ጃዋር መሐመድ፡ ቤት ፍርዲ ባንኪ ሒሳብ ጃዋር መሓመድ ከም ዘይኣገደ ገሊጹ

ጀዋር መሐመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል መጋብእያ ኣራዳ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ቖጸራ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸፈተ መዝገብ ቅድመ መርመራ ዝምልከት ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ሰሚዑ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቖጸራ ጥርጡራትን ዓቃቢ ሕግን ንዘልዓሉዎም ቅርታታት ዝምልከት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሓደ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ቅድሚ ሕጂ ሚዲያታት ካብ ፍቓድና ወጻኢ ስእሊ ይወስዱን ቪድዮ ይቐርጹን ኣለው ዝብል እዩ።

ነዚ ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ጥርጡራት ናጻ ኾይኖም ዝርኣይሉ መሰሎም ዝዳፋእ ስለ ዝኾነ፡ ሚዲያታት ካብ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ፍቓድ ከይሓተቱ ስእሊ ክስእሉ ኮነ ምስሊ ክቐርጹ ከም ዘይኽእሉ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

ብኻልእ ወገን ኣብቲ መጋብእያ ብብዝሒ ዝቐርቡ ዘለው ኣባላት ፖሊስ ፌደራል'ዮም፤ ስለዚ ኣባላት ስድራ ክኣትው ይፈቐደልና ዝብል ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ብብዝሒ ዝርከብሉ ዘለው ምኽንያት ንድሕነትን ሓለዋን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ካብ ኣርባዕተ ዘይበዝሑ ኣባላት ስድራ ጥርጡራት ክኣትው ክፍቀደሎም ኣዚዙ።

ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ኦኤምኤን መለሰ ድሪባ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ብቴሌፎን ምስ ስድርኡ ክራኸብ ከም ዘይኽኣለ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጋዜጠኛ ምስ ስድርኡ ክራኸበሉ ዝኽእል ኩነታት ክፈጥር ተወሳኺ ትዝዛዝ ሂቡ።

ካልእ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝወዓለ መጋብእያ ጠበቓታት ዘልዓልዎ ጉዳይ ቴሌፎን'ዩ።

እቶም ጠበቓታት፡ ዓቀብቲ ሕጊ ቴሌፎን ሒዞም ክኣትው እናተፈቐደሎም ንሕና ንኽልኸል ኣለና ዝብል ጥርዓን ዘቕረቡ ኮይኖም፡ ክልቲኤና ማዕረ ይፈቐደልና ወይ'ውን ማዕረ ክንክልከል ኣለና ኢሎም ተቓዊሞም።

እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ክልቲኦም ወገናት ቴሌፎን ሒዞም ክኣትው ከም ዘይኽእሉ ኣዚዙ።

ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን ድማ፡ ሲራጅ ዝብሃሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንብረቶም ክእገድ ተገይሩ ዝብል እዩ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ዝርከባ ወረዳታት ብምጥቃስ ከምኡ'ውን ኣብ ኣርሲ ዘለው ሰብ ሃብቲ፡ ብናይ ጃዋር ገንዘብ ኢኹም ትነግዱ ተባሂሎም ንብረቶም ከም ዝተኣገደን ይውሰድ ከም ዘሎን ብምግላጽ እዚ ተግባር ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ስድርኡ ኾነ ናይ ውልቂ ሒሳብ ባንኪ ከም ዝደስከለ ብምግላጽ፡ ፖሊስ መርመራ ስለ ዝወድአ እቲ ትእዛዝ ንክለዓል ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ባንኪ ሒሳብ ኣባላት ስድርኡ ኮነ ናይ ውልቁ ከም ዘይደስከለ ሓቢሩ፤ ዝኣገዶ ኣካል እንተሃልዩ ግን ክሓትት ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኑ፡ ብሚዲያታት ኣብ ልዕሌና ሓያል ጸለመ ይግበር ኣሎ ኢሉ።

"እዚ መንግስቲ ኣብ መረጻ ንከይንሳተፍ ወይ'ውን ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ መረጻ ንከይሳተፉ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ'ዩ" ዝብል ቅርታ ኣቕሪቡ።

"እዚ ብሚዲያታት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ህይወትናን ህይወት ስድራናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኣሎ። ስለዚ መንግስቲ ነዚ ጠጠው የብለልና" ኢሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ክትዕ ክልቲኡ ወገን ብምስማዕ፡ ዝተረፈ ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ንምቕባል ንጽባሕ ቖጸራ ሂቡ ኣሎ።