ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስማቶም ተረቚሑ

ምንጪ ስእሊ, Family
ኣብ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃንጫሉ ሁንዴሳ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት መንነቶም ከም ዝተፈልጠ ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል፡ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ ኣፍሊጣ።
ክልተ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ እቲ ሳልሳይ ግን ይድለ ምህላዉን ወ/ሮ ኣዳነች ጠቒሳ።
ብድሕሪ እቶም ውልቀሰባት ብምዃን ኣብቲ ቅትለት ተራ ኣለዎ ዝበለቶ ጉጅለ ከምዘሎ’ውን ተዛሪባ።
እቶም ብስም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ሰባት፡ ጥላሁን ያሚ፣ ኣብዲ ኣለማየሁን ከበደ ገመቹ ዝተባህሉ እዮም።
ብወገኖም ይኹን ዝውክሎም ኣካል ግን ብዛዕባ’ቲ ክሲ ዝተዋህበ የለን።
ነቲ ስነጥበባዊ ጥይት ተኲሱ ዝቐተሎ ውልቀሰብ ጥላሁን ያሚ ዝተባህለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ብቐጥታ ኣብቲ ቅትለት ተሳተፍቲ እዮም ክትብል እታ ዓቃቢት ሕጊ ከሲሳ።
እታ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰለስቲኦም ውልቀሳባት፡ ካብ ሸኔ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኦሮሞ፡ ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ብዝተዋህቦም ተልእኾ መሰረት ነቲ ተግባር ፈጺሞም ኢላ።
እቲ ጉጅለ፡ መንግስቲ ተዳኺሙ፡ ክፈርስ ተቓሪቡ ኣሎ ኢሉ ብምእማንን ብምፍርራሕን ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ከምዘገደዶም ተኣሚኖም ክትብል'ውን ተዛሪባ።
ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ክትሓዙ እንከለዉ፡ እቲ ሳልሳይ ጥርጡር ዝኾነ ከበደ ገመቹ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተታሕዘን።
እቶም ጥርጡራት፡ ካብ ጉጅለ ሸኔ ነቲ ተልእኾ ክቕበሉ እንከለዉ፡ ዝርዝር ኣስማት ከምዘሎ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ዒላማ ናይቲ ተልእኾ ዝኾነ ሰብ ብንጹር ከምይዘይተነግሮም ሓቢሮም ኢላ።
ውሩይ ስነጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምቕታሉ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብውሕዱ 200 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ኣብ ምውዳብን ምውህሃድን ናይቲ ናዕቢ ኢድ ኣለዎ ክብሉ ብቐጥታ ክኸሱ ቀንዮም።
ህወሓት ንሃጫሉ ኣብ ምቕታል ይኹን፡ ናዕቢ ኣብ ምውዳብ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ እቲ ክሲ "ጻዕዳ ሓሶት'ዩ" ክብል ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነጺግዎ። መንግስቲ ናቱ ድኽመት ንምሽፋን ካልኦት ይኸስስ ኣሎ ክብል'ውን ወቒሱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







