ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከም መብጽዕኡ’ዶ ይኸይድ ኣሎ?

ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፈለማ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ‘ለውጢ ክፈጥር ዘንቀለ ዓራያይ’ ዝብል ስም እዩ ተዋሂብዎ። ናይ ብሓቂ’ውን፡ ኣብ’ቲ ፈለማ ብዙሕ ምምሕያሽ ከተኣታቱ ፈቲኑ።

ብፍላይ፡ ኣብ’ታ ሃገር ነዊሕ ንዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ መገዲ ከሰጋግሮ’ዶ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሃዋህው ‘ኣይኩናት ኣይ ሰላም’ ኣብቂዑ ሓድሽ ምዕራፍ ንክኽፈት ብዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ‘ኣገናዕ’ ኢሎምዎ።

ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል’ውን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም 2019 ክኸውን ክውስን እንከሎ፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ግምት ዘእተዎ ነገር፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ዕርቀ ሰላም እዩ።

ካብኡ ብተወሳኺ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዘተኣታተዎም ‘ዕርያታት’ (ሪፎርምስ) እውን እቲ ኮሚቴ ኣፍልጦ ሂብዎ እዩ።

“ኣብዪ ኣሕመድ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ፡ ንብዙሓት ዜጋታት ተስፋን ብሩህ መጻእን ዝህቡ ዕርያታት ጀሚሩ ኣሎ” ክብል ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ኣብ’ቲ እዋን ምስክርነቱ ሂቡ ነይሩ።

ካብቶም ብኮሚቴ ኖቤልን፡ ካልኦት ዓለምለኸ ተዓዘብትን ጽቡቕ ስም ዘውሃብዎ ዕርያታቱ ኸኣ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዘብቅዕ ምግባሩ፣ ንእሱራት ፖለቲካ ብምሕረት ምፍትሑ፣ ኣብ ልዕሊ ሚድያ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ፤ ዘይሕጋውያን ተባሂሎም ንዝነበሩ ውድባት ፖለቲካ ሕጋውያን ምግባሩ ከምኡ ድማ ናጻን ዴሞክራስያውን መረጻ ክገብር ምምጽብዑ/ምምብጽዑ እዮም።

እቲ ሕቶ ግን ‘ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከም መብጽዓኡ/መጽብዓኡ’ዶ ይኸይድ ኣሎ?’ ዝብል እዩ።

ናጽነት ሚድያ

ናጽነት ሚድያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2018፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ተዓጽዮም ዝነበሩ ልዕሊ 200 ዌብሳይታት ተኸፊቶም።

ኣብ ስደት ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሚድያታት’ውን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ተፈቒዱሎም። ብዙሓት፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝሓሸ ናጽነት ሚድያ ክሰፍን ከምዝኽእል ኣተስፍዮም።

ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ነዚ ተስፋ ሰኒቖም ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ ሚድያታት ሓደ፡ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን) እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈቱ ከፊቱ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጸብጻባት ከቕርብ ጀሚሩ።

እንተኾነ፡ ድሕሪ ቕትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኦኤምኤን ተዓጽዩ፡ ጋዜጠኛታቱ’ውን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብ ቤትጽሕፈት እቲ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተዉን ምጽራይ ንምግባር የድልየና እዩ ዝበልዎ ንብረት ናይቲ ሚድያ ከምዝወሰዱን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

መንግስቲግን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ ኦኤምኤን ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይነበረን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ድምጺ ወያነ’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ተፈቲሹ ከምዝተዓጽወ ተገሊጹ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ ካብ ትግራይ ዝፍነዋ ቴሌቪዥናት ድምጺ ወያነን ትግራይ ቴሌቪዥንን፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈነወአን ካብ ሳትላይት ብምቁራጹ ከሲሰን እየን።

ኣስራት ዝበሃል ካልእ መደብር ቴሌቪዥን’ውን ብመንግስቲ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እዞም ሚድያታት፡ ናይ ብሄር ጎንጺ ንክለዓልን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕግርግር ንክፍጠርን ከጓሃህሩ ጸኒሖም ክብል’ዩ ዝኸሶም።

ብ30 ሰነ መግለጺ ዘውጸአ፡ ንመሰላት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ ድማ፡ ሰብ መዚ ንጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ክፈትሑ ሓቲቱ እዩ።

“ስርሖም እናሰርሑ ንዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ፍትሕዎም” ክብል እቲ ዓለማዊ ትካል ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ።

ነናሻዕ ዝዕጾ ኢንተርኔት

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ምዕጻው ንቡር እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኳሕ’ እናኽብልን ጸገም ምስዘጋጥምን ተቐዳዲምካ ኢንተርኔት ምዕጻው ንቡር ኮይኑ’ሎ። ተቓውሞን ዕግርግርን ክለዓል ከሎ፡ ኢንተርኔት ምጥፋእ ልሙድ እዩ።

ኣብ ነሓሰ 2019፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ ምዕጻው ኢንተርኔት ክዛረብ እንከሎ “ኢንተርኔት ማይ ወይ ከኣ ኣየር ኣይኮነን” ብምባል፡ እንተደኣ ኣብ’ታ ሃገር ጸገማት ዘጋጥም ኮይኑ ኢንተርኔት ምዕጻው ከምዝቕጽል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 4 ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተዓጽዩ እዩ።

“ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መንቀሊ ኢንተርኔት ምዕጻው እናገደደ’ዩ መጺኡ” ይብል ኔትብሎክስ ዝተባህለ ንምኽልካልን ምዕጻውን ኢንተርኔት ዝቆጻጸር ገባሪ ሰናይ ትካል።

እቲ ዝኸፍአ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ምዕጻው ኢንተርኔት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ እዩ። መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ምስ ዕጡቓት ኦሮሞ ገና ይዋጋእ እዩ ዘሎ።

ኣብ’ዚ ከባቢታት ኸኣ፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ንሰለስተ ወርሒ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናዕቢ ምስ ኣጋጠመ፡ ካብ 30 ሰነ ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሰሙናት ተዓጽዩ እዩ።

ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት

ክልተ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፡ ኣባላት ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ተኣሲሮም ኣለው

ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነን ድሕሪኡን ዝተራእየ ናዕብታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ኣሲሩ ኣሎ።

ብ30 ሰነ፡ ክልተ ስሙያት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፡ ኣባላት ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ተኣሲሮም።

ኣብ'ቲ ፈለማ፡ ኣይተ በቀለ ገርባ ምስ ክልተ ደቁ ከምዝተኣሰረ’ውን ተገሊጹ እዩ።

ካልእ ፍሉጥ ፖለቲከኛ፡ ኣቦወንበር ሰልፊ ባልደራስ ንሓቃዊ ደሞክራሲ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋ እውን ኣብ ቀይዲ አእትዩ እዩ። ኣባላት ባልደራስ ዝኾኑ ኣቶ ስንታየሁ ቸኮልን ወይዘሮ ኣስቴር ስዩምን’ውን ተኣሲሮም ኣለው።

ጸኒሑ ድማ፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ከምኡ ድማ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኮሎኔል ገመቹ ኣያና ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ካልእ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ይልቃል ጌትነት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቃለ ማሕላ እናፈጸመ

ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቶ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበር ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተቐይዶም።

መንግስቲ፡ እቶም ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ’ታ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ክፈጥሩ ይሰርሑ ነይሮም ብዝብል እዩ ዝኸሶም።

ተዓዘብቲ ፖለቲካ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ተቓወምቲ ምዕፋንን ንምድኻምን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ምእሳር ናይዞም ፖለቲከኛታት ድማ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ኩነታት ከይሽማ ስግኣት ኣለዎም።

ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ንማእሰርቲ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን “ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ።

መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ዝብል ክስታት ክቐርበሉ እዚ ንመጀመርያ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሓሳባት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

“ናይ ተቓውሞ ነጠፍትን ደገፍትን ከምቲ ቀደም ብጅምላ ክእሰሩ ምጅማሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ” ክብል ኣምነስቲ ኣብ’ቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናዕቢ ግን፡ ፍሉጣጥ ፖለቲከኛታት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣስታት 7000 ሰባት እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝፈጸሙ እዩ ዝኸስስ

ምንጪ ስእሊ, AMNESTY/VICTOR NDULA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፤ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ንዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 29 ግንቦት ዝወጽአ ዓሚዩቕ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣቢይ ኣሕመድ’ውን ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝፈጸሙ እዩ ዝኸስስ።

እቲ ትካል ከምዝብሎ፤ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዝተቐበለሉ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን መደበኛ ዘይኮኑ ዕጡቓት ተሓባበርቶምን ቅትለት እውን ዘጠቓልል ብዙሕ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ፈጺሞም።

“ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፤ መንበሪ ኣባይቲ ኣቃጺሎም፣ ብዘይፍርዲ ቅትለት ፈጺሞም፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም፣ ገለ እዋናት ንምሉእ ስድራ ዝርከቦም ሰባት ብግፋ ኣሲሮም” እዩ ዝብል እቲ ጸብጻብ።

ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት መልሲ ዝሃበ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ'ውን ነቲ መገልጺ 'ሻራዊ' ክብል እዩ ነጺግዎ።

እቲ፡ ዓቓቢ ሕጊ ከምኡ እንተበለ’ኳ፡ እቲ ጸብጻብ ሙሉእ ንሙሉእ ሕሶት ከምዘይኮነ ግን ባዕሉ ኣብ መግለጺኡ ኣሚንሉ ኣሎ።

“ገለ ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቐሱግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኽፋል ሓቃውነት ኣለዎም” ኢሉ እዩ።

ምንዋሕ መረጻ

ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዪ ኣሕመድ ብዙሕ ድጋፍን ናእዳን ካብ ዝረኸበሎም መጽብዓታቱ እቲ ቀንዲ፡ ደሞክራስያውን ፍትሓውን መረጻ ንምክያድ ዛኣተዎ ቃል እዩ።

ብተደጋጋሚ “ከሳግረኩም እየ” እናበለ መብጽዓ ይኣቱ ብምንባሩ ድማ፡ ብዙሓት ልዑል ተስፋ ነይሩዎም።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቲ ኣብ’ዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ምስተናውሐ ግን፡ ብገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነዊሕ ርሕቐት ይኸይድ ኣሎ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።

ንምንዋሕ መረጻ ኣትሪሮም ካብ ዝነቕፉ ዘለዉ ውድባት ፖለቲካ፡ ሓደ ህወሓት ክኸውን ከሎ፡ ንኣብዪ ኣሕመድ “ናብ ውልቀ መላኽነት ተቐይሩ” እናበሉ’ውን ይኸስዎ።

ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንህወሓት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጢ ንድሕሪት ክመልስዎ እዮም ዝደልዩ ክብል’ዩ ዝወቕሶም።

በዚ በለ በቲ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ብባይቶ ኣቢሉ ስልጣኑ ኣናዊሑ ኣሎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብቂዑ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ኣብዪ ኣሕመድን ባይቶታት ናይ’ታ ሃገርን ዕምሪ ስልጣኖም ክናዋሕ እዩ ተወሲኑ።

ዋላ’ኳ እቲ ኸይዲ ብባይቶ እታ ሃገር ዝተወሰነ እንተኾነ፤ እቲ ባይቶ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ሰልፊ ዝዕብልሎ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ንድልየት ኣብዪ ኣሕመድ ዘንጸባረቐ እዩ ብዝብል ተቓወምቲ ይኸስስዎ ኣለዉ።

እቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ መስርሕ ድማ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘየሳተፈ እዩ ነይሩ ዝብል ክሲ’ውን ይቐርብ እዩ።

ኣብ ርእሲ ህወሓት፡ ኦፌኮን ኦነግን’ውን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ንምንዋሕ ዕምሪ ስልጣን ባይቶታት ተቓዊሞምዎ እዮም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዚ ውሳነ ተቓዊምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ውሳነ ነጺጉ ናይ ባዕሉ መረጻ ከካይድ ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ከካይድ ኣይኽእልን ብምባል ነቲ መረጻ ከካይድ ንዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ።

ድሕሪ’ዚ ድማ፤ ክልል ትግራይ ብኣዋጅ ናይ ባዕላ ኮሚሽን መረጻ ኣቑማ ኣባላት ሰይማ ስራሕ ጀሚራ ኣላ።

እንተኾነ፡ እዚ ከይዲ ገና ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ሕጋዊ ምስሕሓባት ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

እዚ ምዕባለ ድማ፡ ነቲ ቀዲሙ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝነበረ ምትፍናን ከጋድዶ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

ዘይተወደአ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን

ዘይተወደአ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ዕርቀ ሰላም ምስ ኣውረዱ፡ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብሩህ መጻኢኦም እናሐሰቡ፡ ነቲ ዕርቂ ብጽቡቕ መንፈስ ጸምቢሎምዎ።

ብፍላይ ድማ እቲ ዶባት ምስተኸፈተ፡ ንዕስራ ዓመታት ዝተበታተኹ ስድራታትን ‘ኣብ ኩናት ዝጸንሑ ኣሕዋትን’ ክተሓዋወሱ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

እንተኾነ፡ እቲ ዶባት ብዙሕ ከይጸንሐ ተመሊሱ ብምዕጻው፡ ሻቕሎት ዓሪጉ ኣሎ።

እናቐነየ ድማ፡ ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘሎ ምሕዝነት ጽቡቕ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ቀጺሉ እዩ ዘሎ።

ህዝቢ ድማ፡ መራሕቱ ናብ ውግእን ወረ ውግእን ከይመልስዎ ክሰግእ ጀሚሩ’ሎ። እዚ ድማ ነቲ ሰላም ምሉእ ከምዘይኸውን ገይሩዎ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ኣቢይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

እዚ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸገም ኮይኑዎ ኣሎ።

ኣብ ኦሮሚያ ገና ምስ ዕጡቓት ይዋጋእ ኣሎ። ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዕማም ካብ ዝመሓደር ጸኒሑ’ሎ።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ካብ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተቓውሞታት ይቐርብ ኣሎ።

ብወገን ሰሜን ከኣ፡ ምስ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሓያል ምትፍናን ኣትዩ'ሎ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምስሕሓብ ዓሪጉ፡ ናብ ኩናት ከየምርሕ ስግኣት ካብ ዝፍጠር ውዒሉ ሓዲሩ’ሎ።

ኣብ ማእከል ሃገር እውን ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ ቅርሕንቲ ተጓሃሂሩ ‘ናብ ኩናት ሕድሕድ ከየምርሕ’ ዝብል ስግኣታት እውን ኣሎ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣታት ናብ ዘይድለ መኣዝን ከይዓርግ ንከህድኦን ከዝሕሎን ልዑል ሓላፍነት ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር።