ኣቶ ጃዋር ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና እዩ ዘሎ- ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ንኩነታት ጥዕና ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ፡፡
ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋርን ካልኦት ሸሞንት ተጠርጠርትን፡ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽር ከስምዕ'ኳ ቆጸራ እንትነበሮ፡ ኣቶ ጃዋር ሓሚመ እየ ብምባሉ እቲ ቆጸራ ከምዝተጏተተ ዝሓበረ መግለጺ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብመስርሕ እቲ ትካል ኣድላዪ ክትትልን ኣገልግሎት ጥዕና ይረክብ ከምዘሎ ብምግላጽ፟ ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ፟ ኢሉ፡፡
ፖሊስ ፌደራል ብወገኑ: እቲ ትማሊ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ሚድያ ኣቶ ጃዋር ከምዝሓመመ ክግለጽ ዝወዓለ ሓበሬታታት ሓሶት ከምዝኾነ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ብተወሳኺ ፟፡ ብስኑዕ ሓበሬታ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ንምዝባዕ ዝግበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ፟ ክብል ፖሊስ ፌደራል ገሊጹ፡፡
ኣቶ ጃዋር እቲ መሰኻኽር ናይ ምስማዕ ከይዲ ከይጅመር ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናልዓለ ከምዝተኸራኸረን፡ መሰኻኽር ክስምዑ ተወሲኑ ክንሱ መሰኻኽር ዝስምዕሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ድማ እትው ውጽእ ይብል ከምዝነበረን ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ፡፡
እቲ ተግባር ድማ ነቲ መስርሕ ምስክር ንምትዕንቓፍን ብተሓባበርቱ ኣቢሉ ህውከትን ዓመጽን ንምልዓል ዝገበሮ ከምዝኾነን ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ተሓባበርቲ ጃዋር መሓመድ ብዝተፈላለየ መገዲ ንመሰኻኽር እናፈራርሑ መስርሕ ፍርዲ ክተዓናቐፍ ከቢድ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ከምዝፈለጠ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ኣራዳ ዝቐረበ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ከም ዝሓመመ ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ መጋባእያ፡ ኣብ ልዕሊ ክሲ ዝተመስረቶም 14 ጥርጡራት፡ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕርቦ መሰኻኽርን ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘሕለፎም ትእዛዛትን ንምስማዕን መደብ ነይሩዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም 14 ጥርጡራት መርመራ ኮቪድ-19 ተገይሩሎም ውጽኢቶም ክፍለጥ ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ።
ትማሊ ውጽኢት ናይቶም ሓሙሽተ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ጌቱ ተረፈ፥ በሽር ሑሴን፣ ኬኔ ዱኔቻ፣ ሰቦቃ ኦልቀባ፣ ዳዊት ኣብደታ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዘረጋግጽ ካብ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ቀሪቡ።
ካብ ሞንጎ ሓለውቲ ጃዋር መሓመድ፡ ታምራት ሑሴን'ውን ብኮቪድ-19 ከም ዝተታሕዘ ፖሊስ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ውጽኢት መርመራ እቶም ዝተረፉ 9 ጥርጡራት ክቐርበሉ ከም ዝኣዘዘ ዘዘኻኸረ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ እዚ ውጽኢት ኣብ ዝመጽእ ግዜ ሒዙ ንክቐርብ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።
ኣቶ ጃዋር መሓመድ ብወገኑ "ብጣዕሚ ይሕመኒ ኣሎ፤ ኣብዚ ክጸንሕ ኣይኽእልን። ፖሊስ ልዕሊ 30 ደቓይቕ ኣይትጸንሕን ኢሎምኒ'የ መጺአ፤ እንተኽኢሉ ቤት ፍርዲ ሕጂ የሰናብተኒ [ናብ ቤት ማእሰርቲ]" ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ'ዩ።
ኣብቲ ትማሊ ዝውዓለ መጋብኣያ፡ ጃዋር መሓመድ ኮፍ ክብል ከም ዘይኽኣለን፡ ናብ ደገ ወጺኡ ዕረፍቲ ክገብርን ሓቲቱ እቲ መጋብኣያ ከምዘፍቀደሉ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ኣቶ ጃዋር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትርከብ በዓልቲ ቤቱን ወዱን "ብቪድዮ ከዛርቦም ስለ ዝደሊ ይፈቐደለይ፤ እቲ ወጻኢ ባዕለይ ክሽፍን'የ" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ'ዩ።
ብኻልእ ወገን እቲ ዝረኽቦ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብናይ ባዕሉ ሓኪም ክኾነሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ።
ካልእ ተኸሳሲ ኣቶ ሃምዛ አዳነ፡ (ሃምዛ ቦረና) ምልክታት ኮቪድ-19 ይረኣዮ ከም ዘሎን ብምግላጽ፡ ብተደጋጋሚ መርመራ ክግበረሉ ሓቲቱ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተመርመረ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ጸቅጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ሕክምና ንክረክብን መርመራ ኮሮናቫይረስ ንክግበረሉን ሓቲቱ።
ብልሙድ "3ኛ" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ኦኤምኤን መለሰ ድሪባ ብወገኑ፡ ካብ ካልኦት እሱራት ብዝተፈለየ ብቴሌፎን ምስ ቤተሰቡ ከይራኸብ ከም ዝተኸልአ ቅርትኡ ንቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ።
ኣባል ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ [ኦፌኮ] ኣቶ በቀለ ገርባ'ውን ኣብ ውሽጢ እቲ መዝገብ ክሲ ዘለው ካልኦት ጥርጡራት ሓሚሞም ክሶም ክከታተሉ ኣብ ዘይክእልሉ ኩነታት ከምኡ'ውን ኣቶ ጃዋር መሓመድ እናሓመመ እቲ መጋብኣያ ክከታተል ይጽገም ከም ዘሎ፣ ኣብቲ ዝተኣሰርሉ ቦታ ምስ ጠበቓታት ኣብ ዝራኸብሉ ቦታ ካሜራ ስለ ዝተገጠመ ምስ ጠበቕኦም ብሚስጢር ከውግዑ ከም ዘይኽኣሉ ብምግላጽ፡ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕርቦም መሰኻኽር ካልእ ግዜ ቖጸራ ክወሃቦምን ሓቲቱ።
ጠበቓታት እቶም ጥርጡራት'ውን፡ ንዓማዊሎም ንምርካብ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም'ዮም ተባሂልና ከይረኸብናዮም ተሪፍና ኢና፤ ከምኡ'ውን ብናይ ድሕነት ካሜራ ምስልናን ድምጽናን ይቕዳሕ ስለ ዘሎ ንክመሓየሽ ንፖሊስ እንተሓተትና'ውን ፖሊስ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣይተመሓየሸን ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ምስ ዓማዊሎም ብሚስጢር ከውግዕሉ ዝኽእል ቦታ ክመሓየሸሎም ወይ'ውን እቲ ካሜራ ክለግስ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም።
ብተወሳኺ፡ ምስ ዓማዊሎም ስለ ዘይተዛራረቡ ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ሓቲቶም።
ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ካሜራ ሓበሬታ ከም ዘይብሉን ከም ዘጻርዮን ብምግላጽ፡ ጥርጡራትን ጠበቓታቶምን መሰኻኽር ንክተኣጓጎሉን ተስፋ ንክቖርጹን ይገብሩ ስለ ዘለው፡ ቤት ፍርዲ'ውን ይጓተት ከም ዘሎ ብምግላጽ መሰኻኽር ቃሎም ክስማዕ ሓቲቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ ክትዕ ክልቲኡ ወገን ምስ ሰምዐ፡ እቶም ዝተረፉ 9 ጥርጡራት መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም፣ ከምኡ'ውን መምርሒ ሓለዋ ጥዕና ብመሰረት ዝእዝዞ ርሕቀቶም ሓልዮም ምስ ቤተሰቦም፣ ጠበቓታቶምን መራሕቲ ሃይማኖቶምን ክራኸቡ ትእዛዝ ሂቡ።
እዚ እንተዘይተፈጺሙ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ።
ኣቶ ጃዋር ኮነ ኣቶ ሃምዛ ቦረና ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ትእዛዝ ሂቡ። ኣቶ ጃዋር መሓመድ ንውላዱን በዓልቲ ቤቱን ንከዘራርብ እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ'ሎ።
ኣቶ ጃዋር መሓመድ ይሕሞ ከም ዘሎ ስለ ዝተዛረበ ብተደጋጋሚ እቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ብምቁራጽ ይወጽእ ስለ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽር ክሰምዕ ስዘለይከኣለ ንሓሙስ 14 ነሓሰ 2012 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቖጸሮ ሂቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







