ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣሰረ ዝግለጽ ዘሎ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ

ምንጪ ስእሊ, Yassin Juma FB
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዕግርግር ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።
ሓደ ካብኣቶም ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ያሲን ጁማ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ጀዋር መሓመድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው ሓሙስ 2 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ፡ ምስ ዓርኩ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ኣብ እንዳ ጀዋር ከም ዘሎን እቲ ገዛ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ ከም ዘሎን ጽሒፉሉ ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ጋዜጠኛ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀዋር ከም ዝተታሕዘ ንምጽራይ፡ ቢቢሲ ኣብቲ ገዛ ንዝነብሩ ስድራ ኣቶ ጀዋር ተወኪሱ፡ ያሲን ካብቲ ገዛ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተወስደ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጃዋር፡ ፖሊስ መንበሪ ገዝኡ ንምፍታሽ ሒዘምዎ ኣብ ዝመጽኡሉ እዩ ያሲን ተታሒዙ። ኣባል እቲ ስድራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ያሲን ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ሒዞም ከይዶም" ኢሉ።
ስድራን መቕርብን ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣሰረ እኳ እንተሰምዑ፡ ናበይ ከም ዝተወሰደን፡ ኣበይ ከም ዘሎን ዝፈልጥዎ ከም ዘየሎ ይዛረቡ።
በዓልቲቤት ያሲን፡ ኣሻ መሓመድ፡ ከም ዝሓበረቶ ሰብኣያ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ተኣሲሩ ዝተባህለሉ መዓልቲ እያ ንመወዳእታ ግዜ ኣዘራሪባቶ፤ ናይ ምእሳሩ ዜና'ውን ካብ ፈነወ መደበር ቴለቪዥን 'ሲቲዘን' እያ ሰሚዓ።
ኣብቲ ዝተትሓዘዘሉ መዓልቲ፡ ብዋትስኣፕ መልእኽቲ ይለዋወጡ ከም ዝነበሩ ገሊጻ፤ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ጸጥታ ምስኡ ከም ዘለው ገሊጹ፡ ምድዋል ክተቋርጽ ከም ዝሓተታ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ንሳ፡ በዓልቤታ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተኣስረ ንምጽራይ ፈተነታት እኳ እንተኣካየደት ከም ዘይሰለጣ ትዛረብ።
"ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኢመይል ጽሒፈ ኔይረ። መልሲ ኣይረኸብኩን። ቴለፎን እንተደወልኩ'ውን እቲ መስመር ኣይሰርሕን እዩ። ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ እንተደለኹ'ውን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክኸይድ ከም ዘይኽእል ተሓቢረ" ኢላ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኬንያ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ከም ዝተኣሰረ ዝግለጽ ዘሎ ጋዜጠኛ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኬንያውያን ዝርዝር፡ ያሲን ጁማ ዝበሃል ኬንያዊ ከም ዘይረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ወሲኹ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደብዳበ ምጽሓፉ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ፌደራል ምህላው ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዘይሉ ብምሕባር፡ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ምዃኑ ተዛሪቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







