ዶናልድ ትራምፕ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት "መሰረታዊ ለውጢ" ከምጽእ ኣለዎ ኢሉ።
እንተዘይኮይኑ ግና፡ ትራምፕ ኣመሪካ ነቲ ትካል እትገብሮ ድጋፍ መሊኣ ጠጠው ከተብሎ እያ ክብል ነቲ ሓላፊ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓቢሩ።
ትራምፕ፡ እቲ ንዶክተር ቴድሮስ ዝጸሓፈሉ ደብዳበ ኣብ ትዊተሩ ዘስፈረ ኮይኑ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ከተማ ቻይና ዉሃን ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣመልኪቶም ዝቐርብሉ ዝነበሩ መረዳእታታት፡ ዕሸሽ ኢሉ ብምባል ግቡኡ ከም ዘይተዋጸአ እዩ ዝሕብር።
እኳ ደኣስ፡ ደጋጊሙ ንቻይና ይንእድ ነይሩ ብምባል፡ ነቲ ንግዚኡ ጠጠው ዘበሎ ድጋፍ፡ መሊኡ ጠጠው ከብሎ ከም ዝኽእል ትራምፕ ኣጠንቂቑ።
ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘካይዶ ዓመታዊ ጉባኤ 194 ኣባል ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ ተባሂሉ።
ወከልቲ እተን ተሳተፍቲ ሃገራት ናይቲ ትካል ንጥፈታት ከም ዝግምግሙ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዓለም ዘርዐደ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዝነበረ ወጥሪ ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ 'ዛእምባይ መን ይወርሳ' ዝዓይነቱ ንሕንሕ ሽሙ ይለዓል ኣሎ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ መንቀሊ እዚ ቫይረስ ብዕሊ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይጠልብ። እንተኾነ፡ ንቻይና ካብ ምውቃስ ተቖጢቡ እዩ ዘሎ።
እዚ ዛጊድ ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ዓለም ዝቐዘፈ ለበዳ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻይና፡ ከተማ ዉሃን ከም ዝተረኣየ ይፍለጥ።
ውድብ ጥዕና ዓለም
እቲ ትካል ትማሊ ዝጀመሮ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ክዛዝም እዩ፤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ድማ ብስልኪ ተራኺቦም ይዝትዩ ኣለው።
ኣብ ሞንጎ እዚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ "ኩርኩር ቻይና" ክብል ነቲ ትካል ድሂልዎ እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም "ንዓና ብዙሕ ሕማቕ፣ ሓደገኛ ምኽሪ እዩ ሂቡና" ዝበለ ትራምፕ "ንሕና ድማ ብዙሕ ጌጋ ፈጺምና፤ ንሱ ግና ኣብ ጎኒ ቻይና እዩ ነይሩ" ኢሉ።
ትራምፕ ባዕሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን፤ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ግን ብቪድዮ ኣትዩ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ለበዳ ብኣግባቡ ስለ ዘይተቖጻጸሮ "ህይወት ብዙሓት" ኣጥፊኡ እዩ ኢሉ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ንዘብጽሖ ሓደጋ ዝንቀፍ ትራምፕ፡ ብተደጋጋሚ ንውድብ ጥዕና ዓለም ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።
ብምኽንያት እዚ ለበዳ፡ እቲ ትካል ንቻይና ኣትሪሩ ክነቅፍ ነይሩዎ ክብል'ውን ተቓውምኡ ይገልጽ።
ትራምፕ፡ ቻይና መጀመርታ እዚ ለበዳ ከጋጥም ከሎ ኣብ እዋኑ ኣየፍለጠትን ሓቢኣ እያ ክብል ይኸሳ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ኣኼባ፡ ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ቻይና "ግልጽን እሙኑን" ሓበሬታ እያ ሂባ ብማለት፡ ዝኾነ ዓይነት ምጽራይ እቲ ለበዳ መሊኡ ኣብ ቁጽጽር ምስ ወዓለ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ዘርኣዮ ምዝሕታል ክጻረ ኣለዎ ብምባል፡ ነቲ ትካል ክትህቦ ዝጸንሐት ምወላ ደው ኣቢላቶ እያ።
ሕዚ ድማ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ርኡይ ለውጢ እንድህር ዘየምጸአ ሓገዛ መሊኣ ጠጠው ክተብል ከምእትኽእል ኣፍሊጣ።
ኣባልነታ'ውን ኣብ ሕቶ ክተእትዎ ምዃና ትራምፕ፡ ኣጠንቂቑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







