'ካብ ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ወጻኢ፡ ዝኾነ ንዓና ከምበርክኽ ከምዘይክእል ከነርኢ ኣለና' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር

ሎሚ ናይ ምሸት ንሰብመዚ ጸጥታ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ምስ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሆንዴሳ ተተሓሒዙ ክካየድ ዝቐነየ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት “ኣብ ትያትር ዝተሰርሐ ድራማ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ኩነታት “ምስ ምምላእ ግድብ ሕዳሰ ዝተኣሳሰረ ኣብ መስከረም 30 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ውዲት ኮይኑ፡ ስለዝፈሸለ” ናብቲ ከምዚ ዝበለ ዘይምርግጋእ ከምርሕ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቡ።

“ዳርጋ ኩሎም እቶም ዝተኮሱ ተታሒዞም’ዮም” ድሕሪ ምባል፡ እቶም ብድሕሪኦም ዘለዉ “ብናይ ወጻኢ ትኳቦ ዝንቀሳቐሱ፡ ኮለስቲ” እውን ክታሓዙ ኣለዎም ኢሉ። ሰብመዚ ጸጥታ ነቲ ኩነታት “ብቐሊሉ” ክቆጻጸርዎ ብምኽኣሎም’ውን ንኢዱ።

“እቶም ብስም ብሄር፡ ዘተኩሱ ዘለዉ ሓይልታት ድማ ብንጹር ተለልዮም ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም” ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ዝተባህሉ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን፡ እቶም “ኮለስቲ” ዝተባህሉ “ተለኣኣኽቲ” መን ምዃኖም ብስም ኣይጠቐሰን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ ኢድ ነይርዎም ዝተባህሉ ከም ብዓል ጀዋር መሓመድ ዝበሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ዝተሳተፈ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ምስቲ ናዕብታት ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 1200 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ወታሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ድሕሪ ሕጂ ሽምግልና ከም ዘይቅበልን ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

“ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ጽፍሪ ኣይንነቅልን፡ ሰብ ኣብ ጸልማት ኣይነእቱን ኢና። ብሕጊ ኢና ሕጊ ነኽብር።”

“ካብ ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ወጻኢ፡ ዝኾነ ንዓና ከምበርክኽ ከምዘይክእል ከነርኢ ኣለና”

“ኲናት ዘይፈልጡ ሰባት፡ ናይ ከተማ ኲናት ክምህሩና ክፍትኑ እንከለዉ፡ ናይ ከተማ ውግእ እንታይ ምዃኑ ከነሪኦም ኣለና” ኢሉ።

እታ ሃገር ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ?

ድሕሪ ሞት ውሩይ ደራፋይ ሃጫሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩን፡ ምስዚ ተታሒዙ ድማ ኣስታት 80 ከምዝሞቱ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ'ውን ምስቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ዕግርግር ተሳቲፎም እዮም ዝበሎም 270 ሰባት ከምዝኣሰረ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማታት ኣምቦን ኣዲስ ኣበባን ዝቐነያ ዕግርግር ሃዲኡ ህዝቢ ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ሪፖርተራት ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ትማሊ ንህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ናብ ስሩሕ ክምለስ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣገልግሎት ጀሚሩ፡ ኣብያተ ንግዲ ንተገልገልቲ መዓጹአን ኣርሕየን ኣለዋ፡ እንተኾነ እቲ ብርቱዕ ሓለዋ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ፕረስ ሰክሪታረያት ቢልለኔ ስዩም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት'ውን ኣብ ከምዚ እዋን ሰባት ንኢንተርኔት ዓሌታዊ ጽልእታት ንምጉህሃር ስለዝጥቀምሉ መንግስቲ ድሕነት ሃገር ንምውሓስ ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ኢንትርነት ከምዝተቋረጸ ገሊጻ'ላ።

ኣዲስ ኣበባን ኦሮማያን ናብ ንቡር ተመሊሰን ሕጂ ኩሉ ነገር ተረጋጊኡ ምህላዉ'ውን ገሊጻ።