ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ግህሰት መሰላት ዘጻርይ ጉጅለ ከምዘዋፈረ ገሊጹ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ግህሰት መሰላት ዘጻርን ዝስንድን ጉጅለ ሞያውያን ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።
ንቕትለት ስነጥበበኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተልዓለ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ፡ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።
በዚ መሰረት፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻርን ዝስንድን ጉጅለ ሞያውያን ከም ዘዋፈረን፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይቶም ብገበን ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ወይ ዝተኸሰሱ ሰባት ብዝምልከት ስልታዊ ምክትታል ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ዝገብሮ መርመራ ዓይነት ናይቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ መጠን፡ በደለኛታት ተሓተትቲ ምዃኖም ምርግጋጽ፡ በደል ዝበጽሖም ካሕሳ ዝረኽቡሉን ዳግም ዝጣየሱሉን፡ ከምኡ'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ደጊሙ ከየጋጥም ንምክልኻል ዘኽእሉ ስጉምትታት ንምውሳድ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ መንጎ እቶም ድሕሪ እቲ ዕግርግር ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋ ከምኡ’ውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ካልኦት እሱራት ዝርከቡሉ ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ከም ዝከታተሎ’ውን ኣፍሊጡ።
ብፍላይ ኣብ ኩነታት ማእሰርቲ እስክንድር ነጋ ክመሓየሽ ዝሃቦ ርእይቶ ተግባራዊ ከም ዝኾነን፡ ብዋሕስ ክስደዱ ዝግብኦም’ውን ክስደዱ ዘቕረቦ ሓሳብ ተግባራዊ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣቶ ስንታየው ቸኮልን ዝርከብዎም ሽዱሽተ እሱራት ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ፌደራል ፖሊስ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።
ወሲኹ’ውን፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጽርየቱ ዝተሓለወ፡ ተፈጥሮኣውን ናይ ኤለክትሪክን ብርሃን ዝረክብ፡ እቶም እሱራት ጥንቃቐ ብዝመልኦ መገዲ፡ ካብ ስድርኦም ዘድልይ ቀረባት ዝቕበሉሉን ዝረኣዩሉን፡ ብሓፈሻ ቅቡል ዝኾነ ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅሩብ ዛሕሊ ስለዘለዎ ነቲ ዛሕሊ ንምጉዳል ጻዕሪ ይግበር ምህላው ከም ዝተዓዘበ ኣፍሊጡ።
ካብቶም እሱራት፡ ምስ ስድራቤቶም ተቐራሪቦም ክረኣኣዩ ዘይምኽኣሎም፡ ዛሕሊ ናይቲ ክፍልታት፡ ጸሓይ ዝረኽቡሉ ሰዓት ምሕጻሩ፡ ከምኡ'ውን ምቁርራጽ ኤለክትሪክ ዝኣመሰሉ ቅሬታታት ከም ዝበጽሕዎ እቲ ኮምሽን ገሊጹ።
ነዚኦም ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ከም ዝተዘራረበን ኣፈጻጽምኡ ብቐረባ ከም ዝከታተልን ድማ ኣፍሊጡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







