ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንየመናውያን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ እንታይ ኣልዒሉ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister Ethiopia

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብኢድ ኣታውነት ግዳማውያን ሓይልታት እትሕመስ ንዘላ የመንን ተዋጋእቲ ሓይልታትን ናብ ሰላማዊ መገዲ ክኣትዉ፣ ህዝቦም ካብ ዝኸፍአ ጸገም ከድሕኑ ዝሓትት ደብዳበ ጽሒፉ።

እዚ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ዓረብኛን ኢንግሊዘኛን ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣብ ውግእ የመን ንዝሳተፉ ዘለው ሓይሊታት'ኳ እንተዘይነቐፈ፡ ኣብ የመን ክልተ ጫፍ ሒዞም ንዝዋግኡ ዘለው ሓይሊታት ግን ሚሒር ኾኒኑ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብትዊተር ኣብ ዝጠቅዖ ደብዳበ፡ ኣብ የመን ንዘሎ ሕንክርክር ንህዝቢ የመን ብሕታዊ ተሓታቲ ዝገበረ'ዩ።

የመን ኣብ ጥንታዊ ስልጣነ ዓብዪ ቦታ ከምዝነበራ ብምብራህ ዝጀመረ እዚ ደብዳበ፡ የመን ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዘለዋ ቦታን ክብርን'ውን የጉልህ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን "ናይ ዕብየት መሬት" ከምዝተብሃለት፡ ብጥንታውያን ግብጻውያን ድማ "ዝተቐደሰት መሬት" ተባሂላ ሽማ ከምዝተጸርሐን፡ ቑርዓን'ውን ብዓብዪ ክብሪ ከምዝጠቕሳን ኣቐዲሙ ይዝርዝር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝፈሓፎ ደብዳበ በዚ ኣየእኸለን።

እንትቕጽል፡ "ብሓደ ኣምላኽ ዝኣምንን ሓደ ሃይማኖትን ዝኣምን ህዝቢ ንምንታይ ኣብ ኲናት ይእዘኽ" ኢሉ ብምሕታት፡ "ንምንታይ ሃብትኹም ተዕንው? ንምንታይ ሃገርኩም ተብርሱ? ንምንታይ ህይወትኩም ተጥፍኡ? እናበለ'ውን ይሓትት።

"ደቕኹም ንምንታይ ወለዲ ኣልቦ ክኾኑ ትገብሩ" ኢሉ'ውን ዝሓትት እዚ ደብዳበ፡ እታ ሃገር ብኩሉ ኣንፈት ተዕንውዋ ኢኹም ዘለኹም፡ ንምኻኑ እንታይ ክትረኽቡ ኢኹም? ብምባል ምኽንያታውያን ኩኑ ብምባል ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ይነቅፍ።

ኣብ የመን ንዝበጽሕ ዘሎ ዕንወት የመናውያን ሓላፍነት ክወስዱ ከምዘለዎም ድማ ኣብ ካልኣይ ገጽ እቲ ደብዳበ ሰፊሩ ይርከብ።

እዚ ዝዘርዘረ ደብዳበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ዕርቀ ሰላም ክመጽእ ጠሊቡ።