ቅልውላው ትግራይ፡ "ንኣኮይ ኣብ ሱዳን ስደተኛ ዝገበረ ኲናት ትግራይ"

ምንጪ ስእሊ, Rex Features
እቲ ምስ ካልኦት ኣሽሓት ናብ ሱዳን ተሰዲዱ ዘሎ ኣኮይ፡ ነጋዳይን ወናኒ ሰፊሕ ቦታ ሕርሻን እዩ። ካብ ትግራይ፡ ብእግሩን ጀልባን ክሃድም እንከሎ ጫምኡ ስለዝሞሎቖ ጥራሕ እግሩ እዩ ንሱዳን ኣትዩ።
ኲናት ክውላዕ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን። ስለዝኾነ ድማ ከምቲ ዓመታዊ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ዝገብሮ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብ ዓድዋ ገዲፉ ምህርቲ ሰሊጥን መሻላን ክእክብ ናብ ሕርሽኡ ንሑመራ ከይዱ። ምህርቲ ዘራእቱ ኣኪቡ ኣብ ዕዳጋታት ትግራይን ሱዳንን የቕርብ።
ግዳይ ኲናት ዝኾነት ማእኸል ኢንቨስትመንት
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝርከብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም "ቀይሕ መስመር ረጊጹ" ዝበሎ ውድብ ህወሓት ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ስልጣን ንምእላይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣዚዙ።
እቲ ወጥሪ ብዝያዳ ዝተኻረረሉ እዋን ከኣ ፌደራላዊ መንግስቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ክናዋሕ ምስወሰነን ነዚ ዘይተቐበለት ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረም [ጳጉሜን ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ክልላዊ መረጻ ምስኣካየደት'ዩ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ እቲ መረጻ ሕጋውነትን ቅቡልነትን ከምዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ክልላዊ መረጻ ክኹንኖ ከሎ፤ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝወሃቡ መግለጺታት ድማ እቲ ሕጋዊ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ቅቡልነት ከምዘይህልዎ ይሕብሩ ነይሮም።
እቲ ብኣጽዋር ዝተሓገዘ ጎንጺ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ካብ ዝጅመር ሰሙን ኣብ ዝመልኦ ብኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምሊሻታትን ክልል ኣምሓራ ዝተሓገዙ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሑመራ ተቖጻጺሮም።
ሑመራ ኣስታት 30 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብረላ ዝግመት ኮይኑ፡ ሓንቲ ካብ ኮሪደራት ኢንቨስትመንት'ያ። ብፍላይ ከም ሰሊጥን ምሸላን ዝበሉ ፍርያት ሕርሻ ሑመራ ናብ ኣሜርካን ቻይናን ዝርከብአን ሃገራት'ዮም ዝልእኹ።
እቲ ጎንጺ ኣብዚ ዓመት ከጋጥም ዝተጸበዮ ኣይነበረን። ኣኮይ ከምዝነገረኒ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘራእቲ ነዲዶም'ዮም። እቲ ናቱ ሕርሻ ነዲዱ'ዶ ኣይነደደን ዝብል ግን ዝፈልጦ ነገር የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣኮይ ብጸልማት ናብ ሱዳን"
እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዓሌታዊ ጎንጺ ክጓሃሃር ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ንትግራይ ኣብ ቁጽጽር ንምእታው ብዝተኻየደ ኲናት ድማ ብዙሓት ሲቪል ተጋሩን ኣምሓሩን ተቐቲሎም። ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሓይሊታት ግን ንሲቪል ዜጋታት ዒላማ ከምዘይገበሩ ይገልጹ።
ኣኮይ ትግራዋይ እዩ፤ ብተጋሩ ዝውነን ንብረት ዝውረረሉን ተጋሩ ዝቕተሉሉን ኩነታት ብስፍሓት ከምዘሎ ይዛረብ። እቶም ንዓመታት ምስኦም ዝሰርሑን ዝነብሩን ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ሸቃሎ፡ ነቶም ናብ ሑመራ ዝኣተዉ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ተጋሩ ኣበይ ከምዝርከቡ ክሕብርዎም እንከለዉ ምስረኣየ ህይወቱ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምውዳቓ ተገንዚቡ።
ኣኮይ ካብ ኣንፈት ኤርትራ ከበድቲ ኣጽዋር ይትኮስ ምንባሩ ይዛረብ። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ወፍሪ ኤርትራ ኢዳ ከምዘይሓወሰት'ዮም ዝገልጹ።
እቲ ንህይወቱ ዝሰግአ ኣኮይ ብለይቲ እዩ ካብ ሑመራ ወጺኡ። ናብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ዝበጽሕ ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዘ ብእግሩ ተጓዒዙ። ኣብኡ ምስበጽሓ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጋሩ ረኺቡ። ናብ ሱዳን ንምስጋር ከኣ ናብተን ጀላቡ እናዘለሉ ደይቦም።
ንሱ ናብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ማእኸል ስደተኛታት ምስ በጽሐ ዕረፍቲ ከምዝረኸበ ይገልጽ። እንተኾነ እቶም ንመጽለሊ ዝተዳለዉ ዳሳት ዝተጨናነቑ ብምዃኖም ኣብ ደገ ክድቅስ ተገዲዱ'ሎ።
ብናይ ሱዳን ስልኪ ደዊሉ እዩ ረኺቡኒ። ናይ ዝኾነ ሰብ ሞባይል ከምዝተጠቐመ ድማ ገሊጹለይ። ካብ ኢትዮጵያ ዘምጽኦ መስመር ስልኪ ኣብቲ ማእኸል ስደተኛታት ኣይሰርሕን።
ብድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝገበርናዮ ዕላል ተራኺብና ኣይንፈልጥን። ኣነ'ውን ክረኽቦ እንተፈተንኩ ኣይከኣልኩን። ኣብ ምሉእ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ብምቁራጹ ድማ በዓልቲ ገዝኡን ክልተ ደቁን ንሱዳን ከምዝተሰደ ኣይፈለጡን።
'መጥቃዕቲ ኣየር ንስድራይ ኣፈናቒሉ'
ወተሃደራት ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ትግራይ ንዝኾነት መቐለ ቅድሚ ምሓዞም ካብ ሞንጎ ዝተቖጻጸርወን ከተማታት ትግራይ ዓድዋ ሓንቲ እያ። ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ናይ ኣኮይ ስድራ ካብታ ከተማ ብዛዕባ ምውጽኦም ዝፈልጦ ነገር የለን።
ልክዕ ከምቲ ካልኦት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኣሽሓት ተጋሩ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስድርኦም ደሃይ ዘይብሎም ኣነ'ውን ኣብ መቐለ ዝነብሩ ወለደይ ምስ ደቆም ካብቲ ብቐዳም 16 ሕዳር ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ከበድቲ ኣጽዋርን ተሪፎም'ዶ ዝብል ዝፈልጦ ነገር የብለይን።
ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፈራል (መወከሲ) ሆስፒታል ዓይደር ብብዝሒ ቁሱላት መሊኡ ኣሎ። ንኣስከሬን መዕሸጊ ዝኸውን ናይ ፕላስቲክ ሻንጣ'ውን ሕጽረት ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብወገን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተወሃበ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብውሑድ 19 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 30 ከምዝቖሰሉን የመልክት። ቀዳማይ ሚስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ሰራዊቱ ዋላ ሓደ ሲቪል ከምዘይሞተ'ዩ ዝገልጽ።
ምስ ስድራይ ንመወዳእታ ጊዜ ዝተራኸብኩሉ ኣጋጣሚ ብዝኾነ ሰብ ኣቢለ ነይሩ። ንሱ'ውን ብ16 ሕዳር [07 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዩነርሲቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን እዩ።
"ኣብ ህይወተይ እቲ ዝሓሰመ እዋን"
ወለደይ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ጥቓ እቲ ብነፋሪት ዝተደብደበ ዩኒቨርሲቲ ስለዝነብሩ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ክኸዱ ከምዝተገደዱ እቲ ደሃዮም ዝሕበረኒ ሰብ ነጊሩኒ'ዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ መቐለ ክረክብ ኣይከኣልኩን። እዚ ድማ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝሓሰመ እዋን ኮይኑ'ሎ። ኣብ ዘለኹሉ ኮይነ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተሃለወ ንድሕነት ስድራይን ካልኦትን ጸሎት ምግባር ጥራይ እዩ።
ነገራት ዝተቐያየሩ ይመስሉ፤ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ እቲ ንሰሙናት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብድሕሪ ንመቐለ ምቁጽጻር ከምዝተዛዘመ ገሊጹ'ሎ።
እንተኾነ ሎሚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝቕጽለ ውግኣትን መጥቃዕቲ ነፈርትን ከምዘለዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።
እዚ ሕሱም ኩነታት መዓስ ከምዘብቅዕ፤ ቁስልታት መዓዝ ክፍወስ ከምዝጅምር፤ ቤተሰብ ምስ ኣባለት ስድርኦም መዓዝ ከምዝራኸቡ፤ ብዛዕባ ብሞት ዝተፈለይዎም ፈሊጦም ዝቐብጹሉ፤ ኣብያተ ትምህርቲ መዓዝ ከምዝኽፈታ፤ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ስልክን ማይን መዓዝ ከምዝምለስ፤ ሕርሻን ንግድን መዓዝ ከምዝቕጽል፤ ህይወት መዓዝ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ግን ዝፍለጥ ኣይኮነን።
ኣብዚ ዛንታ ናይ ዝተጠቐሱ ኣካላት ስም ንድሕንነቶም ብዝብል ኣይተጠቐሰን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







