ትራምፕ ንኤርትራውያን ሓዊሱ ንገለ ኣፍሪቃውያን ተጉዓዝቲ ሓድሽ እገዳ ኣንቢሩ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዜጋታት 15 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ጉዕዞ ምግባሮም ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ብመልክዕ ቦንድ ከትሕዙ ዘገድድ ሓድሽ ግዚያዊ እገዳ ኣንቢሩ።

እቲ ገንዘብ ዝምለስ ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ሕጊ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝጅምርን፡ ንተኸታታሊ ሽድሽተ ወርሒ ምስቀጸለ ድማ፡ እንተደኣ ውጽኢታዊ ኮይኑ፡ ክቕጽል ከምዝኾነን ተገሊጹ’ሎ።

በዚ ሕጊ ዝጽለዋ ሃገራት፡ ኤርትራ፣ ኣንጎላ፣ ቡርኪና ፋሶ፣ ቻድ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ጂቡቲ፣ ጋምቢያ፣ ጊኒ-ቢሳው፣ ላይቤሪያ፣ ሊቢያ፣ ሞሪታኒያ፣ ሱዳን፣ ሳኦ ቶሜን ፕሪንሲፔን፣ ኬፕ ቨርዴ ከምኡ ድማ ቡሩንዲ እየን።

እዘን ሃገራት ነዚ እገዳ ዝግበረለን ዘሎ፡ ካብቶም ቪዛ ረኺቦም ናብ ኣመሪካ ዝተጉዓዙ ዜጋታተን 10 ምእታዊት ወይ’ውን ልዕሊኡ፡ ካብ’ቲ ዝተፈቐደሎም ግዜ ንላዕሊ ስለዝጸንሑ እዩ ተባሂሉ።

ዜጋታት ናይ’ዘን ሃገራት፡ ንዑደት ኮነ ንስራሕ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምጉዓዞም፡ ከከም ኩነታቱ 5 ሽሕ፡ 10 ሽሕ ወይ’ውን 15 ሽሕ ዶላር ከትሕዙ ትጽቢት ይግበረሎም።

ስልጣኑ ከረክብ ኣብ ድርኩኺት ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ንጉዳያት ኢሚግሬሽን ብልዑል ቆላሕታ እዩ ክከታተሎ ጸኒሑ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ድማ፡ ንብዙሕ ናይ ትራምፕ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ክቕይሮ ተመጻቢዑ እዩ።