ደሃይ 38፡ " እንከይሓሰብክዎ ናብ ትምህርቲ ዓለም ናይ ምፅንባር ድሌተይ ኣሳኺዐ"

ምንጪ ስእሊ, HIWOT ESHETE
ህይወት እሸቴ እየ ዝበሃል። ሕዚ ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ እየ ዝነብር። ኣብ 2015 ኣቆፃቭራ ኣውⶂፓውያን እየ ናብ ኖርወይ መፂአ። ዝመፃእኹሉ ዕላማን ዝቐረኹሉ ምኽንያትን ግን ዘይራኸብ እዩ።
ስድራይ ክሓትትን መርዓ ተዓዲመን እየ ፈለማ ናብዚ መፂአ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ሓጎስ ሓልሓሊፉ ዘሕዝን ኣይጠፍእን እሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኹ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቢሮ ከምዝተዓፀወ ሰሚዐ።
ኩሉ ግዘ ግን ኣብ ኢትዮጵያ መመረቒ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ንምስራሕ ስለዝኸብድን ስራሕ ልምዲ ንምርካብ እውን ስለዘፀግምን፡ ማስተርሰይ ኣብ ካልእ ሃገር ክመሃር እምነ ነይረ።
እዚ ኣጋጣሚ ምስ ረኸብኩ ግና፡ ቀልጢፈ ዕድል ትምህርቲ ዝረኽበሉ ኣጋጣምታት ክደልይ ጀሚረ። ግና ዕድለኛ ግዲ ኮይነስ፡ እቲ ዝምነዮ ቀልጢፉ ቀኒዑኒ።
ኖርወይ ካብ ኢትዮጵያ ብምንታይ ትፍለ?
ኣብ ኦስሎ ምንባር ካብ ዝጅምር ሰለስተ ዓመት ይመልእ ኣለኹ። ናብዚ ካብ ዝመፅእ ጀሚረ፡ ኢትዮጵያን ኖርወይን ምንፅፃር ኣቋሪፀ ኣይፈልጥን። እዞም ዓዲ፡ መኽበርቲ ሕግን ስርዓት ዘለዎምን ምዃኖም ኩሉ ግዘ እዩ ዘስደምመኒ።
ብፍላይ ድማ፡ መጓዓዝያ ህዝቢ ኣውቶቡስ ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን፡ ብዘለዎም ፀጥታ እግረም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝለመድክዎ፡ ዓውታን ህውከትን ስለዝኾነ፡ ናይዚኦም ኩነታት ሓዲሹኒ ነይሩ።
ኣብ ፈለማታት ከውግዑ ከለዉ ብሰላሕታ ስለዝኾነ፡ ዶንግየ እየ የውግዑ ከምዘለዉ ዝርድአኒ።
ዝያዳ ዘግርመኒ ድማ፡ ኣብ መንገዲ እናተጓዓዙ፡ ዘጋጠመ እንተገጠሞም፡ ብትዕግስቲ ከሕልፉ እንተዘይኮይኖም፡ ፈፂሞም ድምፂ ጥሩንባ ኣየስምዑን።

ምንጪ ስእሊ, HIWOT ESHETE
ኖርወይ ብዙሕ ማያዊ ኣካላት ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ ብዙሕ ዓይነት ዓሳ እያ እተፍርይ። ካብ ኩሉ ዓይነት ዓሳ እንትበልዖ ዘሐጉሰኒ ግና፡ ሕብሪ ሮዝ ዘለዎ ዓይነት ዓሳ እዩ።
ዋላ እኳ ዋጋ ሳልመን ዓሳ ክባር እንተኾነ፡ ኣብ ኖርወይ ግና ደረጅኡ ዝሓለወ ጥራሕ ከይኮነስ ዋግኡ እውን ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ተመጣጣኒ እዩ።
ብፍላይ ድማ ብኤስያውያን 'ሱሺ' እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዓይነት ኣሰራርሓ ዓሳ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ። ገንዘብ እንተዝህልወኒ በብመዓልቱ ክበልዖ ዝደልዮ ዓይነት ምግቢ እዩ።
ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክሓስብን ክናፍቅን ዝገብሩኒ ብዙሓት ነገራት ዋላ እኳ እንተሃለዉ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝናፍቖ ነገር ግን እንጀራ እዩ። ብፍላይ ድማ ፍርፍር እንጀራ ኩሉ ግዘ እየ እናፍቕ።

ምንጪ ስእሊ, HIWOT ESHETE
መብዛሕትኡ ግዘ ነዊሕ መዓልቲ ድሕሪ ምሕላፈይ፡ ኣብ ገዛይ ኮይነ በመሽኮት እንትምልከት፡ ዕረፍትን ሓጎስን ዝህበኒ ዱር ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህንፃታት ተሸፊኑ፡ ዋላ እኳ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝረኣይ እንተዘይኮነ፡ ሕዚ እውን ግን ባህታ ዝፈጥረለይ ከባቢ እዩ።
ዊንተር ኣብ ዝብልዎ ቆራር ግዘ ግና፡ ክርእዮ ኣይኽእልን። ነዚ ኣብዚ ዘሎ ቁሪ ንምቕያር፡ ተፈጥርኣዊ ዓቕሚ እንተዝህልወኒ፡ ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላ ፀሓይ መምፃእኽዋ ነይረ።
ቁሪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብጣዕሚ ዝገርመኒ ድማ፡ እቲ ናይ ዛሕሊ እዋን ብጣዕሚ ምንውሑን ፀልማት ምዃኑን እዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እቲ 12 ሰዓታት ቀትሪ ክኸውን እንትግባእ፡ ኣብዚ ግና ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ጥራሕ እዩ ሰማይ ኖርወይ ብርህ ዝብል። ወጋሕታ ሰዓት 11 (5፡00) ቁሩብ ብርሃን ይረኣይ እሞ፡ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ (9፡00) እንትኸውን መሊሱ ይፅልምት።
ዋላ እኳ ከተማታት ኦስሎን ኣዲስ ኣበባን ዝፈላለያ እንተኾና፡ ሓለሓሊፈን ድማ ይመሳሰላኒ። ነይረ ነይረ፡ ዝኸደሉ ከባቢ ሓደ ከባቢ ኣሎ። ናብዚ ከባቢ እትወስድ መንገዲ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መገዲ ፒያሳ የዘክረኒ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኖርወይ ወርሒ መጋቢት እንትኣቱ፡ ዝበቁል ገልገለ መስቀል ኣሎ። እዚ ገልገለ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝቦቁል ገልገለ መስቀል ስለዘዘክረኒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለኹ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ምንጪ ስእሊ, HIWOT ESHETE
ንስዊድን ዋላ እንተፈተኽዋ፡ ከቢድ ግዘታት ኣሕሊፈላ እየ። ትምህርተይ ምስ ወዳእኹ፡ በዓል ገዛይ ናባይ ክመፅእ ዘቕረብክዎ ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ብዘይምርካቡ ፈታኒ ግዜ ኣሕሊፈ። ሓደሽቲ ሰብ ሓዳር ብምንባርና ከቢድ ግዘ ናፍቖት ነይሩ።
ዘይሓልፍ የለን፤ ሕዚ ምስ በዓል ገዛይ ብሓባር ኢና ንነብር። ሓደ ውላድ'ውን ኣፍሪና።
ዋላኳ ሕጉስ እንተኾንኩ ሃንደበት ንነብሰይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እንዳ ወለደይ እንተዝረኽባ ግን ሓጎሰይ ወሰን ኣይክህልዎን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







