ናጻ መግቢ ንክትረኽቡ ሞባይልኩም ገዲፍኩም'ዶ ምኣተኹም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሞባይልካን ካልኦት ውጽኢታት ቴክኖሎጅን ኣቐሚጥኻ፡ ንሓድሕድካ ምውጋዕ ዳርጋ እናጸበበ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ብፍላይ መኣዲ ኣቐሪብካ፡ ንደቅኻን ስድራኻን እኹል ግዜ ዘይምሃብ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ይበጽሕ ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከብ ቤት መግቢ ፍራንኬን ቤኒን ግን፡ ሞባይሎምን ታብሌቶምን ገዲፎም ዝኣትው ስድራ፡ ንደቆም ናጻ መግቢ ከቕርበሎም'የ ኢሉ።
እቲ ቤት መግቢ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ህጻናት ወለዶም ኣብ ስልኪ ዘሕልፍዎ ግዘ ነክዮም፡ ከዋግዑዎም'ዮም ዝደልዩ።
10 ሚኢታዊት ዝኾኑ ህጻናት ወለዶም ዝጥቀሙዎም ናይ ቴክኖሎጂ ኣቑሑ ይሓብኡ።
ናይዚ ክልተ ዕጽፊ ድማ ናይ ዝኾኑ ህጻናት ወለዲ ድማ፡ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ሞባይሎም የጥፍኡ። ልዕሊ ርብዒ ስድራ መኣዲ ተቐሪቡ ስልኮም ከምዝትሕዙ ይኣምኑ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ እቲ ቤት መግቢ "ካብ ሞባይለ ናጻ ዝኾነ ዞባ" ዝብል ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ክሳብ 7 ታሕሳስ፡ 2018 ዝጸንሕ ሞባይል ሓዲግኻ ክትግልገል ምእታው ዝብል ወፍሪ ክጅምር'ዩ።
ገለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ሰባት እዚ ውሳኔ እንትንእዱ፡ ጥርጣረን ስግኣትን ዝሓደሮም ድማ ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







