ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዯጵያ ሹመት ሚንስተራት ኣፅዲቑ

ኣይሻ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓደሽቲ ሚንስተራት ሸይሞም። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ኣዋጅ ሹመት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ዝቐረበ ሓድሽ ሓሳብ አዋጅ ከምዘመላኽቶ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፡ ዱርን ንብረት ኣየርን ከምኡ ድማ ጉዳያት ኢንቨስትመንት ብደረጃ ኮሚሽን ካብ መንጎ ዝጣየሹ ቤት ዕዮታት ይርከቡዎም።

ቅድም ክብል ብደረጃ ሚንስቴር ዝተጣየሱ ኣብይተ ዕዮ 28 ነይሮም፤ በቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ድማ ናብ 19 ክወርድ ተጌሩ'ሎ። ብሄራዊ ኮሚሽን ፕላን፡ መበል 20 ኮይኑ ቆይሙ'ሎ።

ኣብ ሓድሽ ካቢነ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ፡ 50 ሚኢታዊት ማለት 10 ሚንስተራት ደቀ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ።

እቲ ባይቶ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፡ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር፡ ወይዘሮ ፈተለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ ድማ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል- ሚኒስተር ሰላም ገይሩ ሸይሙ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ፌዴራል ፈሪሱ፡ በቲ ቤት ፅሕፈት ክትግበሩ ዝፀንሑ ዕዮታት፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝጣየሽ ቢሮ ፕረስ ክትግበሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት፦

1. ኢንጂነር አይሻ መሃመድ- ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር

2. ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል- ሚኒስተር ሰላም

3. ኣይተ አህመድ ሽዴ- ሚኒስተር ገንዘብ

4. ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ - ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ

5. ኣይተ ኡመር ሁሄን- ሚኒስተር ሕርሻ

6. ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚአብሄር- ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትን

7. ወይዘሮ አዳነች አቤቤ- ሚኒስተር እቶት

8. ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ -ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን

9. ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ- ሚኒስተር ትራንስፖርት

10. አቶ ጃንጥራር አባይ-ሚኒስተር ከተማ ልማዓትን ኮንስትራክሽን

11. ዶክተር ስለሺ በቀለ - ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን

12. ዶክተር ጥላዬ ጌቴ- ሚኒስተር ትምህርቲ

13. ዶክተር ሳሙኤል ሁርኮ- ሚኒስተር ማዕድንን ነዳጅን

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, FBC

14. ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ - ሚንስተር ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

15. ሚንስትር ሓለዋ ጥዕና - ዶክተር ኣሚር ኣማን

16. ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም- ሚኒስተር ሳይንስን ላዕለዎት ትምህረቲ

17. ወይዘሪት ያለም ፀጋይ አሰፋ- ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን

18. ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ- ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማህበራዊን ጉዳይ

19. ዶክተር ሂሩት ካሳው - ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን

20. ዶክተር ፍፁም አሰፋ - ኮሚሽነር ኮሚሸን ፕላንን ልምዓትን ኮይኖም ተሸይሞም።