ደሃይ 40፡ ባህላዊ መግቢ ትኩሻ ኣዝየ ይናፍቕ

ምንጪ ስእሊ, Andrea
ስመይ ኣንድሪያ ኒከደሞ ኢድሪስ ይበሃል፡ ተቐማጢ ናይሮቢ ኮይነ ልዕሊ 10 ገይረ ኣለኹ።
ኣብ ባረንቱ ተወሊደ ክሳብ 7ይ ክፍሊ ድማ ኣብኡ ተማሂረ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ኣስመራ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ኬንያ ክሳብ ማስተርስ ቀጺለ International relations and peace studies ብዝብል ዓውዲ ካብ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ ተመሪቐ።
ናይሮቢ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዓባይ ከተማ ኢያ።
ኣብ ናይሮቢ ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ኣዝዩ ዓቢይ ፍልልይ ኣሎ። ዝደለኽዎ ነገር ብቐሊሉ ክረክብ ይኽእል ምዃነይ ግን የሕጉሰኒ ኢዩ። ንኣብነት መጉዓዝያ፡ ኣገልግሎት ህክምና፡ ናይ መግቢ ኣስቤዛ ክንወስድ ይከኣል።
እቲ ዝፈተኽዎ መግቢ ናይ ኬንያውያን ማናጉ ኡጋሊ ዝበሃል ካብ ሓምልን ጋዓት ዕፉንን ዝዳሎ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዝዝዉተር መግቢ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, Andrea
ካብቲ ዝዓበኹሉ፡ ካብ ባህለይ ዝናፍቖ፡ ባህላዊ መግቢ ኩናማ፡ ትኩሻ ዝበሃል ኢዩ። ትኩሻ ሕዋስ ናይ መሸላን ብልቱግን ኮይኑ፡ ብመልክዕ ጋዓት ኢዩ ዝቕረብ።
ኩነታት ኣየር፡ ልምዕቲ ከተማ ብምዃናን ነዊሕ ናይ ዝናብ ወቕቲ ስለዘልዋን ናይሮቢ ኣዝያ ደስ ትብለኒ።
ኣብዚ ዓዲ ዘጓነፈኒ ዘገርም ነገር፡ ኬንያውያን ስራሕ ዘይንዕቑ ምዃኖም ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ማስተርስ ዲግሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ጽርጊያ ጋዜጣ ክሸይጥ ትርኢ፡ ኬንያውያን ስራሕ ኣይንዕቑን ኢዮም። ወላ ተዘይከኣልዎ፡ ክሰርሕ ኢየ ኢሉ ብድፍረት ይኣትውዎ።
ኣብዚ ዓዲ ክቕይሮ ተዝኽእል፡ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ዘሎ ፍልልይ መጽበብክዎ። ኣብ ገለ ቦታታት ክትከይድ ከሎካ ነቲ ኩነታቶም ብምርኣይ 'ናይ ብሓቂ ኣብ ናይሮቢ ድየ ዘለኹ?' ክሳብ ምባል ኢኻ ትበጽሕ። መንግስቲ'ውን ቁሊሕ ዝብሎም ኣይመስለካን።
ካልኣይ ከኣ ጉዳይ ብልሽዉና ኢዩ። ንዝኾነ ነገር ክተሳልጥ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ክትህብ ይሓቱኻ። እዘን ክልተ ነገራት ኣይምችኣንን ኢየን።

ምንጪ ስእሊ, SIMON MAINA
ኩነታት ኣየር ናይ ናይሮቢ ምስ ኣስመራ ኣዝዩ ኢዩ ዝመሳሰል፡ በዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ንኣስመራ የዘኻኽረኒ።
ሕጂ ናብ ሃገረይ ናይ ምምላስ ዕድል ተዝረክብ፡ ኣብ መሬት ኩናማ ከዕርፍ ደስ ምበለኒ። እቲ ባህሊ፡ መግቢ፡ ስድራቤት ኩሉ ይናፍቖ።
ኣብ ባህሊ ናይ ኩናማ ዝዓበየ ሰብ ነዚ ኢዩ ኣዝዩ ዝናፍቕ እቲ ስሓቕ ጸወታ ካብ ኣእምሮኡ ክሓስስ ኣይኽእልን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







