ብቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Family
ብቕትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይትን ክልተ ሰብኡትን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ፖሰስ ንተወሳኺ ምጽራይ 14 መዓልቲ ክወሃቦ ሓቲቱ።
ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ዝተኣሰሩ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን እውን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
ቤት ፍርዲ ንጉዳይ ጃዋር መሓመድ ንምርኣይ ን 9 ሓምለ፡ ጉዳይ በቀለ ገርባ ንምርኣይ ድማ ን 6 ሓምለ ቆጸራ ሂቡ።
ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝቐረበ ክሲ፡ ናዕቢ ኣለዓዒሎም ናይ ሰባት ህይወት ክጠፍእ ድማ ምኽንያት ኮይኖም ዝብል እዩ።
ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ናብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝፋነወሉ እዋን ኣብ ዝነበረ ውጥጥ፡ ሓደ ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ጃዋር መሓመድን ካልኦት 35 ሰባትን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ገሊጹ እዩ።
ኣይተ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ኣባላት ፓርቲ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኮይኖም፡ እቲ ፓርቲ ማእሰርቶም ከምዘሻቐሎ ገሊጹ እዩ።
ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ማእሰርቲ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት “ዘይፍትሓዊ” ከምኡ ድማ “ዘሻቕል” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ክፍትሑ ጸዊዑ እዩ።
ኣባላት ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ዝኾኑ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ብሰሉስ ንጉሆ ከምዝተኣሰሩ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ ኣብ ፈለማ ዝተኣሰርሉ ቦታ ኣይተገለጸን ነይሩ ኢሉ።
“ሕጂ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ሶስተኛ’ ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ቤተሰቦም መግብን መድሓኒትን ክወስዱሎም ተፈቒዱሎም እኳ እንተኾነ፡ ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ተገይሮም’ዶ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን” ኢሉ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ናይ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ወዱን ጓሉን እውን ተኣሲሮም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







