መረጻ ኣመሪካ 2020 ኣብ ቤት ፍርዲ’ዶ ክውሰን ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብ መገዲ ዓወት መረጻ ኣመሪካ ዘሎ ይመስል።
ተነሓናሒኡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ወሰንቲ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝካየድ ቖጸራ ድምጺ መረጽቲ ጠጠው ክብል ይደሊ ኣሎ።
ስለዚ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?

ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ፡ ዝተጭበርበረ ድምጺ ስለ ዘሎ ኣብ ፔንሲልቫኒያ፣ ዊስኮንሲን፣ ጆርጂያን ሚቺጋንን ዝካየድ ቖጸራ ድምጺ ጠጠው ክብል ይሓትት ኣሎ።
እንተኾነ ነዚ ተፈጺሙ ዝብሎ ምትላል ዘረጋግጸሉ መረዳእታ ኣየቕረበን።
ንሰብ ሞያ ሕጊ ኣዘራሪብና፤ እቲ ምስሕሓብ በዚ እንተቐጺሉ እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ክንብል'ውን ሓቲትና።
እቲ መረዳእታ፡ ሓደ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዘየስዕሮ ድምጺ ከም ዝረኸበ ከርኢ እንተጀሚሩ፡ ስርዓት መርበባት ኣመሪካ ሓደ ሕጹይ ተዓዋቲ ከም ዝኾነ ይእውጁ።
እዚ፡ ድሕሪ እታ ናይ መረጻ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ናይ ንጉሆ ሰዓታት እዩ ዝኸውን።
ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ወግዓዊ ዝኾነ ነገር የለን። ክሳብ ሕጂ ግምታት ኢና ንሰምዕ ዘለና።
መረጻ ኣመሪካ እዚ ዓመት፡ እቲ ዝበዝሕ ድምጺ ብፖስታ እዩ ተዋሂቡ።
ኣብ ገለ እተን ሓያል ውድድር መረጻ ዝርኣየለንን ወሳኒ ተራ ዘለወንን ግዝኣታት ድማ፡ ምቑጻር ድምጺ መረጻ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ብፖስታ ዝተዋህበ ድምጺ ምቑጻር ግዜ ክወስድ እዩ።
መረጻ ድምጺ ቅድሚ ምጅማሩ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ነይሮም።

መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ድሮ ኣካታዒ ኮይኑ እዩ ዘሎ።
ቅድሚ እታ ናይ መረጻ መዓልቲ፡ ብፖስታ ድምጺ ምስ ምሃብ ብዝተሓሓዝ ኣብ 44 ግዝኣታት ልዕሊ 300 ክስታት ነይሮም።
እዚኦም፡ ግዜ ገደብ ምሕታምን ምቕባልን ካርድታት መረጻ፣ ዘድሊ ክታም ምስክርነትን እቲ ውጽኢት ዝግለጸሎም ፖስታን ዝተኣሳሰሩ እዮም ነይሮም።
ኣባላት ሪፐብሊካን ዘመሓድሩወን ግዝኣታት ድምጺ መረጽቲ ተሰሪቑ'ዩ ኢሎም ክኸሱ ከለው፡ ዴሞክራት ብወገኖም እዚ ዜጋታት መሰሎም ንከይጥቀሙ ዝግበር ፈተነ እዩ ይብሉ።
ትራምፕ እንታይ ይብል?
ዊስኮንሲን
ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ እቲ ፕሬዝደንት፡ ብሰሉስ ኣብታ ግዝኣት ዝተኻየደ ቖጸራ ድምጺ ክድገም ሓቲቱ እዩ።
እዚ መዓዝ ከም ዝካየድ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ቖጸራ ድምጺ ክሳብ ዝውድኡ ከም ዘይግበር ግን ርዱእ እዩ።
እታ ግዝኣት ነዚ መስርሕ ክሳብ 17 ሕዳር ክትውግን ግዜ ገደብ ኣቐሚጣ ኣላ።
ሙሁር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ቢሪፏልት፡ ብ2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረጻ'ውን ኣብታ ግዝኣት ዳግም ቆጸራ ድምጺ ከም ዝተኻየደ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ድማ "ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድምጺታት ቀይሩ'ዩ" ይብል።
"ዳግም ድምጺ ምቑጻር ንሕጋውነት እቲ ድምጺ ዝፈታተን ኣይኮነን። እኳ ድኣ እቲ ቑጽሪ ትኽክለኛ ምዃኑ እተረጋግጸሉ መስርሕ እዩ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚቺጋን
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብ ሚቺጋን ብንኡስ ኣፈላላይ ተዓዊቱ።
ኣብቲ ግዜ ልዕሊ 10 ሽሕን 700 ድምጺ ረኺቡ ነይሩ።
ሕጂ ድማ ዋላ'ውን 96 ሚኢታዊት ድምጺ ከም ዝተቖጸረ እንተተሓበረ፡ ብ4 ሕዳር ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ እቲ ቖጸራ ድምጺ ጠጠው ይበል ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ድምጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መረጽቲ ጌና ኣይተቖጸረን።
ማዕከናት ዜና ኣመሪካን ቢቢሲን ግን ኣብታ ግዝኣት ጆ ባይደን ክዕወት ግምተን ይገልጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፔንሲልቫኒያን ጆርጂያን'ውን ብተመሳሳሊ ምቑጻር ድምጺ ጠጠው ክብል ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ ይጠልብ።
እዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ይኽእል'ዶ?
ብሮቡዕ፡ ትራምፕ ብዘይ ዝኾነ ጭቡጥ መረዳእታ ኣብቲ መረጻ ምጭብርባር ተፈጺሙ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክንኸይድ ኢና - ኩላትና ድማ ምሃብ ድምጺ ጠጠው ክብል ንደሊ" ኢሉ ነይሩ።
ዳይሬክተር ፕሮጀክት ፖሊሲ ማእከል መጽናዕቲ መረጻ ቢፓርቲሲያን ማቲው ዌል ግን "እቲ ቤት ፍርዲ መስርሕ ሕጋዊ ምቑጻር መረጻ ጠጠው ናይ ምባል ፍሉይ ስልጣን የብሉን" ይብል።
ፕሮፌሰር ብሪፏልት ብወገኑ፡ ኣብ መረጻ ዘጋጥም ቆይቊ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝውሰደሉ መስርሕ የለን ብምባል "ልሙድ ኣይኮነን፤ እንተኾይኑ ድማ ኣገደስቲ ጉዳያት ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል የረድእ።
ውጽኢት እቲ መረጻ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ፡ ነዚ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘቕርቡዎ ናይ ሕጊ ሰባት ክህልው እዮም።
ዳያኑ ድማ እቲ ውጽኢት መረጻ ዳግም ክቑጸር ክእዝዙ ይኽእሉ።

ናይ መወዳእታ ግዜ ገደብ
ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ 20 ጥሪ ሓድሽ ፕሬዝደንታዊ ስልጣን ክህሉ ይድንግግ።
"ኣብ ኣጋ ምሸት፡ ሓደ ፕሬዝደንት ዝኸውን ውልቀ ሰብ ቃለ መሓላ ከነፈጽም ይግባእ። እንድሕር ዘይሃልዩ፡ ናብቲ ናይ መተካእታ መደብና ንኸይድ" ይብል ዌል።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እንድሕር እቲ ባይቶ ኣብታ ፕሬዝደንት ቃለ መሓላ ዝፍጽመላ መዓልቲ ዘየበስር ኮይኑ፡ እቲ ሰኔት ዝመረጾ ምክትል ፕሬዝደንት፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ይኸውን።
ምኽትል ፕሬዝደንት እንተዘይሃልዩ ድማ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ባይቶ (ኣብዚ ሕጂ እዋን ዴሞክራት ናንሲ ፔሎሲ ኣላ) ቐጻሊ ዝሕሰብ ሰብ ይኸውን።

ከምዚ ዝበለ ነገር ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙ ይፈልጥ'ዶ?
ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ኣብ 2000 ዝተኻየደ መረጻ ጥራሕ እዩ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተዋሂቡዎ።
ኣብቲ እዋን ሪፐብሊካን ጆርጅ ቡሽ ምስ ዴሞክራት ኣልበርት ኣልሮንድ ጎር ተወዳዲሩ ነይሩ።
ጎር ብብዝሒ ድምጺ ክዕወት እንከሎ፡ እቲ ናይ ኢሎክቶራል ኮሌጅ ድምጺ ግን ዝተቐራረበ ኮይኑ።
እቲ ውድድር፡ ድምጺ መረጻ ዳግም ክቑጸር ዝደፋፍእ'ውን ነይሩ። ጉጅለ ጎር፡ ኣርባዕተ ግዝኣታት እቲ ዳግም ምቑጻር ድምጺ ብኢድ ክኸውን ሓቲቱ።
ጉጅለ ቡሽ ድማ ይግባይ (ግጉይ እዩ) ኢሉ። ድሕሪ ሰሙናት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆርጅ ቡሽ ተዓዋቲ ዝገብር 5 -4 ብዝኾነ ድምጺ ቅሳነ ብምሃብ ኣጽዲቑ።
በዚ ኣገባብ ቡሽ ፕሬዝደንት ኮይኑ።
ብ1876 ኣብ ዝነበረ መረጻ፡ ሓገግቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ኢዶም ሓደ ዓብዪ ጉዳይ መረጻ ሒዞም ነይሮም።
እቲ መረጻ፡ ኣብ ሞንጎ ተወዳዳሪ ዴሞክራት ሳሙኤል ቲልደንን ሪፐብሊካን ሩትፎርድ ሃይስን እዩ ነይሩ።
ኣብ ውጽኢት መረጻ ዘይተሰማምዓ ኣርባዕተ ግዝኣታት ነይረን፤ ሃይስ ክዕወት እንተኾይኑ ኣብ ኩሉ ክዕወት ኣለዎ ኢለን።
ድሕሪኡ ሓገግቲ ሕጊ ተዓዋቲ እቲ መረጻ ንክውስን ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወጻጽአ ኮሚሽን መረጻ ሰይሙ።
በዚ መሰረት ሃይስ ተዓዋቲ መረጻ ክኸውን ተወሲኑ።
ጉዳይ እቲ መረጻ ድማ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ መዕለቢ ክረክብ ክኢሉ።
ድምጺ ኢሎክቶራል ኮሌጅ
ብ1824፡ ብዝሒ ድምጺ ዝረኸበን ብዝሒ ድምጺ ኢሎክሮራል ኮሌጅን ዝረኸበ ተወዳዳሪ እቲ መረጻ ከይተዓወተሉ ተሪፉ እዩ።
ኣብ ሻድሻይ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ኣንድሪው ጃክሰን ንመነሓንሕቱ ዝነበረ ጆን ኲንሲ ኣዳምስ ብጸቢብ ውጽኢት ክስዕሮ ክኢሉ እዩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣፈጉባኤ ዝነበረ ሄንሪ ክለይ ደጋፊ ጃክሰን ኣይነበረን።
"ብልሽው ድርድር " ተባሂሉ ብዝጽዋዕ፡ ክሌይ ምስ ሓገግቲ ሕጊ ባይቶ ኣመሪካ ተደራዲሩ ኣዳም ንክዕወት ብምግባር፤ ንባዕሉ ድማ ጸሓፊ ጉዳያት ክኸውን ኮይኑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







