ኦሮምያ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ገዛውቲ ዓንዮም ተባሂሉ

ዝዓነወ ንብረት

ምንጪ ስእሊ, -

ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተላዓለ ተቓውሞ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንበሪ ገዛውትን ኣብያተ ንግድን ዕንወት ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ መንግስቲ በቲ ተቓውሞ ጉድኣት ዝበጽሖም መንበሪ ገዛውቲ፣ ኣብያተ ንግድን መንግስታዊ ትካላትን ‘ዝተቓጸሉ፣ ዝተሰባበሩን ዝተሰረቑን’ ብዝብል መቓቒሉ የጽነዖም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሞት ናይቲ ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ምስ ተሰመዐ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ 523 መንበሪ ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን 499 ከምዝተሰባበሩን እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ 195 ሆቴላት ክቃጸሉ እንከለዉ ካልኦት 32 ሆቴላት ድማ መጠናዊ ዕንወት ከምዝበጽሖም እቲ ውሃቢ ቃል ኣብሪሁ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ብምስዓብ፡ 104 ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ከምዝተቓጸሉን ከምዝዓነውን'ውን ኣረዲኡ።

ከምኡ ድማ ሽድሽተ ንእሽቱ ፋብሪካታት በቲ ዝተልዓለ ዕግርግር ከምዝዓነዉ ፤ 232 ንእሽቱ ኣብያተ ንግዲ ከምዝተቓጸሉን፡ 219 ድማ ናይ ምስብባር ጉድኣት በጺሕዎም ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ተሽከርከርቲ ድማ ተመሳሳሊ ሓደጋ ምበጽሑ ብምሕባር፡ ብሓፈሻ 232 ናይ ውልቀሰባት፣ 12 ድማ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓጸላ ገሊጹ።

ንስርቂ ብዝምልከት ግን ገና ሓበሬታ ይእከብ ከምዘሎ እቲ ውሃቢ ቃል ሓቢሩ።

እቲ ዝበጽሓ ጉድኣት፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ሰለስተ ወረዳታት ከምዝኾነ ዝዛረብ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሻሸመኔ፣ ባቱ፣ ሮቤን ኣጋርፋን እቲ ጉድኣት ዝኸፍኣ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ህይወቶምን ንብረቶምን ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ናይ ሓደ ብሄር ተወለድቲ ወይ ከኣ ናይ ሓደ ሃይማኖት ሰዓብቲ ከምዘይኮኑ ድማ ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ። “እቲ ጉድኣት ኣብ ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን እዩ በጺሑ” ኢሉ።

በቲ ዕግርግር ንብረቶም ዝዓነዎም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት መሊሶም እግሪ ንክተኽሉ መንግስቲ እቲ ክልል ይሰርሕ ከምዘሎ ይዛረብ።

ምስቲ ዕግርግር ተኣሳሲሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ዛጊድ ብዝሖም 7123 ከምዝበጽሐን፡ ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕ ክሲ ከምዝተመስረተን’ውን ሓቢሩ።