ህወሓት፡ ሰለምንታይ ንፈለማ ጊዜ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ ጸዊዑ?

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ታሪኹ ፈላማይ ዝኾነ ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ፀዊዑ።
እቲ ጉባኤ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝካየድ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሎሚ ሓሙስ ንቢቢሲ ብፅሑፍ ገሊፁ'ሎ።
ጉባኤ ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ውድብ፡ ኣብ ጉዳይ ውህደት ናይቲ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ዝተለወጠ ኢህወዴግ ክውስን ትጽቢት ይግበረሉ።
ብዝፈላለዩ ብርክታት ኣመራርሓ እቲ ውድብ፤ ውህደት ከምዘይቕበል ዘፍለጠ ህወሓት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ዝተሳለጠ ህዝባዊ ጉባኤ ድማ፡ እቲ በቲ ውድብ ዝተወሰደ ቅዋም 'መትከላዊ' ክብል ኣድኒቑ፤ ንብልጽግና ፓርቲ ክንቀላሶ ኢና ክብል ደምዲሙ እዩ።
ንምንታይ ሕጹጽ ጉባኤ?
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ብልጽግና ፓርቲ፡ ነቲ ብመሪሕነት ህወሓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዝነበረ "ወያናይ [ሰውራዊ] ዲሞክራሲ" ተባሂሉ ዝግለጽ ፖለቲካዊ መስመር ብምግዳፍ፡ ብ'መደመር' ዝብል ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዶ/ር ኣብዪ ከም ዝተከኦ ኣነጺሩ'ዩ።
በዚ ዝተቖጠዐ ውድብ ሕወሓት ድማ፡ ኣካል ናይቲ ውህደት ኮነ፡ እቲ ካልኦት መሻርኽትን ኣጋርን ውድባት ምሉእ ብምሉእ ዝተጸምበረኦ ብልጽግና ፓርቲ (ፒፒ) ከም ዘይኸውን ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብ ኣካል፡ እቲ ንኹሎም ኣባላት ዝውክል ጉባኤ ምዃኑ መራሕቲ'ቲ ውድብ ገሊጾም ነይሮም።
ህወሓት ምስቲ ናብ ብልጽግና ዝተቐየረ ግንባር ኢህወዴግ ክወሃድ እንተኾይኑ፡ ከም ውድብ ክፈርስ ኣለዎ ማለት'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ውድብ ህላዌኡ ከኽትም ድልዉ ከም ዘይኮነ መራሕቱ የንጸባርቑ።
ክፈርስ ድዩ ክቕጽል ግን፡ ነቲ ህጹጽ ጉባኤ ኣባላት ናይቲ ውድብ ዝግደፍ ክኸውን'ዩ።
እንተኾነ፤ ውህደት ብዝምልከት ካብቲ እቲ ውድብ ሒዘዝዎ ዝፀንሐ ዝተፈለየ ቅዋም ምጽባይ ኣይከኣልን ይብሉ ዙሓት ተዓዘብቲ።
ማእኸላይ ኮሚተ ህወሓት፤ ኣብዚ 'ጉባኤ ጽንዓትን መኸተን' ብዝብል ካከየድ ዝተሓሳበ ጉባኤ እቲ ውድብ ንቕድሚት ዝኽተሎ ኣንፈት ቃልሲ ከምዝውስን ትማሊ ኣማሽዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እናሰፍሓ ዝሕድር ዘሎ ፍሕፍሕ

ምንጪ ስእሊ, EPRDF OFFICIAL
ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ብምዃን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፡ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጽልዋ እንናተዳኸመ መጺኡን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ተደሪቱ ይርከብ።
እንተኾነ፤ ዘውጸኦም መግለጺታትን ምስ ካልኦት ፌዴራላዊ ሓይልታትን ኮይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሳልጦም ዘሎ ገለ ዓበይቲ ዋዕላታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣታሓሳስባ ኣሃዳዊነት ተወሪሩ ዝብሎ ማእኸላይ መንግስቲ ፡ ስግኣት እናፈጠረሉ ይርከብ።
ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ዘካይዶም ርክባት ወጻኢ ብማእኸላይ መንግስቲ ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቻይና ዝመጽኡ ልኡኻት መንግስቲ ናብ መቐለ ከይኸዱ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ምኽልካሎም መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ እዩ።
ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ዝተውሃበ 'ንሕና ኣይከልከልናን' ዝብል ሓጺር መግለጺ ወጻኢ፤ ዛጊድ ድማ ግልጺ መብርሂ ኣይተውሃቦን።
ኢንትርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእኸላይ መንግስትን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ እዩ።
ዶክተር ኣብዪ፡ ካብ ህወሓት ዝተረከቦ ዓብላሊነት ተጠቒሙ፤ ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ኣምጺኡ ተባሂሉ ይነኣድ እዩ።
እንተኸነ፤ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን ክዓስል ፤ ከምኡ ድማ፡ ናይቲ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ናይ ሓሳብን ናይ ዓላማን ሓድነት ክሕለ ኣይገረበረን ተባሂሉ ብገለ ተዓዘብቲ ይንቀፍ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







