ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን ካልኦት 24 ሰባትን ክሲ ተመስሪቱ

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቶ ጃዋር መሐመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ ሃምዛ ኣደምን ካልኦት 24 ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝርከቡን ኣኽባሪ ሕጊ ክሲ ከምዝመስረተሎም ኣፍሊጡ።
ንብዓል ጃዋር ትማሊ ክሲ ክምስረቶም እኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ትማሊ ክሲ ከምዘይተመስረቶም ጠበቓ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ሎሚ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ፈዴራል ዝወጽአ መገለጺ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጥርጡራት ክሲ ከምዝተመስረተ ይሕብር።
በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቐለ ገርባን ከምኡ'ውን ኣቶ ሃምዛ ኣደምን ክሲ ክምስረቶም እንከሎ፡ ሓላፊ ኦኤሜን ዝነበረ ኣቶ ደጀኔ ጉተማ፣ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ዲፕሎማት ዝነበረ ዶክተር ብርሃነመስቀል ኣበበ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበር ኣቶ ጸጋየ ረጋሳን ዝርከብዎም ካልኦት 24 ኣብ ዘየለውሉ ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።
ላዕላዋይ ዓቃቢ ሕጊ እዚ ክሲ ተመስሪትልዎም ዘሎ ግለሰባትን ትካላትን "ኣብ 1996 ዝወጸአ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጸ 240 ብምጥሓስ ኣብ ሃይማኖትን ዓሌትን መሰረት ዝገበረ፡ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ንክልዓል ተሳትፎ ነይርዎም" ዝብል ዝርከቦ ክሲ ከምዝተመስረቶም ይሕብር።
እዞም ተኸሰስቲ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ገበናት ግብረሽበራ ንምክልካል ኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2012፣ ምጥፍፋእ ቴሌኮም ኣብ ዝምልከት ኣዋጀ 761/2004 ብምጥሓስ ከምኡ'ውን ምዝውዋር ወተሃደራዊ ብረት ኣዋጅ ቁጽሪ 1177/2012 ጥሒሶም'ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪብሎም ኣሎ።
ዓቓቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እዞም ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ እሱራት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ትማሊ ክሲ ዘቕርበሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብምንባሩ፡ ጠበቓ ኣቶ ጃዋር መሐመድ ዝኾነ ኣቶ ቱሊ ባይሳ፡ ዓማዊሉ ብናጻ ክፋነዉ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቤቱታ ከምዘቕረበ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







