ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ቀብሪ ሃጫሉ ከመይ ውዒላ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብምኽንያት ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ህዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ዝተራኣየን ከተማታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኣዲስ ኣበባ እያ።
ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሰኑይ ምሸት'ዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ምስተቐትለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ከተማ ሕንፍሽፍሸ እዩ ቀንዩ።
ነታጒ ምፍንጃር፣ ባርዕ፣ ምዕናው ንብረትን ስርቅን ከምዝነበረ ነበርቲ ይዛረቡ።
ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከቡ፣ የካን ኣባዶናኣያት ዝኣመሰሉ ከባቢታት፡ ካብ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ምሸት፡ ወጥሪ ነጊሱ ነይሩ።
ካብ ካልኦት ከባብታት ዝመጽኡ ዝበልዎም ሰባት፡ ኣባትርን ብረትን ሒዞም ኣብ ልዕሊ መካይን፣ ገዛውትን፣ ህንጻታትን ብፍላይ ብመስትያት ዝተሰርሑ ገዛውቲ ከፍርሱን ክሰባብሩን ከምዝራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ብፍላይ ካብ ሮቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ፡ እቲ ኩነታት እናገደደን ቁጽሪ እቶም መንእሰያኣት እናበዝሐ ከምዝኸደን እቶም ንፍርሒን ስግኣትን ዝተቓልዑ ነበርቲ ይዛረቡ።
ብፍላይ ሳሚትን 'ፍየል ቤትን' ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ዓብዪ ስግኣት ኣንጸላልዩ ከምዝነበረ ይዝረብ።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ከተማ ዕጡቓት ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተዋፈሩ ድማ ነበርቲ ይዛረቡ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ክፍለ ከተማታት ፈረንሳ፣ ስድስት ኪሎ፣ ፒያስን ኣብ ካልኦትን ድምጺ ተኹሲ ከምዝሰምዑ'ውን ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣብ 'ሃያ ሁለትን ኮተቤን ኣከባቢ' ድማ ትማሊ ተመሳሰሊ ረብሻ ከምዝነበረን ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጹ ከምዝወዓሉን ካልኦት ነበርቲ ይዛረቡ።
ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ፡ ኣርሒቕካ ምንቅስቓስ ኣይነበረን። እቲ ነባሪ ብፍርሕን ራዕድን ተወሺቡ ከምዝወዓለ እዮም ዝዛረቡ።
ኣያት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ድማ ዝተወሰኑ ሰባት መጺኦም ረብሻ ፈጢሮም ከምዝነበሩ እቶም ነበርቲ ጠቒሶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብፍላይ ትማሊ ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺ ጥይትን ተኹሲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነባሪ ራዕዲ ፈጢርሉ ከምዝርከብ እዮም ዝዛረቡ።
ሓሓሊፉ ካብ ዝረአዩ ታክሲታት ወጻኢ፡ መጓዓዝያ'ውን ከምዘየለ እዩ ዝዝረብ። ንግዳዊ ምንቅስቓስ ድማ የለን ተባሂሉ።
ካፌታት፡ ኣብያተ ምግብን፣ ምስተዓጸው እዮም። ኩሉ ገገዝኡ ዓጽዩ እዩ ዘሎ።
ሪፖርተራት ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባብታት፡ ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን ክንቀሳቐሱ ተዓዚቦም።
ወተሃደራት'ውን ኣብ መኻይን ኮይኖም ጸጥታ ንምውሓስ ክዘዋወሩ ተራእዮም።
ኣብታ ከተማ ብዝተወለዐ ናዕቢ ዓሰርተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብርክት ዝበለ ንብረት ድማ ከምዝዓነወ ፖሊስ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።
ዛጊት ብሰንኪ እቲ ናዕቢ 250 መካይን ክሰባበራ እንከለዋ 20 መካይን ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ተቓጺለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







