ታይዋን፡ ሓንቲ ተምሃሪት ብስርቂ ርግኦ መርመራ ዲኤንኤን ክካየድ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታይዋን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ መማህርታ ርግኦ ብምስራቕ ትጥርጠር። እዚ ጥርጣረ ብሳይንሳዊ መገዲ ንምርግጋጽ ድማ፡ ናይ ዲኤንኤን መርመራ ክካየድ ኣለዎ ይበሃል።
ከም ጸብጻብ ቢኤስ ዝተብሃለ ቴሌቪዥን፡ እዛ ሽማ ዘይተገለጸት ተጠርጣሪት፡ ኣብ ከተማ ታይፒ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ባህሊ ቻይና፡ ምስ ሓሙሽተ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር'ያ ትነብር።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ሓንቲ ካብኣተን፡ 1.92 ዶላር ዝዋግኡ ርግኦ ብዘይፍቓዳ ከም ዝተወስዳን፡ ናይቲ ርግኦ ኣቕሓ ኣብ መአከቢ ጉሓፍ ከም ዝረኸበቶን ድማ ትገልጽ።
ሓቲታ ዋላ ሓደ ዝምልሰላ ምስ ስኣነት ግን እዚ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ክበጽሕ ትገብርሞ፡ ንሳቶም'ውን ዝተቐበሉዎ ምጽራይ ክካየድ ትሓትት።
ካብቲ ርግኦ ሒዙ ዝነበረ ታኒካ ኣሰር ኣጻብዕቲ ንምውሳድ ራሕሲ ስለ ዝነበሮ፡ እታ ርጉኦ ጠፊኡኒ በሃሊት ተምሃሪት፡ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ንክልለ፡ መርመራ ዲኤንኤን ክካየድ ኣለዎ ትብል።
ድሓርከ ንዝበልኩም!
ፖሊስ፡ ነታ ኸሳሲት ሓዊሱ ኣብ ኩለን እተን ሓሙሽተ መናብርቲ ሓደ ክፍሊ መርመራ ክካየድ ብምእዛዝ፡ ናይ ፎረንሲክ መርመራ ክካየድ ይገብር።
ነፍሲ ወከፍ መርመራ 98 ዶላር ዝሓትት ኮይኑ፡ ብኸፈልቲ ግብሪ'ዩ ተመዊሉ። ነበርቲ ግን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ብዝጠፍአ ግዜን ገንዘብን ሓሪቖም ቑጥዐኦም ገሊጾም።
ሓደ ነባሪ ንኣፕል ዴይሊ ዝተብሃለ ጋዜጣ ከምዝበሎ፡ "ሃብቲ ማሕበረሰብ ዘባኸነ ስራሕ'ዩ። ፖሊስ እንተዝኸውን ነይረ፡ ጠፊኡኒ ንዝበለቶ ርጉኦ'የ ዓዲገ ክትክአላ ነይረ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







