ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ትግራይ "ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው" ነጺጉ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ "መንግስቲ ሓገዝ ክሳብ ዝሓትት ኢድኩም ኣይትሕወሱ" ክብል ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ሓቲቱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንዘርኣዮ ተገዳስነት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ'ሎ።
"ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘለዋ ሕግን ዓለምለኻዊ ግዴታታትን ነቲ ኩነታት ናይ ምፍታሕ ዓቕምን ድልየትን ከምዘለዋ ክገልጽ እፈቱ" ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግልጺ።
እታ ሃገር "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው ኣይትቕበልን" ክብል'ውን ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ "ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ንመትከላት ኢድ - ዘይምእታው ክተኽብሩ ይግባእ" ክብል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ሓቲቱ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ወፍሪ "ሕጊ ናይ ምኽባር" ክብል እንተገለጾ'ኳ፡ ብወገን ትግራይ ዝወሃብ መብርሂ ግን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተኣወጀ "ወራር" ከምዝኾነ የመልክት።
እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ብዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት ገበናት ኲናት ከይፍጸም ስግኣቱ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን እዩ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን መሪሕነት ህወሓትን ኢዶም ዝህቡሉ ናይ 72 ሰዓታት ሎሚ መዓልቲ'ዩ ዘብቐዕ።
ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሳልሳይ ሰሙን ሒዙ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝግመቱ ከምዝሞቱ ክግለጽ ከሎ፡ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣለው።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ዛጊት በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 40,000 ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።
ኣመዓባብላ እቲ ኲናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም። ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







