ኢትዮጵያ፡ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ደጀኔ ጣፋን

መርማሪ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኦሮሞ ኮንግረስ ፌደራሊስት [ኦፌኮ] ኣቶ በቀለ ገርባ ናይ መርመራ መዝገብ ከም ዝኸፈተ ኣፍሊጡ።
መርማሪ ፖሊስ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ተወሳኺ ናይ ሸሞንተ መዓልታት ቖጸራ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝተፈላለዩ መርመራ ክገብር ከም ዝጸንሐ ንመጋብኣያ ኣራዳ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከምኡ'ውን ኣብ ሻሸመኔ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ኣብ ዓውዲ መጓዓዝያ ጥራሕ 37 ሚሊዮን ብር ዝግመት ንብረት ከም ዝዐዓነወ ዘረጋግጸሉ ሰነድ ካብ ሚኒስቴር መጓዓዝያ ረኺበ እየ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ህይወት 32 ሰባት ከም ዝጠፍአ፣ 110 ሆቴላት፣ 239 መንበሪ ኣባይቲ፣ 56 ድኳናትን 82 ናይ ውልቀን መንግስትን ተሽከርከርቲ ከም ዝተቓጸሉን መርማሪ ፖሊስ ገሊጹ።
ብድሕሪ እዚ ናዕቢ ናይ ኣቶ በቀለ ገርባ ኢድ ከም ዘሎ ብምምልኻት፡ እዚ ናይ መርመራ መዝገብ ተዓጽዩ ዓቃቢ ሕጊ ዝኸፈቶ ቀዳሚ መዝገብ መርመራ ይቐጽል ክብል ሓቲቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ'ውን ነቲ መዝገብ መርመራ ከም ዝተኸፈተ ገሊጹ።
ጠበቓታት ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኖም፡ ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ተወሳኺ ናይ መርመራ ግዜ ይፈቐደለይ ብዝብል መስርሕ ፍርዲ ክጓተት ይገብር ስለ ዝነበረ፡ እዚ መዝገብ ከፊተ ኣለኹ ክብል ከሎ'ውን እቲ መስርሕ ፍርዲ ንምድንጓይ እዩ ኢሎም ተኻቲዖም።
ብተወሳኺ መርማሪ ፖሊስ፡ ኣስክሬን ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ገይሩ ከምኡ'ውን ናዕቢ ንክለዓል ናብ ሻሸመኔ ስልኪ ደዊሉ ንዝብል ክሲ ኣቶ በቀለ ገርባ ዘመላኽት ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ከም ዘይኣቕረበ ገሊጾም።
ኣቶ በቀለ ገርባ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ጉዳይ መሰል ዋሕስ ከም ዘይኽልክል ብምግላጽ 'ናይ ዋሕስ መሰለይ ይኸበር' ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።
"ኣነ ፖለቲከኛ እምበር ሰራዊት ዘዋፍር ሰብ ኣይኮንኩን" ብምባል'ውን ኣብቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ኢድ ከም ዘይብሉ ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ ንሕቶ ኣቶ በቀለ ገርባ መልሲ ንምሃብ ን30 ሓምለ 2012 ተለዋጢ ቐጸሮ ሂቡ።
ውዕሊ ቤት ፍርዲ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ
ጸሓፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ'ውን ብተመሳሳሊ ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ'ዩ።
መርማሪ ፖሊስ ግን መርመራ ብጽሑፍን ሰብን ከምኡ'ውን ኤሌክትሮኒክስ ዝኣከቦም መረዳእታታት ኣይወዳእኩን ስለ ዝበለ ን30 ሓምለ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቖጸሮ ተዋሂቡዎ።
ጠበቓ ኣቶ ደጀኔ ፍቓዱ ድማ ፖሊስ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ምኽንያት ብምሃብ መስርሒ ፍርዲ የጓትት ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ዝቐረበ ክሲ መሰል ዋሕስ ከም ዘይኽልክል ብምልዓል መሰል ዋሕስ ክኽበረሉ ሓቲቱ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ጠበቕኡ ኣቶ ደጀኔ ፍቓዱ ከም ዝተዛረበ ይዝከር።
ይኹን'ምበር ንሸሞንተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ምስ ጸንሐ ብ23 ሓምለ 2012 ተኣሲሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ከም ዝተገብረ ንቢቢሲ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







