‘ትራምፕ ሓሳውን መምሰልን እዩ’ ዓባይ ሓፍቲ'ቲ ፕረዚደንት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓባይ ሓፍቱ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ሓዋ ሓሳውን “ስርዓት ኣልቦን” ከምዝኾነ ትዛረብ።
ማሪያን ትራምፕ ቤሪ ብዝዕባ ንእሽቶ ሓዋ ከም’ዚ ክትብል ከላ ዝተሰምዐት፡ ብሚስጢር ኣብ ዝተቐድሐ ድምጺ እዩ።
ነዚ ክትብል ከላ ብሕቡእ ዝቐድሓታ ድማ፡ ጓል ዓብዪ ሓዋ ሜሪ ትራምፕ ኮይና፡ ንሳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዘራራቢ መጽሓፍ ዘሐተመት እያ።
ሜሪ ትራምፕ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘሐተመቶ መጽሓፋ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ኣዐርዩ ዝነቅፍን ዘቆናጽብን ኣዝዩ ኣዘራራቢ መጽሓፍ እዩ።
ቤተመንግስቲ ኣመሪካ እቲ መጽሓፍ ከይዝርጋሕ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረሉን።
ኣብ’ዚ መጽሓፍ ዝተጠቐሰት ዓባይ ሓፍቱ ንትራምፕ ድማ ቅድም ክብል ዳኛ ዝነበረት እያ።
ኣብ’ቲ ትራምፕ ሓሳዊ ምዃኑ ዝተዛረበትሉ ድምጺ፡ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ዝጥቀዖም ጽሑፋቱ ክትነቅፍ ትስማዕ።
ብዛዕባ ሓሶቱ፣ መምሰላይነቱን ጭካንኡን እውን ተማርር።
እታ መጽሓፍ ዘሐተመት ጓል ዓብዪ ሓዉ ንትራምፕ፡ ንምንታይ ነቲ ድምጺ ከምዝቐድሓቶ ክትዛረብ ከላ፡ ንርእሳ ካብ ክሲ ናጻ ንምውጻእ ምዃኑ ተዛሪባ።
ትራምፕ ብዋይት ሃውስ ኣቢሉ “እንታይ እዩ’ሞ?” ዝዓይነቱ መልሲ እዩ ሂቡ።
ብዛዕባ ሓው ኣቦኣ ዶናልድ ትራምፕ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ሜሪ ትራምፕ፡ እቲ ቀደም ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕብኡ መጽሓፍ ክትጽሕፈሉን ብስሙ ከሐትሞን ይሓተኒ ነይሩ ኢላ።
ዋላ’ኳ ጓል ሓዉ እንተኾንኩ፡ ብጾታዊ ዓይኒ ይጥምተኒ ነይሩ ክትብል ድማ ኣቃሊዓ እያ።
“ዶናልድ ትራምፕ፡ ካልእ ሰብ ተፈቲንሉ እዩ ናብ ዩንቨርሲቲ ኣትዩ”
ኣብ’ቲ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ሓፍቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓዋ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝኽተሎ ፖሊሲ ክትነቅፍ ትስማዕ።
ኣብ ከባቢ ዶብ፡ ንህጻናት ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ምእታዉ ግቡእ ከምዘይኮነ’ውን ትዛረብ።
“ነዚ ዝገብር ዘሎ ንደገፍቱ ከሐጉስ ኢሉ እዩ” ድማ ትብል።
ኣብ’ቲ ሜሪ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ካብ ዘለዉ ዘደንጽዉ ሓበሬታታት ሓደ፡ ዶናልድ ትራምፕ ብኸመይ ናብ ዩንቨርሲቲ ከምዝኣተወ ዘዘንቱ እዩ።
ሓው ኣቦኣ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዩንቨርሲቲ ዘእትዎ ፈተና ካልእ ሰብ እዩ ተፈቲንሉ ትብል። ነዚ ፈተና ክፍተነሉ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንሓደ መሓዝኡ ገንዘብ ከምዝኸፈለ’ውን ትገልጽ።
ሓፍቱ’ውን ኣብ’ቲ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ድምጺ ብዛዕባ’ዚ ክትዛረብ ትስማዕ።
ነቲ ንትራምፕ ዝተፈተነሉ ሰብ ብስም ከይተረፈ ከምእትዝክሮ እያ ትዛረብ።
“ካልእ ሰብ ስለዝተፈተነሉ እዩ ናብ ዩንቨርሲቲ ፔንሲልቫንያ ክኣቱ ዝኸኣለ” ትብል።
ነዚ ኣዘራራቢ መጽሓፍ ዝጸሓፈቶ ሜሪ፡ ጓል 55 ዓመት እያ። ንትራምፕ ጓል ዓብዪ ሓዉ ኮይና፡ ኣቦኣ ፍሬድ ትራምፕ ብ 1981 እዩ ሞይቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







