ዶናልድ ትራምፕ ንጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሰጒጉ

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ማርክ ኢስፐር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መረጻ ኣሜሪካ 2020 ብ ጆ ባይደን ዝተስዓረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ማርክ ኢስፐር ከምዝሰጎጎ ገሊጹ፡፡

ትራምፕ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ እቲ በዓል መዚ ከምዝተሰጎገ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቦታ ድማ ሓላፊ ማእከል ጸረ ግብረ ራዕዲ ክሪስቶፈር ሚለር ክትካእ እዩ፡፡

ማርክ ኢስፐር፡ ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ ምስቲ ፕረዚደንት ዝኣተዎ ቅሉዕ ዘይምርድዳእ ስዒቡ እዩ ተሰጒጉ ዘሎ፤ ነቲ ውሳነ ስዒቡ ትማሊ ክሪስቶፈር ሚለር ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ክኣቱ ተራእዩ፡፡

ኢስፐር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብቶም ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ኣንጻር ዘርኣዊ መድልዎ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፊታት ወታሃራት ንምጥቃም ዝነበሮ ድልየት ብምቅዋሙ እዩ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ጎንጺ ኣትዩ፡፡

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስዒቡ ዝተልዓለ ናዕቢ ንምብታን ወታሃራት ክጥቀም ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

ኢስፐር ግና ኣብ ስራሕ ዘለዉ ወታሃደራት ምጥቃም ኣድላዪ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ነቲ ሓሳብ ተቓዊሙ፤ እዚ ድማ ብመንግስቲ ኣይተፈተወሉን፡፡

ብተመሳሳሊ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገሩ ካብ ምሕዝነት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምውጻእ ዘለዎ ድልየት ተቓዊሙ ነይሩ፡፡

በዚ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መዝነቱ ክሰጎ ከምዝኽእል ግምታት ነይሮም፡፡

ንሱ፡ ንውሳነ እቲ ፕረዚደንት ከምዝቕበሎ ኣብ ደብዳበ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣባል ደሞክራት ዝኾነት ናንሲ ፔሎሲ ግና ንወሳነ እቲ ፕረዚደንት ‘‘ኣብተን ዝተረፈኦ መዓቲታት ኣብ ዲሞክራሲ ኣመሪካን ዓለምን ህውከት ብምዝራእ ከሕልፈን ከምዝደሊ መረዳእታ እዩ’’ ክትብል ነቒፋ፡፡

ጆ ባይደን ከምዝተዓወተ ዝሕብር ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ዘይተቐበሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑ ገሊጹ፡፡

ፕራዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ 20 ጥሪ ስልጣኑ ንባይደን ክሳብ ዘረክብ ዝኾነ ውሳነ ክውስን ስልጣን ኣለዎ፡፡