምሕታት፡ እቲ ምርጫ ንኻልእ ግዘ ከመሓላለፍን ሃገራዊ ዘተ ክካየድን ክሓትት ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓሳብ ኣብ ዘቕርብ ጸብጻብ ክራይስ ግሩፕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንብዙሓት ተስፋ ዝሃበ ምኻኑ ብምግላጽ፡ እቶም ሕጂ ዝርኣዩ ዘለው ምልክታት ግን ንነባራት ሰበስልጣን ዘስግኡ'ዮም ኢሉ።
ናይ ገሊኦም ስግኣት ዝተጋነነ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝጀመሮ ለውጢ ጥንቃቐ ብምሕዋስ ወሰንቲ ዝኾኑ ደገፍቲ ኣሳቲፉ ክጉዓዝ ከም ዘለዎ የመልክት።
ብተወሳኺ ኩሎም ዝብታት ኢትዮጵያ ንምስታፍ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሚ ብምጥንኻር፡ ኣብ ሞንጎ ሙሁራት ዘተታት ክካየዱ ብምግባር፡ ውህደት እቲ ገዛኢ ግንባር ነታ ሃገር ብዘየናግዕ መገዲ ክውገን ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ ሕገመንግስትን ፌደራሊዝምን ዝለዓሉ ክትዓት ንግዚኡ ክጸንሑ ክሰዘጋገሩ ይግባእ ኢሉ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







