ኢትዮ-ኤርትራ፡ ትረኻን ትሕዝቶን ስራሓት ስነ ጥበብ ካበይ ናበይ?

ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ መረሳ ጸሃየ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, BBC/meresa

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ መረሳ ጸሃየ (የማን)

'ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ኢና'፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ብወግዒ ንፈለማ እዋን ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተጉዓዘሉ እዋን ፡ ንህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ተስፋታት ሓደ ነይሩ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1 መስከረም 2011 ድማ [11 መስከረም 2019]፡ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ዘራኽብወን መስመራት ዛላምበሳ- ሰርሓ እንትኽፈት፡ 'ፍቕሪ ስዒሩ፡ ኣሕዋት ተዓሪቖም' ዝብል ደርፊ ዓብሊሉ ውዒሉ።

በዚ ደርፊ ፍቕርን ሕውነትን፡ ብዙሓት ናፍቖት ሕውነት፣ ሰላምን ርግኣትን ዝበሃጋ ኣዒንቲ ነቢዐን።

ኣብ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንዓመታት መጽናዕታት ዘካይድ ዘሎ ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም በቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ካብ ዝነብዑ ሓደ'ዩ።

"ዘይርስዖ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እንተሃለወ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ዛላምበሳ ዝነበረ ፈላሚ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ'ዩ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒት ህዝቢ፡ ዘይምቅዳው መራሕቲ ሻዕብያን ህወሓትን ኣብ ህዝቢ ዘሕደሮ ጽልዋ ብግለጺ ዝተዓዘብኹሉ'ዩ" ይብል።

ትኹረትን ትሕዝቶን ደርፍታት ክልቲኦም ህዝቢ፡ ኩነታት መሰረት ገይሮም እናተቐያየሩ ምምጽኦም ብዙሓት ይዛረቡ።

ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፤ ትግራይ ድማ መሰል ርእሰ ውሳነ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተገበረ ነዊሕ ህዝባዊ ቓልሲ፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ጨቋኒ ዝብልዎ ስርዓት፡ ማእኸሉ ኣዲስ ኣበባ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዘ ዝዝየሙ ዝነበሩ ደርፍታት፥ ዝጽሓፉ ዝነበሩ ጽሑፋትን ተዋስኦታትን፡ ናጽነት፣ ዲሞክራሲ፣ ጸረ ጭቆና ንዝብሉ ዛዕባታት ብምልዓል፡ ጥንካረ ሸቃሎን ሓረስቶትን ዘጉልሑ ምንባሮም ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ይዛረብ።

"ነዚ'ውን እቶም ደርፍታት ወይ ናቕፋ፣ ወይ ለካቲት ዘጉልሑ ነይሮም" ዝብል፡ እቲ ሙሁር፡ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እንከይተረፈ ብምንጽብራቕ ንስርዓት ሩሲያን ኣሜሪካን'ውን ተቓሊሶም ዝስዓሩ ምዃኖም ከም ዝትርኹ ይሕብር።

"እቶም ደርፍታት ተመጋገብቲ ነይሮም፤ ጸረ ጭቆና ኣተኲሮም ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ሽግራት ብምጉላሕ'ዮም ዝመጽኡ። ሓረስታይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ገጠርን ከም ዝዕወቱ ድማ የዘንትው።"

ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ [ናይ ኤርትራ]፡ ቃልሲ ጸረ ጭቆናን ምርግጋጽ መሰል ርአሰ ውሳነን [ብትግራይ] ተዓዊቶም። ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስ ኮነት ድማ፡ ትኹረት ሙዚቃዊ ስርሓት ክልቲኡ ሸነኽ ንምቕያር ብዙሕ ግዘ ኣይወሰደሉን።

ክልቲኦም ብዝሓዝዎ መገዲ፡ እቲ ሓደ ጨቋኒ ስርዓት ኣሸኒፉ ናብ ፌደራላዊ ስርዓት ከም ዝኸይድ ገይሩ እንትደርፍ፡ ኤርትራ ሓደ ልቢ ብዝብሉ ደርፍታት ሓደ ክትኸውን "ናብ ሃገራዊ ህንጸት'ዮም ከይዶም" ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ።

ድሕሪ 7 ዓመታት ዶብ ኣመኽንየን ናብ ኲናት ዝኣተዋ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝጀመርኦ ሃገራዊ ህንጸት ዝድግፍ ሰላም፡ 'ንሸውዓተ ዓመት' ጥራሕ'የን ኣስተማቒረን።

ኣብቲ እዋን፡ እቶም ዝስርሑ ሙዚቃታት፣ ድራማታትን ጽሑፋትን፡ ብልክዕ እቲ ኲናት ዘሕደሮ ጽዕንቶ ተቐይሮም።

ክልቲኦም [ኤርትራን ትግራይን] ከም ጸላእቲ ተራኣእዮም፤ እቶም ስርሓት ስነ ጥበብ ድማ ንተዓዋትነትን ብሄርተኝነትን ዘንጸባርቑ ኮይኖም፡ ኢሉ እቲ ሙሁር። ከመይ?

ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ

ምንጪ ስእሊ, MERESA

መግለጺ ስእሊ, ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ

"ሻዕቢያ ንህወሓት ኣባጺሐ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ዘብጻሕኹዎ ኣነ'የ፤ ስለዚ ኣብ ትሕተይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ንህወሓት ከም ድኹም ገይሩ ናብ ምርኣይ'ዩ ኣዘንቢሉ። . . .

ኣብ ባድመ ናይ መጀመርታ ኲናት ምስ ተዓወቱ 'ሕጂ'ዶ ይሓይሽ ውይ ውይ' ዝብሉ ናይ ኣሸናፍነት ደርፍታት ተሰሚዖም። ብወገን ትግራይ ድማ፡ መጀመርታ ናይ ተጠቃዕነት ኮይኑ 'ዘይውዓልኩ ዘረባ' ዝብሉ ናይ እያሱ ደርፍታት ንረክብሞ፡ ድሕሪኡ ናብ ኣሎ በሎ ዝብል ደርፊ'ዩ መጺኡ" ብምባል ይገልጾ።

. . . . . . . . . .

ፍቕሪ [2] ስዒሩ ፍቕሪ

ታይ ይስኣኖ ፈጣሪ

ሰለምና የብዝሓዮ ንዘልኣለም ኣብነት ኮይንና ንዓለም

ፍቕሪ እንተሃሊዩ ዘይብጻሕ የለን . . . . . . . . . .

. . . . . . . . . .

ብምኽንያት ኲናት ብትሕዝቶ፣ ትኹረትን ዛንታን ዝተቐያየሩ ስርሓት ስነ ጥበብ ህዝቢ እዘን ሃገራት፡ ድሕሪ ምጅማር ሓድሽ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ኤርትራ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ክልተኤን ሃገራት፡ ንዓመታት ዝተርሓሓቐ ህዝቢ ናብ ምትሕውዋስ፡ ሓድነቶም ናብ ምጉላሕ ዘተኮሩ ደርፍታት ክሰምዑና ጀሚሮም።

. . . . . . . . . .

ይዕለል ይዕለል ኣሎ

ኩሉ ሓሊፉ ይብሃል ኣሎ

ጥዑማት ጥዑማት ወረ ፍቕሪ ቐደም ኽዓ ጀመረ

ብመረብ ብዛላምበሳ ኣስመራ ነቐለ ክመላለሳ. . .

. . . . . . . . . .

እዚኦም ናብ ሓደ ናይ ምምጻእ፣ ሓበራዊ ዕድል ኣለና ናብ ምባል ይመጽኡ ምህላዎም ዘመላኽቱ ምዃኖም ዝጠቅስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ፡ ሕዚ እቲ ስርሓት ስነ ጥበብ ብትሕዝቶ "እንተንኣሰ ኣይወቓቐስን" ብምባል ይገልጾ።

ብዙሓት ሙሁራት ማሕበራዊ ስነ ልቦናን ሳይንስን፡ ስነ ጥበብ ብፍላይ ድማ ሙዚቃ፡ ሓደ መገዲ ህንጸት ማሕበራዊ ምዕባለ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

"ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ድማ፡ ብሓደ ቋንቋ ደርፊ ናይ ምስማዕ፣ ብሓደ ናይ ስነ ጽሑፍ ሕጊ ናይ ምግዛእ ሓደ ዝገብር ነገር ብምህላዉ፡ ዝተፈላለየ ባህርን ባህግን ክህልወና ኣይኽእልን" ይብል ሙሁር ማሕበራዊ ዕዮ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ቢነጋ ሃይለስላሰ።

"ኣብ መጻብብ እዋን ኮይኑ'ውን ሓደ ናይቲ ሓደ ሙዚቃ ተሓቢኡ ዝሰምዓሉ፣ ስነጽሑፍ ዘንብበሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት መሰረት ገይርካ፡ ስነ ልቦናዊ ሸኽሚ ሕብረተሰብ ኣብ ምቅላል ስነ ጥበብ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን"።

ፍቓድ ፖለቲከኛታት ክልቲኤን ሃገራት ከይተሓወሶ፡ ብሕብሕቢኢተይ ይግበር ካብ ዝነበረ ሓበራዊ ስራሕ ስነ ጥበብ ዘውጽእ ፍቑድ ባይታ ክትረክብ ምኽኣል ዝፈጥሮ፡ ስነ ልቦናዊ ርእሰ ምትእምማን ድማ ቀሊል ኣይኮነን ይብል እቲ ሙሁር።

ሙሁራት ስነ ልቦናን ማሕበራዊ ዕዮን፡ ብጭንቂ ዝተወጠረ ስነ ኣእምሮ ንምፍትሕታሕ፣ ጠፊኡ ዝነበረ ስነ ልቦናዊ ብርኪ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሙዚቃ [ሚዩዚክ ቴራፒ] ይጥቀሙ'ዮም።

ትሕዝቶ ዝቐርቡ ደርፍታት፣ ግጥምታት ኮነ ካልኦት ስራሓት ኪነት ድማ፡ ባህሪ ኣብ ምቕራጽ ልዑል እጃም ኣለዎም ተባሂሉ ይእመን።

ህጻናት ከም ኣብነት ዘልዕል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ቢነጋ፡ ምግርጫው፣ መግረፍቲ፣ ሕብሕብኢተይ ዘለዎ ፊልሚ ዝርእዩ እንተኾይኖም፡ እቲ ባህሪ ንሱ ሒዝካ ናይ ምዕባይ ተኽእሎኦም ዝለዓለ'ዩ ኢሉ።

ብሙዚቃ'ውን ዘራፍ እናበልኻ፣ ብረትን ሰንጢን ሒዝካ በሎ ቑረጾ እናበልካ፡ ስምዒቱ ብቑጥዐ ንክልዕዓል ዝገብሩ ደርፍታት ተስምዖ እንተኾይንኻ'ውን ጽልውኡ ቀሊል ኣይኮነን።

"ንሓደ ማሕበረሰብ፡ ተወሪርካ፣ ተበሊዕኻ፣ ዲሞክራሲ ስኢንካ ኣለኻ ኢልካ ትደርፈሉ እንተኾይንካ ነታ ዲሞክራሲ ኣለሻ ክወጽእ'ዩ። ሕዚ ድማ፡ ሰላም ኮይኑ ኣሎ፤ ዝተፈላለናየሎም ግዜያት እነከሓሕሰሉ ማሕበራዊ ርክብ ንፍጠር፣ ንብል እንተኾይንና፡ ነዚኦም ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ደርፍታት'ዮም ክድረፉ ዘለዎም" ኢሉ ቢነጋ።

ሽሕ'ኳ እዞም ህዝብታት ብደረጃ ስነ ልቦናዊ ማሕበራዊ ርክቦም ተቋሪጹ ጸኒሑ'ዩ እንተዘይተብሃለ፡ ኣብ እዋን እቲ ዝሓለፈ ኲናት ኢድን እግርን ክቑረጽ፣ ደም ክፈስስ ዝርኣየ ሰብ ግን ብቐሊሉ እቲ ዝሓለፎ ብሙዚቃ ክተረስዖ ከም ዘይትኽእል እቲ ሙሁር የስምረሉ።

"ንኸምዚኦም ዝበሉ በሰላታት ዝሕክሙ ማእኸላት ህንጸት ስነ ልቦና የድልዩና'ዮም። እዚ ከከም'ቶም ሰባት ዘለዎም መረረት ክፈላለ ዝኽእል እንትኾን፡ ናይ ገሊኦም ናይ ነዊሕ ሰዓታት ቴራፒ ተጠቒምካ ዓመታት ክወስድ ብዝኽእል ማዕዳ ኢኻ ክትፈትሖ እትኽእል"።

ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ

ሙሁር ቋንቋ ትግርኛ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ብወገኑ፡ ድሕሪ ምጅማር ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እዘን ሃገራት ንዝርኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት፡ ንዕብየት ቋንቋ፣ ባህልን ኣተሓሳሰስባን ብዘለዎ ረብሓ'ዩ ዝትርጉሞ።

"ቋንቋታትና፡ ኣተሓሳስባ፣ ህንጸት ልቦና፣ ባህሊ፣ ማሕበራዊ ርክባትናን ታሪኽናን ኸዚኖም'ዮም ዘለው። እዚ ብስነ ቃልን ስነ ጽሑፍን ክግለጽ ዝኽእል እንትኾን፡ ዓዲ ክንፈሊ ከለና እዚኦም ኣይፈለናዮምን። ስለ ዝኾነ፡ ብብዙሕ መለክዕታት እንራኸብ ምዃንና ኣብዚ ኢና ንረኽቦ" ኢሉ።

"ባህላዊ ጸዋታታት፣ ስነ ቃላት መጸውዒኦም ክፈላለ ይኽእል እምበር፤ ሓበራዊ ሃፍቲ ብምዃኖም፡ ኣይትማቐሎምን" ዝብል ዶክተር ዳኒኤል፡ እቶም ሕዚ ዝስርሑ ናይ ስነ ጥበብ ፍርያት ሓላፍነት ብዝተመልኦን ብዝተጸንዐን መገዲ ክስርሑ ይምዕድ።

ኣብቶም ናይ ስነ ጽሑፍ ፍርያት ናይ ትረኻ (ዝጸንሐ እምነት ወይ ኣመለኻኽታ) ለውጢ ክመጽእ'ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘልዕል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ፡ ህዝባዊ ርክባት ንምጥንኻር ንእምት እንተሃሊና ግርጭታት ዝኣልዩ ክኾኑ ክኽእሉ ኣለዎም ኢሉ።