ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣበይ ይቀበር ዝብል ምስሕሓብ ይፈጥር

ሃጫሉ

ምንጪ ስእሊ, MARSAALEE HAWAASAA

ስነ ስርዓት ቀብርን መሰነይታን ሬሳ አርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብታ ዝተቐተለላ ክፍጸም ኣለዎ ብዝብል ናብ ኣምቦ ዝውሰድ ዝነበረ ሬሳ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ተገይሩ ናይሩ። እቲ ሬሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመልሰ፡ ኣብ ከባቢ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ እዩ ዓሪፉ ጸኒሑ።

ሕዚ ድማ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ብሄሊኮፕተር፡ ናብ ጥቓ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ 'ሆሚቾ አሙኔሽን ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ' መሊሱ ክውሰድ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሽመልስ፡ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኦሮምያ ቀሪቡ፡ እቲ ሬሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ዝተገብረ ካብ ድሌት ስድራ እቲ ኣርቲስት ወጻኢ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ስደርኡ ብዝጠለብዎ መሰረት እዩ ሕዚ ናብ ኣምቦ ክምለስ ዝተገብረ። ውሳነ እቲ መንግስቲ ድሌት ስድራ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ግን፡ ካብ ሳልሳይ ወገን ወይካኣ ካብ ኣባላት ስድራ እቲ ኣርቲስት ኣይተረጋገጸን።

እቲ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ እቲ ኣርቲስት ምስ ቤተ ሰብ ተማኺሩ ከምዛሳልጥ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ድምጽታት ተቓውሞ

ስሙይ ተወላዲ ኦሮሞ፡ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ትማሊ ለይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ሓያሎ ተቓውሞታት ተወሊዖም።

ምንጭታት ሆስፒታል ኣዳም ንኤ-ኤፍ-ፒ ከምዘረጋገጽዎ፡ ብርክት ዝበሉ ብጥይት ዝተቐትሉ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ እንትኸውን፡ ዛጊድ ሰለስተ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ጭሮ ካብቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ክልተ ብጥይት ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ህንጻታት ከምዝተቓጸሉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ብዝዛመድ፡ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ስቱድዮ ኔትወርክ ሚዲያ ኦሮሚያ (ኦኤምኤን) ጥሒሱ ብምእታው፡ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ፡ እቲ ትካል ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ገሊጹ።

ቅትለት ናይቲ ኣርቲስት ምስተሰምዐ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኦሮምያ ናዕቢ ዝተወለዐ ኾይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ተዓጽዩ ውዒሉ'ሎ።

ሓያል ተቓውሞ ካብ ዝተራእየለን ከተማታት ሓንቲ ኣዳማ ኾይና፡ ኣብ ገለ ህንጻታት ጉድኣት ከምዝበጽሐ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ድምጺ ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት፡ ናብ መደበር ኦ-ቢ-ኤን እንተምርሑ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተበተኑን ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለን ተገሊጹ።

ኣብ ትውልዲ ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከተማ ጅማ፡ ድማ ሓያል ተቓውሞ ይስማዕ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።