ናይ ጃዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባን ቤተሰቦምን ናይ ባንክ ሕሳብ ደስኪሉ ተባሂሉ

ናይ ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባ

ምንጪ ስእሊ, OMN, YADI PICTURES, BBC

ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባትን ናይ ቤተሰቦምን ናይ ባንኪ ሕሳብ ክድስክል ዝለዝተወሰነ፡ ኣባላት ስድርኦም ኣብ ጸገም ወዲቆም ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጠበቓ ክሱሳት ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ባንኪ ዝርከብ ሕሳብ እሱራት ከይንቀሳቐስ ዝተወሰኑሉ ኣገባብ መስርሕ ቤት ፍርድን ውሳነ ቤት ፍርዲን ዘይተኸተለ ምዃኑ ገሊጹ።

ካብቶም ኣብ ባንኪ ዝርከብ ሕሳቦም ዝደስከለ ሰባት፡ ናይ ጃዋር መሓመድን ቤተሰቡን፡ ናይ ኣቶ በቀለ ገርባን ቤተሰቡን ከምኡ’ውን ናይ ጋዜጤኛ መለሰ ዲሪብሳን ናይ ብዓልቲ ቤቴን ናይ ካልኦትን ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓፍቱ ንጃዋር መሓመድ፡ ራድያ ሲራጅ፡ ናታን ናይ ካልኦት ሓሙሽተ ኣሕዋታን ናይ ባንኪ ሕሳቦም ከምዝደስከለ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ራድያ ሲራጅ፡ “እቲ ንጥቀመሉ ዝነበርና ኣብ ባንኪ ኣዋሽን ኦሮምያን ኮይኑ ብሓፈሻ ናይ ሽዱሽቴና ሕሳብ ከይንቀሳቐስ ደስኪሉ ኣሎ፡ ንምንታይ እዩ ተዓጽዩ ኢልና ምስ ሓተትና፡ ንሕና ንፈልጦ ነገር የለን፡ ደዊሎም’ዮም ዕጸውዎ ኢሎሙና ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂብና” ኢላ።

ብተመሳሳሊ ብዓልቲ ቤቱ ንጋዜጤኛ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ መለሰ ዲሪብሳ ዝኾነት ታደለች መርጋ፡ ናታን ናይ ብዓል ቤታን ናይ ባንኪ ሕሳብ ከይንቀሳቐስ ከምዝደስከለ ንቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ታደለች፡ ትማሊ ክራይ ገዛ ክትከፍል ገንዘብ ከተውጽእ ኢላ ናብ ባንኪ ምስ ከደት ገንዘብ ከተውጽእ ከምዘይትኽእል ብሰረሕተኛታት እቲ ባንኪ ከምዝተሓበራ እያ እትጠቕስ።

“እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ኢለ ምስ ሓተትኩ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ባንኪ፡ ሕሳብኪ ደስኪሉ ኣሎ ኢሎሙኒ፡ ክገብሮ ዝኽእል ስለዘይነበረኒ ጥራይ ኢደይ ናብ ገዛይ ተመሊሰ” ድማ ትብል።

ታደለች፡ ናይ ብዓል ቤታ ሕሳብ’ውን ከምዝተዓጽወ ካብቲ ባንኪ ሓቲታ ክትፈለጥ ከምዝኸኣለት ጠቒሳ።

ኣብ ሒሳባ ውሑድ ገንዘብ ከምዘለዋ እትሕብር ታደለች፡ “ሰሪሐ ካብ ደሞዘይ ዘዋህለልክወን’ምብር ገንዘብ ድኣ ካበይ ከነምጽኦ?”ብምባል ተመሊሳ ትሓትት።

ነዚ ኣምለኪታ ንጠበቓ ከምዘዘራረበትን መኽፈሊ ክራይ ገዛ ስኢና ንሳን ደቃን ኣብ ጸገም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕሳብ ብዓልቲ ቤትን ደቂ በቀለ ገርባን’ውን ከምዝዓጸወ ብዓልቱ ቤቱ ንበቀለ ገርባ ወይዘሮ ሃና ረገሳ ብሰኑይ ሓቢራትና ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ሕሳብ ክሳብ ሕጂ ዕጹው ምህላዉ ሓቢራትና።

ጠበቓ ጃዋር መሓመድን ምስኡ ዝተኣስሩን ዝኾነ ኣቶ ቱሊ ባይሳ፡ ሕሳብ ናይ ጃዋር፡ ቤተሰቡን ናይ ካልኦት ዓማዊሉን ቤት ፍርዲ ክዕጾ ከምዘይወሰነ’ዩ ዝሕብር።

ንሱ፡ ናይ ባንኪ ሕሳብ ናይ ጋዜጤኛታት ኦኤምኤን፡ ናይ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ቤተሰቡን፡ ከምኡ’ውን ናይ ኣቶ በቀለ ገርባን ቤተሰቡን ከምዝዓጸወ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ቅድሚ ሕጂ ብመሰረት ሕጊ ጸረ ብልሽውና ዓቓቢ ሕጊ ሕሳብ ናይ ጥርጡራት ናይ ምዕጻው መዝነት ነይርዎ’ዩ፡ ሕጂ ግን ባንኪ ናይ ምዕጻው ሓላፍነት ናይ ቤት ፍረዲ ጥራይ እዩ” ብምባል “ሕሳብ ናይዞም ውልቀሰባት ብውሳነ ቤት ፍርዲ ተዓጽዩ እንተዝኸውን ኣነ ምሰማዕኩም ምፈለጥኩን” ይብል።

ኣቶ ቱሊ ባይሳ ምስ ምዕጻው ሕሳብ ናይ ባንኪ ዝተተሓሓዘ ዝተኸፈተ ፋይል ከምዘየለ ብምሕባር፡ ብፍላይ ናይ ኣቶ በቀለ ገርባ ሓቲቱ፡ ቤት ፍርዲ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ከምዝሓበሮ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ካብ ፖሊስን ካብ ዓቃቢ ሕግን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ክሰምረልና ኣይክኣልን።

ወወሃቢ ቃል ፈደራል ፖሊስ ጄይላን ኣብዲ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ከምዘይክእል ብምሕባር፡ ንውሃቢ ቃል ገበናዊ መርመራ ፖሊስ ፈደራል ክንውከስ’ዩ ሓቢሩና።

ውሃቢ ቃል ገበናዊ መርመራ ፖሊስ ፈደራል ኮማንደር ናደው ብወገኑ፡ ኣብ ዓመታዊ ዕርፈቲ ስለዘሎ ኣብዚ ጉዳይ ርእይትኡ ክህበና ከምዘይክእል ሓቢሩ።