ንኣብዪ ኣሕመድ ዝበደሀ ኣርካን ሜድያ ጃዋር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, STRINGER
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ኢትዯጵያ ጉልሕ ስም ዘትረፈ ወዲ 34 ዓመት ኣዝዩ ጸላዊ ፖሎቲከኛ ጃዋር መሓመድ፡ ተሸላሚ ኖበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ምልኪ ክኣቱ ይኽእል'ዩ ክብል ግምቱ ገሊጹ ነይሩ።
ጃዋር፡ ኣብ ብሄራውነት ዝኣምን መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፈይስ ቡክ ኣስታት 2,000,000 ተኸተልቲ ኣለውዎ። ንሱ፡ ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተወለዐ ግጭትን ዕግርግርን፡ ብቕትለት ሓደ ፖሊስ ተጠርጢሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጉኒ ይርከብ።
ደገፍቱ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ተቐባልት እቲ ህቡብ ፖሎቲከኛ ከልምስ ዝገበሮ እምበር ጃዋር ኣብ ቅትለት እቲ ፖሊስ ኢድ ከምዘይብሉ ይገልጹ።
እዞም ኣብ ምጅማር እቲ ለውጢ መሻርኽቲ ዝነበሩ ተወለድቲ ብሄረ-ኦሮሞ ጃዋርን ኣቢይን፡ ኣብ ኣተኣላልያ መጻኢ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ተፈላልዮም።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ዓመት ብዓዘቕቲ ምልክን ዓሌታዊ ግጭትን ተሸሚማ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ናብ ደሞክራሲ ከሰጋግራ ተመባጺዑ።
ደገፍቲ ኣቢይ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጀመሮ ናይ ለውጥን ራእይን ጉዕዞ፡ ብዓሌታዊ ግጭትን ምትፍናን ንድሕሪት ከይጉተት ንምቁጽጻሩን ንምህድኡን ማእሰርቲ ጀዋር ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ።
ደገፍቲ ጀዋር ግን፡ ዶ/ር ኣቢይ፡ ነቲ ጃዋር ዘቕርቦ ኣማራጺ ሓሳብን ራእይን፡ ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራሊዝምን ርእሰ-ምሕደራን ክቕበል ድልየት ስለዘይብሉ እዩ ኣሲሩዎ ይብሉ።
'መጀመርታ ኣነ ኦሮሞ እየ"
ጃዋር፡ ኣብ 1986 ካብ ኣስላማይ ኣቦን ካብ ኦርቶክስ ክርስትያን ኣደን'ዩ ተወሊዱ። ንሱ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2013 ምስ ኣልጀዚራ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት'ዩ ዝንኡ ክዓቢ ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ስደት ዝነበረ ጃዋር፡ "ኣነ መጀመርያ ኦሮሞ እየ" ከምዝበለን እቲ ኢትዮጵያዊ ዝብል ስያመ ብላዕሊ ዝተዋህቦ ተጽዕኖ ምዃኑን ኣዊጁ።
እቲ ናቱ ርእይቶ ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ብምሒር ስሚዒት ዝፈትውዎን ዝነቕፍዎን ከም 'ፖሎቲካዊ ሱናሚ' ኮይኑ ከም ዝመጸ ክኢላ ስነ-ሕጊ ኣውሎ ኣሎ ይገልጽ።
እቲ ዘንቐሎ ክትዕ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ክመቓቐሎም ተራእዩ።
ጽኒሕ ኢሉ "ኣነ መጀመርያ ኦሮሞ እየ" ዝብል ሓሳብ ናብ ፖሎቲካዊ ጎስጓስ ተቐይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ጃዋር መደበሩ ኣብ ክፍለ ሃገር ሚኖሶታ ገይሩ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ክቃወሙን ሰባት ናጽነቶም ክረኽቡ ክድግፉን ኣብ መላእ ኣመሪካ ፖሎቲካዊ ገስጓሳት ጀሚሩ።

ኣብ 2013 ድማ ነቲ ፖሎቲካዊ ገስጓሳቱ ንምሕያል ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ዝብል መደበር ሳተላይት ቴሌቪዥን መስሪቱ።
ኣብ መመረቕታ እታ ቴሌቪዥን፡ "ሕጂ ንማዕበል ቴሌቪዥን ኦሮምያ ናጻ ኣውጺእናዮ። ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ድማ ንመሬትና ሓራ ክንውጽኦ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ወና ኣካያዲ እታ ቴሌቪዥን ኮይኑ ድማ፡ ንመደበር ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ መንእሰያት ሃለዋቶምን ስግኣቶምን ዝገልጽሉ ሓያል ማዕከን ዜና ቐይርዋ።
እቶም "ቄሮ" ማለት (ንዘይተመርዓው መንእሰያት) ዝተባህሉ ድማ ኣብ ለውጢ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ጀሚሮም።
እዛ ቄሮ እትብል ቃል፡ ኣብ 1990 ብግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ዝተጀመረት ኮይና፡ ንመንእሰያት ኣብቲ ቃልሲ ንምጽንባር ጎሰጓሳት ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እያ ኣፍልጦ ረኺባ።
ጃዋር ንባዓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ እትመሓደር ዝነበረት ንእሽቶ ከተማ ዱሙጋ'ዩ ተወሊዱ።
ንሱ፡ መብዛሕቱ እዋን፡ ኣብ "ቃልሲ ኦሮሞ እየ ተወሊደ" ክብል ከምዝዛረብን፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንከሎ ብዛዕባ ጭቆና ህዝቢ ኦሮሞ፡ ኣብ ትሕቲ ንግስነትን ወልቀ-መለኽትን ከምዝተማህረ ይገልጽ።
ንነዊሕ ዘመናት ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ዝበዝሐ ብሄር ኢትዮጵያ ክንሱ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ስርዓታት ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰላት ከምዝገለልዎም፡ ቋንቁኦምን ባህሎምን ከየዘውትሩ ተኣጊዶም ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ናይ መጀመርያ ስልጣን ዝሓዘ ተወላዲ ብሄረ ኦሮሞ እዩ።
ጃዋር በሊሕ ተምሃራይ ከምዝነበረን፡ ኣብ 2003 ስኮላርሽፕ ረኺቡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንሲንጋፖር ክማሃር ከይዱ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ናብ ኣመሪካ ከይዱ። ኣብ ኣመሪካ፡ ብፖሎቲካል ሳይንስ ካብ ሰታንድፎርድ ዩኒቨርሲቲ ብቀደማይ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ 2013 ከኣ ብመሰላት ደቂ-ሰባት ብማስተርስ ዲግሪ ካብ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ።
'ስትራተጂካዊ ጌጋ'
ጃዋር፡ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ነቶም ብቑልዕነቱ ዓሚቑ ኣኽብሮት ዝነበሮ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮም፡ ብሰንኪ ናይ ስልጣን ግጭትን ምክፍፋልን "ክጽገኑ ዘይክእሉ'' ብምባል ካብኦም ርሒቑ።
ግን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበረ ቃልሲ ንምሕያል፡ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ምጉስጓስ ዓዲ ኣይወዓለን።
ኣብ 2015፤ እቲ ምንቅስቓስ ብሓያል ናህሪ ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍን ጀሚሩ።
እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ፤ ነቲ ናይ ሽዑ ቀደማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ክውርድ ኣገዲድዎ።
ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቀንዲ ተካኢ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኮይኑ ምስ ተረቑሐ፡ ጃዋር፡ ንኣቢይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ምሃብ 'ስትራተጂካዊ ጌጋ" እዩ ክብለ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ እቲ ቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ሕጂ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ለማ መገርሳ ክወሃብ እዩ ድልየት ነይርዎ። እቲ ናይ ክልቲኦም ራእይ'ውን ተመሳሳሊ እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ሒዙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ጭቆና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንኸብቅዕ ንዘተኣታተዎ ለውጢ ከምኡ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ፈትሐ፡ እቲ ወዲ 34 ዓመት ጃዋር ምሉእ ደገፉ ሂብዎ ነይሩ።
ጃዋር ካብ ስደት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት-ጽሕፈት ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ ከፊቱ።

ምንጪ ስእሊ, OMN
ናይ ጃዋር ደገፍ ን ዶ/ር ኣቢይ ግን ብዙሕ ኣይጸንሐን። ጃዋር፡ ርእሰ-ምሕደራ ከም ቀንዲ ፖሎቲካዊ ምርግጋእን ምዕባለ ብሄራዊ ጉጅለታትን ገይሩ እዩ ዝርእዮ። እዚ ድማ ምስ ቀደማይ ሚኒስተር ኣብ ረጽሚ ኣእቲይዎ።
ደገፍቲ ጃዋር፡ ነዚ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተወስደ ማእሰርቲ፡ 'ኣቢይ ነቲ ዝቃለስሉ ተስፋታት ከምዝኸሓደ ዝያዳ ኣጉልሕዎ' ክብሉ ይዛረቡ።
ማእሰርቲ ጃዋር፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ፡ እሞ ድማ ብሰንኪ ፍርሒ ኮሮናቫይረስ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝተሰጋገረ ሃገራዊ ምርጫ ብምዃኑ ንቡዙሓት ኣቆጢዑ ይርከብ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመስረት ሰልፊ ብልጽግና ክወዳደር ውጥን ነይርዎ።
እታ ሰልፊ ካብ ሾመንተ ብሄራት ብዝተዋጽኡ ጉጅለታት ዝቖመት ኮይና 'ብሓንሳብ ንስራሕ' ዝብል ራእይ ሒዛ እያ እትነጥፍ።
ብኣንጻሩ፡ ጃዋር፡ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መደበር ቴሌቪዥን ኦሮሞ ብወለትንኡ ብምውራድ፡ ናብ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ተጸንቢሩ።
ኦሮሞ ፈደራሊስ ኮንግረስ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ሃገራዊ ሰልፊ ኦሮሞን ልፍንቲ መስሪቱ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ትጽቢት ነይርዎ።
እዚ ድማ ንዶ/ር ኣቢይ ኣብ ገዛእ ዓዱ ብዙሕ ስግኣት ኣሕዲሩሉ ከምዝነበረ ተንተንቲ ይዛረቡ።
እቲ ምርጫ ንዘይተወሰነ ግዜ ምስተሰጋገረ፡ ጃዋር፡ እቲ ገደብ ስልጣን ኣብ ዝመጽእ መስከረም ምስ ኣብቀዐ፡ ኣቢይ ኣሕመድ "ዘይሕጋዊ" ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
ሕጂ፡ ጃዋር ተዳጉኒ፡ ናቱ ሰልፍን ጠበቕኡን ከምኡ'ውን ስድሩኡን ክርእይዎ ፍቓድ ከም ዝተኸልኦምን፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዘጀመረን ሓቢሮም።
መጽሓፍ ኣቢይ ተቃጺሉ
ፖሊስ ብወገኖም፡ ንጃዋር ብቅትለት ኣባል ፖሊስ ኣብ ፍርዲ ከቕርብዎ መርመራታት የካይዱ ከምዘለው ሓቢሮም ኣለው።
እቶም ፖሊስ፡ ድሕሪ ቅትለት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ብዝተወለዐ ግጭት፡ ኣባሎም ብሓለውቲ ጃዋር ከምዝተቐትለ እዮም ዝኸሱ ዘለው።
ደገፍቲ ጃዋር ግን፡ እቲ ኣባል ፖሊስ፡ 'ጃዋር ክእሰር ኣለዎ፡ ኣይፋሉን ክእሰር የብሉን' ኣብ ዝብል ክርክር ኣብ መንጎ ፖሊስ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ከምዝተቐለ እዮም ዝሕብሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብ መዚ ጸጥታ ነቶም ብመንግስቲ ዝተዋህብዎ ሓለውቲ ክስሕብዎም ፈቲኖም ኢሉ ምስ ሓበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተወልዑ ናዕብታት 97 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብምሕባር ጃዋር በዚ ከምዝኽሰስ'ውን ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ ነቲ ብጃዋር ዝቐረበ ክሲ ከምዝነጸግዎን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ተቓውሞታት ድማ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝተጻሕፈ "መደመር" ዝብል መጽሓፍ ከንድዱ ተራእዮም።
ጃዋር'ውን እንተኾነ፡ ዝኾነ ምልዕዓል ከምዘይቀስቀሰ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ፈላልዩወን ዝጸንሐ ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ናይ ኖበል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዘሕፍር ኮይኑ ተራእዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፖሊስ ንቤት-ጽሕፈት ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ከምዝወረርዎ ይፍለጥ። እቲ መደበር ቴሌቪዥን ድማ ካብ ኣመሪካ መደባቱ ክፍኑ ተገዲዱ'ሎ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ተበግሶ ክቆጻጸሮ ድዩስ፡ ዋላስ ማእሰርቲ ጀዋር መሓመድ ንምንቅስቓስ መንእሰያት ቄሮ ኣስሚሩ ሓያል ተቓውሞ ክፈጥረሉ'ዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክንጸር'ዩ።
ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ መጻኢኦም ከብዶም ሓቚፎም ኣብ ከቢድ ስክፍታን ሻቕሎትን ይርከቡ ኣለው።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







