ክሲ ትራምፕ፡ ትራምፕ 'ንዱር' ደብዳበ ክሲ ንፔሎሲ ጽሒፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብ ንላዕለዎይቲ ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ኣብ ዝጸሓፎ ንዱር ደብዳበ፡ "ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ኣሜሪካ ኲናት ኣዊጃ'ያ" ክብል ይኸስስ።
"ጥቕሚ ናይታ 'ክሲ (ኢምፒችመንት)' እትብል ሕማቕ ቃል ኣራኺስክዮ" ክብል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ጽሒፉ።
ሎሚ መዓልቲ፡ እቲ ፕረዚደንት ንውልቃዊ ኸስቡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክሬይን ጸቕጢ ገይሩ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ድምጺ ክወሃበሉ እዩ።
እዚ፡ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ናብ ፍርዲ ዘቕርቦ ድምጺ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ይግመት።
ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝወሃብ ድምጺ ጸቕጢ ብምሕዳር ቁሩብ ለውጢ ከምጽእ እየ ኢሉ ተስፋ ዝገብረ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ መስርሕ ዝነቅፍን ንኣፈ ጉባኤ ዴሞክራት ናንሲ ፔሎሲ ዝኹንን በዓል ሽዱሽተ ገጽ ደብዳበ ጽሒፉ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "እዚ ክሲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ መሰረታዊ ሕገመንግስታዊ መስርሕ ዝተሓረመ'ዩ" እንክብል፡ "መረዳእታ ምቕራብ ሓዊሱ በቲ ሕገመንግስቲ ዝተውሃቡ ኣገደስቲ መሰላት ዘጓነየ እዩ" ኢሉ።
እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ናይ ክሲ መስርሕ መረዳእታ ንከቕርብ ብኣቦ መንበር ኮሚቴ ዳያኑ ዴሞክራት ዕድመ ቐሪብሉ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ነጺጉዎ'ዩ።
ወይዘሪት ናንሲ ፔሎሲ ግን እቲ ደብዳበ መሊኣ ከም ዘየንበበቶ ገሊጻ።
ሎሚ ብዛዕባ እቲ ምሃብ ድምጺ ክሲ ትራምፕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ግን፡ "እቲ ባይቶ፤ ሓደ ካብቶም እቲ ሕገመንግስቲ ዘጎናጸፎ ስልጣን ክጥቀም'ዩ" ኢላ።
ወሲኻ፡ "ኣብዚ ታሪኻዊ ግዘ ሃገርና፡ ሕገመንግስትና ካብ ናይ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ጸላእቲ ንምሕላውን ንምክልኻልን ቃልና ከነኽብር ኣለና" ኢላ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ክልተ ክሲ እዩ ዝቐርበሉ ዘሎ።
እቲ ሓደ፡ መርመራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሰራሕተኛታት ምስክርነት ኣብ ምሃብ ንከይተሓባበሩ ብምኽልካልን ሰነዳት መረዳእታ ብምሕባእን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጆ ባይደን ብብልሽውና ንምኽሳስ ስልጣኑ ብምጥቃም ካብ ዩክሬይን መረዳእታ ክረክብ ብምፍታኑ ዝብሉ'ዮም።
እቲ ባይቶ ንክሲ ትራምፕ ድምጺ እንተሂቡ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝኽሰስ ሳልሳይ ፕረዚደንት ክኸውን'ዩ። ቐጺሉ ናብ ሰኔት ክቐርብ'ዩ።
ሰልፊ ሪፐብሊካን ድማ ዓብላሊ እቲ ሰኔት'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







