ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸራ ገሊጹ

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸራ ይግለጽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ፈይስ ቡክ ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸራ ሓቢሩ። ኤታ ማጆር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ እውን ከተማ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ገሊጹ።

ዶር ኣቢይ "ሰላማውያን ሰባት ከይተተንከፉን ከተማታትናን ቅርስታትናን ከይተሃስዩ" ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራል ከምዝኣተወት ብምሕባር ኣብ ኵናት ንዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ብቕልጡፍ ብምጽጋን ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ከምዝውዕል ቃል ይኣቱ ኢሉ።

ንምትሓዝ መቐለ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ብምህላው ዝኾነ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ደብዳብ ክንደይ ሰባት ተጎዲኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣይተፈልጠን። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ግን ሰላማውያን ሰባት ከይተተንከፉን ቅርስታት ከይተጎድአን ከተማታት ትግራይ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓላ ሓቢሩ።

ሎሚ ኣብ ቀትሪ ከተማ መቐለ ብነፈርትን ከቢድ ብረትን ከምዝተደብደበት መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወሰዶ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ምዕራፍን ስርሒት 'ምኽባር ሕጊ' ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰራዊቱ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክወስዱ ብሓሙስ መምርሒ ከም ዝሃበ ይዝከር።

እቲ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ካብ ረፋድ ሰዓት 10: 00 ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ከም ዝጀመረ ንድሕነቱ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ተቐማጢ እታ ከተማ ተዛሪቡ።

ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ፡ ሎሚ ረፋድ ኣብታ ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ብኸቢድ ብረት ደብዳብ ይፍጸም ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ትማሊ'ውን ብዙሓት ከባቢታት እታ ከተማ ብነፋሪት ከም ዝተደብደበ ገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ከተማታት ትግራይ ከም ዝተቖጻጸረ ዝገልጽ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ሰሜን እትርከብ ከተማ ውቕሮን ካልኦትን ከም ዝሓዘ ሌተናል ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም ገሊጹ ነይሩ።

እንታይ እዋናዊ ሓበሬታ ኣሎ?

ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ሓበሬታ ክርከብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ከምዘእተዋን "ናይ መጠረሽታ ወተሃደራዊ ስርሒት መድረኽ'' ክብል ገሊጽዎ። ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።

እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ሓራ ከምዝወጽኣን፡ ንመዕረፎ ነፈርትን ቤት-ጽሕፈታት መንግስትን ከምዝተቖጻጸረን ገሊጹ። እቲ ስርሒት ''ሰላማውያን ሰባት ከይተተንከፉ'' ከምዝተገብረ ገሊጹ።

መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ንምሓዝ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝጀመረ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።

ንሱ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ''ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር እናተኻለኹ ክሞቱ ድልዋት'' ከምዘለው ኣፍሊጡ'ሎ።

አብዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጽሩ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኸእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣደራዕ ይርእዩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።

ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።

ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።