ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ቃለ-መሓላ ክፍጽም እዩ

ኣብቲ 3 ሕዳር 20202 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ንክዕወት ልዕሉ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ጆ ባይደን፡ ኣብቲ መረጸ ተዓዊቱስ ንኣርባዕተ ዓመት ንኣመሪካ ፕረዚደንት ኮይኑ ንክመርሓ ሎሚ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊ ካፒታል ሂል ዝተኻየደ ውራ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ተኸቲሉ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ተመሳሳሊ ዕግርግር ንኸይልዓል ዋሽንግተን ብፍላይ ኸኣ ከባቢ ዋይት ሃውስ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ሓላዋ እዩ ዝርከብ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንታት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት'ዮም ዝሳተፉ ነይሮም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግን ውሑዳት ሰባት እዩም ክሳተፉ።

ካብቶም ኣብቲ ስነስርዓት ዘይሳተፉ ሓደ ዶናልድ ትራምፕ እዩ፡ ንሱ ሎሚ ንግሆ ናብ ፍሎሪዳ ገይሹ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብ ቃለ መሓላ ተካኢኡ ክተርፍ፡ ድሕሪ 1869 ኣንድሪው ጆንሶን ዝፈጸሞ ብኩራት፡ እዚ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ናይ መጀመርታ እዩ።

ንምዃኑ ጆ ባይደን መን'ዩ?

ንሱ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኮይኑ ዘገልገለ ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት እዩ።

ደገፍቱ፡ ባይደን ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ሙኩር ሰብ'ዩ ይብሉዎ።

ብልዑል ርግኣት ዝፍለጥ ባይደን፡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ህይወቱ ብርክት ዝበሉ ዘሕዝኑ ክስተታት ኣጋጢሙዎ እዩ።

ቅድሚ 47 ዓመት እዩ ባይደን ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተጸምቢሩ። ቅድሚ 33 ዓመት ከኣ ፕረዝደንት ኣመሪካ ክኸውን ክጽዕር ጀሚሩ።

ጆ ባይደን፡ ብጸለምቲ ኣመሪካውን ዓብዪ ቦታ ካብ ዘለዎም ሰበስልጣን ኣመሪካ ሓደ እዩ።

ጆ ባይደን

ተኸሲሱ ይፈልጥ'ዶ?

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ባይደን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑልና ብምባለን መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ባይደን ግቡእ ብዘይኮነ መገዲ ተናኺፉና'ዩ፣ ሓቚፉናን ስዒሙናን ዝብል ክሲ ኣቕሪበናሉ።

በዚ ምኽንያት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመሪካ ባይደን ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ናብ ደቂ ኣንስትዮ ተጸጊዑ እናሰዓመ ሰላምታ ክለዋወጥ ዘርኢ ምስልታት ይዝርግሓ ነይረን።

ገሊኦም ስእሊታት፡ ባይደን ናብተን ደቂ ኣንስትዮ ኣዐርዩ ብምጽጋዕ ጸጉረን ዝሽትት ዘሎ ይመስሉ።

ኣብዚ ዓመት'ውን ቅድሚ ኣዋርሕ ተሓጋጋዚቱ ዝነበረት ታራ ሬዲ ባይደን ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙለይ ኢላ ከሲሳቶ ነይራ።

ባይደን ብወገኑ፡ "ፈጺሙ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣይተፈጥረን" ብምባል ነጺጉዎ።

ፖለቲካዊ ታሪክ ባይደን

ባይደን፡ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ብዙሕ ልምዲ ዘለዎ ኮይኑ 8 ዓመት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ 8 ዓመት ሴነት፣ ሸሞንተ ዓመት ድማ ምኽትል ፕሬዝደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ባይደን ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውሳነታት ተሳቲፉ እዩ።

እንተኾነ እዚ ኹሉ ዝውደሰሉ ኣይኮነን።

ንኣብነት ብ1970ታት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ ጸለምትን ጸዓዱን ተመሃሮ ንምሕዋስ፡ ተመሃሮ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ብኣውቶብስ ብምጉዕዓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ክምደቡ ዝተገብረ ጻዕሪ ተቓዊሙዎ እዩ።

በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ መረጻ ነቐፌታ ይቐርበሉ ነይሩ።

ብ1991 ድማ ንኲናት ወሽመጥ ዓረብ ተቓዊሙ፡ ብ2003 ዓ.ም ኣመሪካ ንዒራቕ ክትወርር ደጊፉ።

ጸኒሑ ድማ ኣመሪካ ናብ ዒራቕ ምዃዳ ልክዕ ኣይኮነን ክብል ተሰሚዑ።

ዘሕዝኑ ኣጋጣሚታት ህይወት ባይደን

ባይደን፡ ብምኽንያት ሓደጋ መኪና በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ስኢኑ።

ባይደን ኣብ ሰኔት ናይ መጀመርታ ዓወት ረኺቡ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ፡ ኣብ ሓጺር መዓልታት በዓልቲ ቤቱ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዋ።

በቲ ሓደጋ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ሞይተን። ሃንተርን ቤኡን ዝተባህሉ ክልተ ደቁ'ውን ጉድኣት በጹሑዎም።

ቤኡ ወዱ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠመ ሕበጥ ብ2015 ሞይቱ።

ስልጣን፣ ብልሽውናን ሓሶትን

ብህይወት ዝተረፈ ወዱ ሃንተር ጠበቓ እዩ። ኣዝዩ ገንዘብ ከም ዝፈቱ ይዝረብ።

በዚ ምኽንያት ሃንተር ምስ በዓልቲ ቤቱ ተፋቲሑ። ኣብቲ ናይ ፍትሕ ወረቐት በዓልቲ ቤት ሃንተር ዝነበረት ኣልኮልን ዕጸ ፋርስን ከም ዝጥቀም ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ምሸት ናይ ትልሂት ቦታታት ከም ዘዘውትርን ትገልጽ።

ሃንተር ብዝተገብረሉ መርመራ'ውን፡ ኣብ ሰብነቱ ኮኬይን ዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ስለ ዝተረኸበ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሰጒጉ።

ድሕሪኡ ሃንተር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንሓደ ሰሙን ጥራሕ ምስ ዝፈለጣ ጓል ኣንስተይቲ ሓዳር መስሪቱ።

እዚ መዘራረቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ኮይኑ ቀንዩ።

ብኻልእ ወገን ሃንተር ኣብ ዩክሬይን ብዙሕ ገንዘብ ዝረኽበሉ ስራሕ ረኺቡ ነይሩ።

ፕሬዝደንት ትራምፕ ሃንተር ኣብ ዩክሬይን ብልሽውና ፈጺሙ'ዩ ዝብል መርመራ ክግበር ጸቕጢ ይግብር ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ትራምፕ ምስ ዩክሬናዊ መዘንኡ ዜሌኔስኪ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ወዱ ንጆ ባይደን ብልሽውና ፈጺሙ ድዩ ኣይፈጸመን ዝብል ትእዛዝ ሂቡ'ዩ ዝብል ክሲ ክቐርበሉ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።