መላንያ ትራምፕ፡ ዑደታ ብጋና ፈሊማ

ምንጪ ስእሊ, AFP
በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣሜሪካ መላንያ ትራምፕ፡ ኣብ ፈለማ ናብ ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ዑደት ኣብ ኣክራ ጋና ዝርከብ ሕክምና በጺሓ፡ እዚ ንበይና ትገብሮ ዘላ ዑደት ኮይኑ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ክትገብር ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።
ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ ብሃረምቲ ከበሮን ብሳዕሳዕትን እኳ ድሙቕ ኣቀባብላ እንተተገበረላ፡ ብህዝቢ ዝተገበረላ ኣቀባብላ ግን ዝሑል እዩ ነይሩ።
እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ጋና፡ ኬንያ ማላውን ግብጽን ትገብሮ ዑደት ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ዘተባብዕ እዩ ክኸውን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መላንያ ትራምፕ ናብ ጋና ኣብ ዝኣተወትሉ ብበዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ጋና ረቤካ ኣኩፎ ኣዶ (ጸጋም) ኣቀባብላ ዝተገበረላ ክኽውን እንከሎ፡ ኣብ ዋና ከተማ ኣክራ ዝርከብ ሪድጅ ሆስፒታል ብሓባር ዑደት ኣካይደን።
ዳይሬክተር ርክባት ኣሜሪካ ስቴፈን ግሪሻም " ኣብ ኣፍሪቃ ተግዳስነት ኣለዋ፡ ኣብዘን ትኸደን ኣርባዕተ ሃገራት ከኣ ዝተፈላለየ ባህልን ታሪኽን ዘለወን እየን" ክብል ተዛሪቡ።
ላንያ ትራምፕ ንምቕባል ካብ ዝወጹ ህጻንት ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መላንያ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ከመይ ኣቢላ በቲ ንትምህርቲ ህጻናት ኣቶክሮ ዝህብ ዩኤስኣይድ ኣብ ከም በዓል ማላዊ ዝኣመሰላ ሃገራት ሓገዛት ክተበርክት ከምትኽእል ንምዕዛብ ከምዝመጸት ተዛሪባ።
ብምስዓብ ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ኣብ ትምህርቲ፡ ዕቃበ እንስሳታትን ምክልኻል ኤቻይቪን ትገብሮ ዘላ ብምጥቃስ፡
" ናይ መወዳእታ ዑደተይ ግብጺ ኮይና፡ ኣብ ቱሪዝም ዘተኮረ እዩ ክኸውን" ኢላ።
ኣብ ጋና ዝተገበረላ ኣቀባብላ ዝሑል ምንባሩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቶማስ ናዲ ኣብ ኣክራ ተረኺቡ ኣብ ዘመሓላላፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
መላንያ ትራምፕ ዋላ እኳ " ኣነን ብዓል ቤተይን ንኣፍሪቃ ንፈትዋ ኢና፡ ካብ ዓለምና እታ ዝጸበቐት ኣህጉር እያ" እንተበለት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንኣፍሪቃውያን ብዘርእዮ ዓሌታውነትን ዝኽተሎ ናይ ስደተኛታት ፖሊስን ንዑደታ ጸልይዎ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ንፕረዚደንት ትራምፕ በቲ ዝተጻረፎ ይቕረታ ክሓትት ሓቲትዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ " ኣነ ዓሌታዊ ኣይኮንኩን " ኢሉ ንጋዜጠኛታት ምምላሱ'ውን ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ትኹረት ከምዘይሃበ ዝዝረበሉ ኮይኑ፡ ንመራሕቲ ግብጺ፡ ናይጄርያ ከምኡ'ውንኬንያ ጥራይ እዩ ኣብ ዋይት ሃውስ ዓዲሙ ኣዘራሪቡ ዘሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







