ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዘምርሕ ዘሎ ጆ ባይደን እንታይ'ዩ ክዓምም ሃቂኑ?

ባይደን ሕዳር 8

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኾይኑ ዝተመርጸ ጆ ባይደን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃወስ እንተምርሕ፡ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ገለ ዕማማት ካብ ብሕዚኡ ሓንጺጹ ከምዘሎ ይዝረብ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ዘጣየሾ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19፡ ብዙሕ ሰብ ክምርመርን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብርን ዝብል ከምዝርከቦ ገሊጹ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ቁጠባን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን እቶም ቀዲሙ ዝነጠፈሎም ዕማማት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ዛጊድ ትራምፕ፡ ስዕረቱ ኣሜን ኢሉ ዘይተቐበለ እንትኸውን፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ቆጸራ ድምጺ ቀጺሉ ኣሎ ተባሂሉ።

እንተኾነ፡ ጆ ባይደን ናይ ሚስተር ትራምፕ ስዕረት ምቕባል ከይተጸበየ፡ ካብ ብሕዚኡ እቶም ትራምፕ ወዲቑሎም ኢሉ ዝኣምነሎም ሃገራዊ ፖሊሲታት ንምቕያር ይጓየ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19፡ ፈጢኑ ሓድሽ ፖሊሲ ከተኣታትው እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ባይደን ብዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዝእወጅ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ምዃኑ ይፍለጥ።

ባይደን ግን፡ እቶም ብሕማቕ ዝለዓሉ ፖሊሲታት ትራምፕ ንምቕያር፡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣሜሪካ ምጽዳቕ ዘየድልዮም እንተኾይኖም፡ ቀዲሙ ስጉምቲ ከምዝወስድ ይግለጽ ኣሎ።

ትራምፕ ቀዳም ናብ ቤተ መንግስቲ እንትምለስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ቀዳም ናብ ቤተ መንግስቲ እንትምለስ

ካብቶም ቀዲሙ ክሰርሖም ሃቂሉ ዘሎ ገሊኦም፡

  • ጆ ባይደን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣመሪካ ዝነጸገቶ ስምምዕ ፓሪስ እናተብሃለ ዝጽዋዐዕ ውዕል ለውጢ ኩነታት ኣየር [ክሊማ] ክመልሳ እዩ።
  • ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወጽእ ዝተወሰነ ውሳነ ክዓጽፎ ምዃኑ ተዘሪቡ።
  • ዜጋታት ካብ 7 ሙስሊም ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝተወሰነ ክልከላ ከልዕሎ እዩ።
  • ህጻናት ኮይኖም ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዜግነት ኣመሪካ ዝረኽብሉ ኣብ መሪሕነት ኦባማ ዝነበረ መሰርሕ ክምልሶ እዩ።

ኣብዝሓ ኣባል መሪሕነት ሪፐብሊካን: ዓወት ጆ ባይደን ዘይተውሓጠሎም እንትኸውን፡ ድምጽታት ወዲኦም ክቑጸሩን ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ቅርታ: ብይን ክህብን ይጽበዩ ኣለዉ።

ባይደን ኣብ ጉዳይ ኮቪድ እንታይ ክሰርሕ እዩ ሃቂኑ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓደ ከም ዓብዪ ጉድለት ኮይኑ ዝንቀፈሉ ዓውዲ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሓዘሉ መገዲ እዩ።

ንሱ፡ ኮሮናቫይረስ ሰዓል እዩ፤ ኢሉ ብምንእኣስ፡ ሰባት ርሕቐቶም ከይሕልዉን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይጥቀሙን ገይሩ እዩ ዝብል እዩ።

ኣሜሪካ እታ በዚ ለበዳ ትመርሕ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ኣሰታት 10 ሚልዮን በዚ ሕማም ተለኺፎምዋ ኣለዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ድማ መዓልታዊ ልዕሊ 125,000 መልከፍቲ ከተመዝግብ ጸኒሓ።

እዚ ናይ ፖሊሲ ዝሕትልና ክእርም ዝሃቀነ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካውያን ዕድላት ነጻ ምርመራ ዝረኽብሉ መስርሕ ከተኣታትውን ኣብ ግልጽን ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተን መምርሕታት ከውጽእን ከምዝሃቀነ ኣንረፊቱ።

ባይደን፡ ኣመሪካውያን ብፍላይ ብብዝሒ ኣብ ዝተኣከቡሉ ቦታ ኩሎም ማስክ ክገብሩ ዘገድድ ፖሊሲ ከውጽእ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።

ኣመሓደርቲ ግዝኣታት እዚ ግዴታ ንምትግባር ክተሓባበርዎ'ውን ካብ ብሐዚኡ ተላብዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ እዋን ወፍሪ ጎኢስጓስ፡ ኩሉ ግዜ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር እዩ ተስተውዒሉ። ትራምፕ ድማ ብተጻራሪኡ።

ዓሌታዊነት

እቲ ትራምፕ ዝንቀፈሉ ካልእ ዓውዲ፡ ጉዳይ ዓሌታዊነት እንትኸውን፡ እዚ ድማ ቀልጢፉ ከሕዊ ባይደን ይጓየ ኣሎ።

ደገፍቲ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ እዋን ትራምፕ፡ እዚ ጉዳይ ነታ ሃገር መቓቒልዎ ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ብፍላይ ንጸለምትን ብቑጽሮም ውሑዳት ዝኾኑ ዝሐሸ ስራሕን መንበሪ ኣባይትን ዝረኽብሉ ከመቻቹ እየ ኢሉ።

ካልኦት ዓውድታት

ከምኡ ድመ እቲ በኮቪድ-19 ዝተሃስየ ቁጠባ ንምንቕቐዓሕ ከምዝሰርሕን ስራሕ ኣብ ምፍጣር ቀዲሙ ክሰርሕን ተመጸዓቢዑ።

ኣብ ጉዳይ ኣጽዋራትን ማእሰርትን ኣመልኪቱ እውን 'ኣብ ህንጸት ዝተመርኮዘ' ፖሊሲ ከቕንዕ ተላብዩ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒናኦም ይርከቡ።

እቲ ቁጽሪ ኣብ ዓለም ቀዳምነት ዝሕዝ እዩ።