ባህሊ፡ "ቁኖ ንጓል ኣንስተይቲ መዓርጋ'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebremedhin
ሓደ ሕብረተሰብ መግለፂ መነባብሮኡን መንነቱን ዝኾኑ ባህልታት ኣለውዎ።
ንስነ-ቃሉን ያታኡን፣ በዓላቱ፣ ባህላዊ ኣልባሳቱን መጋየፅታቱን፡ ዓብይ ክብሪ ሂቡ ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የስግሮም። ቁኖ፡ ድማ ሓደ ካብኦም እዩ።
ሕብረተሰብ ዓቂቡዎም ዝመጽአ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቁኖ ኣለውዎ። እቶም ቁኖታት ብክሊ ዕድመ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ፤ በብኸባቢኡ ከኣ ዝተፈላለየ ስያመን ትርጉምን ክህልዎም ይኽእል።
ኣብ ከተማ መቐለ፡ ዓዲ ሓቂ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዕዳጋ፤ ቁኖ ዝደለያ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ቆነንቲ ዝራኸባሉን ዝቑነናሉን ቦታ ኣሎ።
ኣብዚ ቦታ እትሰርሕ፡ ቅድሚ 16 ዓመት ካብ ኤርትራ፤ ኣስመራ ዝመጽአት ብቁኖ እትመሓደር ወይዘሮ ኪሮስ ገብረዋህድ፡ "ቁኖ ንጓልኣንስተይቲ መዓርጋ'ዩ" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ መምህር መፅናዕቲ ባህልታት ኣይተ ኣለማዮ ሃፍተ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ባህላዊ ቁኖታትን መጋየፅታትን መፅናዕቲ ኣካይዶም'ዮም።
ንሶም ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ተደሪኽና ድማ፡ ባህላዊ ቁኖታትን ትርጓመኦምን እነሆ ነቕርበልኩም።
1. ጭንጉዕቲ [ልፃይ]
ጭንጉዕቲ ኣብ ማእኸል ዝተላጸየን ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ኣብ ማእኸል ዘይተላፀየ ፀጉሪ ዘለዎን እዩ።
እዚ፡ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽድሽተ ዓመት ዝመልኣ እትቑነኖ ቁኖ'ዩ። ጭንጉዕቲ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ልሙድ እንትኸውን ተመሳሳሊ ቅድን ትርጉምን ድማ ኣለዎ።
2. ጭንጉዕቲ ራንጎ
ራንጎ፡ ካብ ጭንጉዕቲ ዝቐፀለ ብርኪ እንትኸውን፡ ብልኻይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናኸበደን እናወሰኸን ዝኸይድ ዝተጠቕለለ ፀጉሪ እዩ።
ጭንጉዕቲ ናብ ራንጎ ንክቕየርን ንክገዝፍን ብውሑዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝወስደሉ ክኸውን ከሎ፡ ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚአን ህፃናት እየን ጭንጉዕቲ ራንጎ ዝህልወን።
ብድሕሪት ዝተኣከበ ፀጉሪ እናተጠቕለለ ስለ ዝነውሕ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን "ራስታ" ምስ ዝበሃል ቅዲ ተመሳሳሊ ከም ዝኾነን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ እዚ ቅዲ ምንባሩ መምህር ኣለማዮ ሃፍተ ይገልጽ።
ኣብ ሑቐ እታ ጓልኣንስተይቲ ዘው ዝብል ራንጎ "ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ኣፍ ልባ ቅንዕ ኢላ ንኽትከይድ" ከም ዝገብር ይግለፅ። ነዚ ድማ እዩ፡ ደኒና ንእትኸይድ ጓል "ብራንጎ'ዶ ኣይዓበየትን እያ" ከም ዝበሃል መምህር ኣለማዮ ይዛረብ።
ራንጎ መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ከባቢ ራያ ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገለ ክፋል እንደርታ'ውን ከምዝዝውተር እቲ መምህር ይገልጽ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ እዩ ዝረአ እምበር፡ ይጠፍእ እዩ ዘሎ።
3. ጋመ
ጋመ [ጋመ ዓረብ] ብብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ይዝውተር። ኣብ ቅድሚት ኣርባዕተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ተለላ ንጎኒ ዝቑነን እንትኸውን እቲ ዝተረፈ ድማ ንድሕሪት ይቑነን።
ጋመ፡ ካብ 14 ክሳብ 20ታት ዘለዋ ዝተሓፀያ ኣዋልድ ዝቑነነኦ እዩ። እዚ ቁኖ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ልሙድ እዩ።
ቁኖ ጋመ፡ ሰለስተ ብርክታት ኣለውዎ፤ ጋመ ዓረብ፣ ጋመ ጭንጉዕትን ጋመ ዕማሞን።


ሰለስተ ብርክታት ጋመ
- ጋመ ጭንጉዕቲ፡ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ይቑነንኦ። ክልተ ንጎኒ ይቑነን እሞ፡ እቲ ዝተረፈ ንድሕሪት ይወርድ። ጋመ ጭንጉዕቲ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ራያ ልሙድ እዩ።
- ጋመ ዕማሞ፡ ኣብ ሞንጎ ቁልዕነትን ምሕፃይን ዘሎ ብርኪ [ካብ 12 ክሳብ 16 ዝዕድሚአን ኣዋልድ] ዝቑነንኦ'ዩ ይብሉ እቶም ምሁር።
- ጋመ ዓረብ፡ እተን ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ንጎኒ ዝቑነና ተለላታት ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾና እየን። ኣብ ማእከል ድማ ንድሕሪት እትቑነን ሓንቲ ዓባይ ቁኖ ወይ ድማ ኣልባሶ ትህሉ።
ኣብ ባህሊ፡ ጋመ ሓዳር ዘይገበረትን ዘይወለደትን ማለት'ውን "ምስ ድንግልንኣ ዘላ ጓልኣንስተይቲ እትቑነኖ" ከም ዝነበረ እዩ እቲ መምህር ዝገልፅ።

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebremedhin

4. ሳድላ
ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ትርከብ ጓልኣንስተይቲ ሳድላ ትቁነን። ሳድላ ከም ጋመ ሰለስተ ንጎኒ ዝቑነን ኮይኑ፡ ኣብ ማእከል ከኣ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ንድሕሪት ብፍሩይ ይቑነን።
ነዘን ኣብ ሞንጎ ፍርይ ኢለን ዝቑነና ቁኖታት ኣብ ገለ ከባብታት ስንቅር ተብሂለን ይጽውዓ። ገለ ወለዲ ድማ፡ ነዘን ስንቅር ካብ መጋየፂ ብዝዘለለ ከም ኣሰርቲ (መፅንዒ) ገይረን ይወስድኦ።
5. ፈንዛሕታ
እዚ ናይ ሳድላ ተፃራሪ እዩ። እተን ንጎኒ ዝቑነና ሰለስተ ኣርባዕተ ተለላታት ምስ ሳድላ ተመሳሰልቲ ዋላ እኳ እንተኾና፡ ዝበዝሕ ንድሕሪት ዝቑነን ቁኖ ግና ፍሩይ እዩ፡ ሓሊፉ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ቀጢን ስንቅር ይኣትዎ።
ፈንዛሕታ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነት እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ እያ ትቑነኖ።
6. ግልብጭ
ኩሉ ንድሕሪት ዝቑነን ቀጢን ቁኖ ኮይኑ፡ ኣብ ጫፉ ግና ዘይተደርመመ እዩ። ግልብጭ ከምቶም ካልኦት ቁኖታት ካብ 30 ክሳብ 45 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ትቑነኖ።
ኣብ ከባቢ ራያ "ቀዳመ ሰናብቲ እንታይ እነሀኪ ዕዮ፡ ግልብጭ ተቖኒንኺ ጥስም ደይትብልዮ" ከምዝበሃል'ውን መምህር ኣለማዮ ኣወጊዖምና።
7. ኣልባሶ
ቁኖ ኣልባሶ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ትሽዓተ ተለላ ዝሓዘ ፍሩይ ቁኖ እዩ። እዚ ቁኖ፡ ካብ ርሑቕ ዝልለ፡ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ዓይነት ቁኖ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ሞንጎ ኣልባሶ ከከም ድሌት እተን ደቂኣንስትእዮ፡ ሓደ ወይ ክልተ ስንቅር ምሕዋስ ወይ ድማ ሳርጌታ (ብዓምዲ ዝተተሓሓዘ) ምግባር ይከኣል። እዚ ቁኖ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመ ንክቁነና ዝመርፀኦ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebremedhin
8. ዓሳ
ዓሳ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ዝኾኑ ቁኖታት እቲ ሓደ እዩ። ዓሳ፡ ኣብ ማእኸል ሓንቲ ኣልባሶ ብምግባር እቲ ዝተረፈ ንጎኒ እዩ ዝቑነን።
ብጎኒ ተወሳኺ ኣልባሶ ብምውሳኽ፡ በዓል ሰለስተ ኣልባሶ ዓሳ ምቑናን'ውን ይከኣል። ዓሳ ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ልሙድ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ንእስነትን ማእኸላይ ዕድመን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እየን ዝቑነንኦ።

ምንጪ ስእሊ, Muzey Aregawi
9. ድርማሞ
ድርማሞ ንድሕሪት ተቖኒኑ፡ ጫፉ ድማ ብማዕረ ዝኽምበት ወይ ድማ ዝድርመም ዓይነት ቁኖ እዩ። "መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ቀረባ ስድርኣ ዝሞታ ሰበይቲ እያ ቑኖኣ እትድርመም" ዝብሉ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዝተለመደ ዓይነት ቁኖ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገለ ከባብታት መግለጺ ሓዘን ዘይኮነስ፡ ልዕሊ 30 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ክትቁነኖ እትኽእል ዓይነት ቁኖ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Muzey Aregawi
10. ሰለላ
እዚ ዓይነት ቁኖ ድማ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብተመሳሳሊ መጠን ኣፈላላይ ዝውዳእ እዩ። ኣብ ሰለላ ኣብ ቅድሚት ዝግበር ጋመ የለን።
እዚ ዓይነት ቁኖ ሰፊሕ ዕድመ ጓልኣንስተይቲ ዝሽፍን እንትኸውን፡ ካብ 20 ክሳብ 45 ዝዕድሚአን ይቑነንኦ። ቁኖ ሰለላ፡ ኣብ ከባብታት ጡሙጋ፣ ኣላማጣን ዋጃን ኣዝዩ ልሙድ እዩ።
11. ሰርጌቶ (ሰርጌታ)
ጨጉሪ ርስኢ ሙሉእ ንሙሉእ ንድሕሪት ምስ ተቖነነ፡ ኣብ ግምባር ብሓንቲ ዘለላ ኣብ ማእኸል መራኸቢ ብዘይብሉ ዝእሰር እዩ። ሰርጌታ ልዕሊ 20ን ትሕቲ 60ን ዝኾና ደቂኣንስትዮ እየን ዝቑነንኦ።
12. ሰላጠ
ዓይነት ቁኖ ሰላጠ፡ ማእኸል ርእሲ 'ዓይኒ' ብዝበሃል ዓይነት ቁኖ ምስ ተቖነነ፡ ኣብ ጫፉ ወይ ድማ ድሕሪቱ ዝድርመም ኮይኑ፡ ብክልተ ጫፉ ንውሕ ዝበለ ዘለላ ኣለዎ።
ኣብ ከባቢ ራያ፡ ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ እያ ትቑነኖ።
ቁኖ ሰላጠ ናይ ሓጎስ ዋላ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ከባብታት ራያ ትሕቲ 30 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ሰላጠ እንተተቖኒና፡ ገና ኣይዓበኽን ዝብል ተቓውሞ ይበፅሓ።

ምንጪ ስእሊ, Muzey Aregawi
13. ጎፍታ፡
ቁኖ ጎፍታ፡ ኣብ ማእኸል ሓንቲ ዓባይ ኣልባሶ ብምግባር እቲ ዝተረፈ ብቐጢን ንድሕሪት ዝቑነን እዩ። እዚ ቁኖ ኣብ ብዙህ ከባብታት ልሙድ እዩ። መናእሰይ ደቂኣንስትዮ ድማ ነዚ ቁኖ ይሓርየኦ።

ምንጪ ስእሊ, Adiam kahsay








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







