ምሁራት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ናብ 'ኲናት ሕድሕድ' ከይተምርሕ ኣጠንቂቖም

ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ሙሁራት ትግራይ - 2018

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ሲቪል ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትን ቅትለት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ናብ ኲናት ሕድሕድ ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።

ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዯጵያ ዝፍጽሞ ዘሎ ዝበሎ "ጅምላዊ" ማእሰርትን ኣብ ገለ ክፋላት ኦሮሚያ ዝተረኣየ ምጥቃም ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ሰራዊትን እውን ደው ክብል፡ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝጽሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ ሓቢሩ።

ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ምምዝባል ንጹሃን ዜጋታትን ዕንወት ንብረትን ድማ ኮኒኑ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ንሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለማዊ ሕግታትን ይጥሕስ ከምዘሎ'ውን እቲ ማሕበር ይኸስስ።

መንግስቲ ፌደራል ግን፡ ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ዘይምርግጋእ ንካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ብስም ዘይጸርሖም 'ናይ ደገ ሓይልታት'ን እዩ ተሓተትቲ ዝገብር።

ፍትሒ ብዝምልከት

ንቕትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝኾነነ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ቅድም ክብል ዝተፈጸመ ቅትልት ኢታማዦር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶክተር ኣምባቸው መኮነነን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ዛጊድ ፍትሒ ክርከብ ዘይምኽኣሉ ጥርጣረ ዝፈጠረ ጉዳይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካ'ዚ "ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለዉ ቅትለት ኣመሓደርቲ ድማ ኩነታት ሰላምን ጸጥታን ዘይምህላዉ ዘመላኽቱ እዮም" ኢሉ።

ሰበስልጣን ፌደራል መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብዞም ቅትለታት ብኣግባቡ መርመራ ምክያድ፡ ጥርጣረታት ዝፈጥሩ ዝተቐነባበሩ መግለጺታት ምሃብ ከምዝመርጹ ሓቢሩ።

ኣርማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, GSTS

"መንግስቲ ፌደራል ምጽራይ ኣብ ዘይተገበረሉ ጉዳይ፡ ገበነኛ ዝበሎ ዕላዊ እናገበረ እዩ። እዚ ድማ ሰፊሕ ምጥርጣር ዝፈጠረን ህዝባዊ ተቐባልነት ዘይረኸበን ኮይኑ'ሎ" ኢሉ ደብዳበ እቲ ማሕበረሰብ።

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ስክፍታት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ዓሌታዊ ጸብጻባት

መንግስቲታዊ ማዕኸናት ዜና ዋልታ፣ ፋናን ካልኦትን ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ 'ዘረባ ጽልኣት ይዝርግሓን ኣለዋ" ዝበለ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ፡ ነዚ ተግባረን ከምዝኾንን ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ኢሳት ዝተብሃለ 'ብተደጋጋሚ ዓሌታዊ ምጽናት ክካየድ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ከሲሱ። እዚ ተግባር መራኸቢ ብዙሃን ድማ ምስቲ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ጎንጺ ክጓሃሃር ዝገበረ ጸብጻባት ሬድዮ [ኣርቲኤልኤም] ከምዝመሳሰል ገሊጹ።

"ተሞክሮ ሩዋንዳ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ጎስጓሳት ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዘዘኻኽርን መጠንቀቕታ ዝህብን እዩ" ኢሉ።

ኢሳት ናብ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ሚድያ ኾይኑ፤ ይቕሬታ ሓቲተሉ እየ እንተበለ'ኳ፡ ቅድም ሒደት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓሌት ዘነጻጸረ ጸብጻቡ ብሕጊ ክሕተት ሕቶ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ናይ ሓይሊ ስጉምቲ

ምስቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልልን እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ምትፍናን ተኣሳሲሩ፡ እቲ ወጥሪ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፤ ምስ መረጻ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ስጉምትታት ሓይሊ ከምዝወስድ ንዝህቦ መጠንቀቕታት ደው ክብሉ'ውን ሓቲቶም።

እዚ ኣብ ዘይኸውን ግን፡ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ' ኲናት ሕድሕድ' ክኣትወሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ከምዝህሉ ኣጠንቂቑ።

ስለዝኾነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ህብረት ኣውሮፓን፡

  • መንግስቲ ፌደራል ነቲ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ ክህብ ክገብሩ
  • ዓሌታዊ ምጽናት ክካየድ ዝጽውዓን ጽልኣታዊ ዘረባ ዝዝርግሓን መንግስታውን ዘይመንግስታውን መራኸቢ ብዙሃን ክኹንኑ
  • ሃገር ካብ ሓደጋ ኲናት ሓድሕድ ንምድሓን ብምዕላም መንግስቲ ፌደራል ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባትን ክልላዊ መንግስታትን ሃገራዊ መድረኽ ንኸዳለው ጸቕጢ ክካየድ
  • መንግስቲ ፌደራል ንኹሎም እሱራት ፖለቲካ፣ ጋዜጠኛታት፣ ዜጋታት ክፍትሑ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክምለስ፣ ናጽነት ሚድያ ክሕሎ ምግባርን ናይ መረጻ ፍኖተ ክርታ ክዳሎን ድፍኢት ክህሉ
  • ንጉዳይ ቅትለት ንጹሃን ዜጋታት፣ ሰበስልጣን፣ መጭወይቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲን ጥቕዓትን ዘጻርይ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝምራሕ ኣካል ክቐውም
  • መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝርከብ ቴሌቪዥን ኢሳትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሚድያታትን ኣብ ጉዳይ ጽልኣታዊ ዘረባን ዓሌታዊ ምጽናት ዝጽውዑ ትሕዝቶታትን ምጽራይ ክገብር ኣብቲ ቅሉዕ ደብዳበ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።