ባይቶ ኣመሪካ ብዛዕባ 'ኲናት ትግራይ' ዝምልከቱ መርተዖታት ክሰምዕ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, UHNCR
ባይቶ ኣመሪካ ሎሚ፡ 3 ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ትግራይ ክካየድ ብዛዕባ ዝቐነየ ኲናት ዝምልከቱ መርትዖታት ክሰምዕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን፡ ክካየድ ዝቐነየ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም መቐለ ምስተታሕዘት ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ኣብ ጥቓ መቐለ ይዋግኡ ምህላዎምን ንጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ድማ መሊሶም ከምዝሓዝዋን ይገልጹ።
ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ: ነቲ ዛዕባ ዝመርሖ ኮይኑ፤ ክልተ ኢትዮጵያውያን ሞያዊ ሓበሬታ ከቕርቡ እዮም።
ንሳቶም ድማ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፍሪዶም ሃውስ፡ ዮሴፍ ሙሉጌታ ባድዋዛን ዋና ኣሰናዳኢት መጽሄት ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማን ምዃኖም፡ ካብቲ ኮንግረስ ዝወጽአ ደብዳበ የመልክት።
እቲ ኮንግረስ ከከምኣድላይነቱ ኣቕረብቲ መርትዖ ክውስኽ ከምዝኽእል'ኳ እንተገለጸ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ቀዳምነት ዘይምሃቡ ይንቀፍ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ 'እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ዝርርብ ክጅመርን' ብዝብል ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ምዝርራቡ ዝሕብር መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ነቐፌታ- ማሕበር ምሁራት ተጋሩ
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ፡ እቲ ኮንግረስ ነቲ ጉዳይ ኣጀንዳ ገይሩ ክዘራረበሉ ምውሳኑ ኣድኒቑ፡ እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ዝፈልጥ ሰብ ዘይምዕዳሙ ነቒፉ።
እቲ ማሕበረሰብ፡ "ካብ እቲ ጉዳይ ብቐዳምነት ዝምልከቶም ተወለድቲ ትግራይ መረዳእታ ክቐርብ ዘይተደለየሉ ኩነታት እንታይ እዩ?" ክብል ድማ ይሓትት ኣሎ።
እቲ ማሕበር፡ ብፍላይ ኣብ ድሕረ-ባይታ ገለ ካብቶም ኣቕረብቲ ድማ ቅረተኦም ንኮንግረስ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ'ቲ ደብዳበ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብቲ ክልል 'ኣብ ጸልማት' ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ግፍዒ ድማ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
መስመራት መራኸቢታት፡ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካብን ናብን እቲ ክልል ዝገበር መጓዓዝያን ተቛሪጹ ብምህላዉ ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ይኹን ሓፈሻዊ ኩነታት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
ዓለማዊ ትካላት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሓገዛትን፡ መንግስቲ መንገድታት መራኸቢ ብቕልጡፍ ክኽፈቱን ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሕን ይምሕጸኑ ኣለዉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባኡ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ፀኒሖም።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንፂ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ መረፃ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረፃ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረፃ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም መረፃ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ መረፃ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላፅ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነፂጎምዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







