ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት፡ ትራምፕ ክኽሰሰሉ ዝኽእል መርመራ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ፖለቲካዊ መቐናቕንቱ ንምጉዳእ፡ ሓገዝ ካብ ወጻኢ ሓቲቱ ንዝብል ክሲ መርመራ ጀሚሮም።
ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራትስ ናንሲ ፔሎሲ፡ "እቲ ፕረዚደንት ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ" ኢላ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ብዙሓት ኣባላት ደሞክራትስ ነቲ መርመራ ዝድግፍዎ እንተኾኑ፡ ካብቲ ኣባላት ሪፓብሊካን ዝቆጻጸርዎ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ (ሰነት) ግና ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ጸቢብ እዩ።
ፕረዚደነት ትራምፕ ምስ ዩክረይናዊ መዘንኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ዝርርብ እንታይ ከም ዘበለ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ዩክረይን ነቲ ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ወዱ ሃንተርን ንዘሎ ናይ ብልሽውና ክሲ እንተዘይመርሚራ ኣሜሪካ ነታ ሃገር እትገብሮ ወተሃድራዊ ሓገዝ ደው ከም እተብሎ፡ ትራምፕ፡ ምፍርርሑ ደሞክራትስ ይዛረቡ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ጆ ባይደን፡ ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምዝርራቡ እኳ እንተተኣመነ፡ ኤውሮጳ'ውን ወትሃደራዊ ሓገዝ ምእንቲ ክትገብር ኢሉ ከም ዝተዛረቦ እዩ ዝገልጽ።
ፔሎሲ እንታይ'ያ ኢላ?
ፕረዚደንት ትራምፕ "ሕጊ ጥሒሱ'ዩ" ዝበለት ፔሎሲ፡ ነቲ ተግባር "ምጥሓስ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት" ክትብል ገሊጻቶ።
"ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት [ትራምፕ]፡ ብፖለቲካዊ ከርብሖ ዝኽእል ስጉምቲ ክወስድ ንፕረዚደንት ዩክሬይን ምሕታቱ ተኣሚኑ ኣሎ። እቲ ፕረዚደነት ተሓታቲ ክኸውን ይግባእ" ኢላ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ፔሎሲ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ክኽሰሰሉ ዝኽእል መርመራ ንነዊሕ እዋን ከትነጽግ እያ ጸኒሓ።
ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ዝኾነ ገበን ከም ዘይፈጸመ ክገልጽ ከሎ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ መርትዖ ኣይቀረበን ኣሎ። ንሱ ነቲ ፕረዚደንት ክኽሰሰሉ ዝኽእል መርመራ ከም ዝድግፍ ኣፍሊጡ።
ሚስተር ባይደን ኣብቲ ኣብ 2020 ዝካየድ መረጻ ኣሜሪካ፡ መቀናቕንቲ ፕረዚደንት ትራምፕ እዩ።
ምላሽ ፕረዚደንት ትራምፕ
ፕረዚደንት ትራምፕ ብትዊተር ኣከታቲሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ "ኮነ ኢሎም" ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መገሽኡ "ክጽይቑ" ይሰርሑ ምህላዎ ኣፍሊጡ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ንሳቶም [ኣባላት ደሞክራትስ] ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ዝርርብ ናይ ተለፎን ኣይረኣይዎን" ድሕሪ ምባል ነቲ ምስ ፕረዚደነት ዩክረይን ናይ ዝገበሮ ዝርርብ ጽሑፍ ረቡዕ ክዝርግሖ ምዃኑ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







