ፖሊስ ፌዴራል፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ውሽጢ መኪና ከምዝተቐትለ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Federa Police ETH
ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፡ እንደሻው ጣሰው፡ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ካብ መኪና ወሪዱ ምስተመልሰ፡ እቶም ጥርጡራት ናይ መኪና ማዕጾ ከፊቶም ከምዝቐተልዎ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽነር፡ በቲ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ከምዘለዉን፡ ክትትል ዝግበረሎም ካልኦት ድማ ከምዘለዉን ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቀጻሊ ምጽራይ ንምክያድ፡ ፖሊስ ፌዴራልን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለው'ውን ጠቒሱ።
ኣብ ሓፂር ጊዜ ንሕብረተሰብ ሓበሬታ ከምዝገልጹ'ውን እቲ ሓላፊ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።
"ኣፈጻጽማ እቲ ገበን ዝተራቐቐን፡ ትዕግስቲ ዝሓትትን እዩ" ዝበለ'ቲ ኮሚሽነር፡ በቲ ተግባር ዝተቖጥዑ መናእሰይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ናይ ንጹሃን ዜጋታት ንብረት የዕንው ኣለዉ ክብል ድማ ከሲሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



