መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ቻይና ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ክዕወት'ያ ትደሊ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንታዊ መረጻታት ኣመሪካ፡ ንምምሕዳር ኮሚኒስት ቻይና ወትሩ ምንጪ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ቀጨውጨውታ ውዲትን ምስኮኑ'ዮም።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ወሳኒ ናይ ዴሞክራሲ ልምዲ ከም ዘለዋ ስለ ዝእመን ከኣ፡ ሰበ ስልጣን ቤጂንግ ንፖለቲካ ሃገሮም ከይጸልዎ ብቐረባ ይከታተሉዎ።
ቻይና ብመንጽር ዴሞክራሲ ክትርአ ከላ፡ 1.4 ሚሊዮን ህዝባ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ መጻኢ ንክውስን ዝሃበቶ ዕድል ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን።
ካልእ ይትረፍ ብውሑድ ኣብ ቻይና ሽፋን ሚዲያ ጥቡቕ ክትትል ዝግበረሉ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መረጻ ኣመሪካ ዋላ'ውን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ዓᎁቕ ፖለቲካዊ ፍልልይን ተኸቢቡ ዝካየድ እንተኾነ፡ ቻይና ገለ ተስፋ እትገብረሉ ነገር ከም ዘሎ ትኣምን።
እዚ፡ ነቲ ኣብ ሃገራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ለውጢ ንከምጽእ ዘይኮነ ዴሞክራሲ ሃገራት ምዕራብ ናይ ቅቡልነት ቅልውላው ከጋጥሞ'ዩ ብዝብል እዩ።
ኣብዚ ዓመት፡ እታ ኣብ ዓለም ናጻን ሃብታም ቁጠባን ተባሂላ እትስመ፡ ብውሑድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብምጉዳሉ ተሰማዕነታ ኹልፍ ክብል ተራእዩ።
ብኣንጻሩ ቻይና ዋላ'ኳ ነቲ ዝጸንሐ ድኽመታ ከየቃልዖ ተሰጊኡ እንተነበረ፡ ብስጉምቲ ሓይሊ ዝፍለጥ ባህሪ ምሕደርኣ ሰባት ብብዝሒ ክውሸቡን ክምርመርሩን ስለያ ዝተሓወሶ ክትትል ብምግባር ውጽኢት ኣምጺኡላ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩሎም ፋብሪካታት፣ ድንኳናት፣ ሬስቶራንታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ተኸፊቶም ስርሖም ጀሚሮም'ዮም።
ቑጠብኣ'ውን ኣብዚ ዓመት ኣብ ክንዲ ምንቁልቋል ዕብየት ከም ዘርኢ ተተንቢዩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዋላ'ውን ሓያል ምመያን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ንዝውሃብ ድምጺ ምዕፋን እንተሃለወ፡ እቲ ዘለዋ ለውጢ ግን ዝክሓድ ኣይኮነን።
ሓደ መሰረታዊ ነገር እዚ እዋን ድማ፡ ናይ ቻይና ፖለቲካዊ ክብርታት ለውጢ ከርእዩ'ዮም ዝብል ዘይኮነ ልዕልነታ ናብ ብራኸ ክመጽእ ድልየት ዘለዋ ምዃኑ'ዩ።
"ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዘመዝገበቶ ስትራቴጂካዊ ዓወት፡ ግሩም ኣመራርሓ ኮሚኒስት ሰልፊ ቻይና ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣርእዩ'ዩ" ክብል ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሰራሕተኛታት ጥዕና እታ ሃገር'ውን "ጀጋኑ" ኢሉ ንኢዱዎም።
እዚ መልእኽቲ እቲ ፕሬዝደንት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝስዕብ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና፣ ዝተላዕሉ ተቓውሞታት፣ ዝርገትን ዘይምስምማዕን ጎስጓሳት መረጻ ምስ ዘርእዩ ዜናታት ብምውድዳር ኣብ ነፍሲ ወከፍ እወጃ ሰዓት ዜና ሃገራዊ ቴሌቪዥን ብተደጋጋሚ ይቐርብ ነይሩ።
ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ይዕወት ብዘየገድስ፡ ብወገን ቻይና ግን ሕምብርቲ ፖለቲካ ኣመሪካ እንትሓምም፡ እታ ሃገር ኣብ መድረኽ ዓለም እተርእዮ ሓይሊ ክግደብን፣ ክብራ ክንኪን'ዩ ዝብል ጽሑፍቶ ይንበበላ ኣሎ።


እዚ ኣብ ላዕሊ እትርእዩዎ ዘለኹም ምርኢት ኢንዳስትሪ መኪና ቻይና፡ ሙሉእ ንሙሉእ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሆንግኪ SUV - ኮይኑ 550 ሽሕ የን (80 ሽሕ ዶላር) እዩ ዝሽየጥ።
ቅዲ ሊሞዚን ሶቭየት ዝኽተል ኩባኒያ ሆንግኪ ዘፍረዮ ስርሓት'ዩ።
ኣብዚ ቁጠባዊ ምትሕብባር ዘድልዮ ክፍለ ዘመን፡ ቻይና ኣብ ክንዲ ብምኽንያት እቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ወጥሪ ዘበገሶ ከጋጥማ ዝኽእል ክልሰ ሓሳባዊ ጎነጽ፡ ኣብ ልዕሊ እትኽተሎ ስርዓት ዘለዋ እምነት ዚያዳ ይምዕብል ኣሎ።
ዜጋታታ'ውን ድሮ፡ "ሃገርና ንእተፍርዮ ዕላመት ክንሕግዝ ይግባእ" ክብሉ ጀሚሮም።
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ሪቻርድ ኒክሰን ብ1972 ዓ.ም ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ፡ ዋሕዚ መካይን ኣብ ዘይነበሮም ጎደናታት እታ ከተማ ብናይ ቀደም መኪና ሆንግኪ ተዛዊሩ'ዩ።
እዚ፡ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝስጉም ክልትኣዊ ዝምድንአን ዝጸድቀሉ ካቲም ዝኣሰራሉ ምብጻሕ ኮይኑ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ፡ እቲ ፕሬዝደንት ናብ ቻይና ዝገበሮ ጉዕዞ ኣዝዩ መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ።
ድሕሪኡ ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ኣመሪካ ክብሃል ይከኣል፡ ምስ ቻይና ዝግበር ዝምድና ንቻይናን ዓለምለኻዊ ኮርፖሬሽናትን ጥራሕ ዘይኮነ ንኣመሪካን ንመላእ ዓለምን ዝጠቅም'ዩ ዝብል ርድኢት ክሕዙ ገይሩ'ዩ።
እዚ፡ ቻይና ናብ ውሽጢ ዓለምለኻዊ ሊበራላዊ ስርዓት ክትኣቱን ፖለቲካዊ ምምሕያሽ ክትቅበልን ምትብባዕ ዝፈጥረላ ክኸውን'ውን ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ።
ንቻይና ግን ዝከኣል ኣይኮነን፤ ከቢዱዋ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዓለም ጸብለል ኢለ ክርኣይ ዝኽእል ብናይ ባዕለይ መገዲ'ዩ ኢላ ሓንጊዳ።
ኣብ እዋን መረጻ ኣመሪካ 2016 ድማ፡ ኣብ ዓለም ካልአይቲ ወናኒት እቲ ዝዓበየ ቁጠባን ዓባይ ለኣኺት ምህርታትን ኮይና።
እንተኾነ፡ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት እታ ዝለዓለ መቊሕ ሓደ ዓሌትን ዓብዪ ስርቂ ኢንዳስትራሊያዊ ሚስጢራትን እትንቀፍ ሃገር እያ።
ኣመሪካ ምስ ቻይና ዝነበራ እናዓበየ ዝመጽአ ርክብ ዝተበተኸሉን ካቲም ምሕዝነተን ዝተደርበየሉን ዓመት ድማ፡ ኣብ ግዜ እቲ ንመረጻ 2016 ዝግበር ዝነበረ ጎስጓስ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ ናይ መጀመርታ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ናጻ ንግዲ ኣመሪካ ጠላዕ እናተጻወተት ብቑጠባ ክትዕብልል ከም እትደሊ ከሲሱ።
ንዕድላት ስራሕ ዝምልከት'ውን፡ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ካብቲ ዝነበሮም'ውን ከፊኡዎም ኢሉ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ምስ ቻይና ዝኣተዎ ኲናት ንግዲ፡ ሕነ ክፈዲ'የ ብምባል 362 ቢሊየን ዶላር ዝዋግኦም ፍርያት ብመቕጻዕቲ ቐረጽ ከም ዝፋርዶም ተሓንዩ።
ኣብዚ ዓመት ድማ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ተወሳኺ እቲ ክፈጥረላ ዝደሊ ቑጠባዊ ጸቕጢ ብምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ እገዳ ክገብረላ ወሲኑ።
ንሓደ ኣብ ምርኢት መኪና ቻይና SUV ንዝረኸብናዮ ሓደ ዜጋ፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ክዕወት ትደሊ? ክንብል ሓቲትናዮ።
"ባይደን፤ ንትራምፕ ኣይፈትዎን" ኢሉና።
"ንቻይና ጸቕጢ ስለ ዝገብረላ ድዩ?
"ብዝተወሰነ መልክዑ እወ። ብቐንዱ ግን ጽሉል'ዩ ዝመስለኒ"።

መራሕቲ ቻይና፡ ብግዝኡ ዴሞክራሲ ኣመሪካ ማሕሚሑ'ዩ ዝብል ግምት ክህልዎም ይኽእል'ዩ።
ግን ንመን ከም ዝደልዩ እንተዝሕተቱ፡ ዶናልድ ትራምፕ ተዓዊቱ ክቕጽል'ዶ ይደልዩ ይኾኑ?
ብርግጽ፡ ገምጋም ኣካላት ስለያ ኣመሪካ ትራምፕ ክትግምቶ ስለ ዘይትኽእልን ኣብ ልዕሊ ቻይና ከቢድ ነቐፌታ ስለ ዘስምዕን ኣመራርሓ ሰልፊ ኮሚኒስት ቻይና ክስዓር እዮም ዝደልዩ ኣብ ዝብል ውሳነ በጺሖም'ዮም።
ዲን ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ ርክባት ዩኒቨርሲቲ ቺንግዋ ፕሮፌሰር ያን ዡቶንግ ግን፡ በዚ ኣይሰማማዕን።
"ድልየት ቻይና ኣበይ ከም ዘሎ እንተተሓቲተ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር፡ "ቻይና፡ ካብ ባይደን ንላዕሊ ንትራምፕ እያ ትመርጽ። እዚ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ረብሓ ቻይና ከውርዶ ዝኽእል ሃሰያ ካብ ባይደን ዝወሓደ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ካብ ባይደን ንላዕሊ ንኣመሪካ ከጥፍኣ ዝኽእል ንሱ ስለ ዝኾነ'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ቻይናውያን ተዓዘብቲ'ውን፡ ኣመሪካ ብቑጠባን ፖለቲካን ክተንቆልቁል ምርኣይ ቀንዲ ረብሓ ጽልውኣ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቻይና እዩ ይብሉ።
ገሊኦም ከኣ፡ ፍጻመ ዓለምለኻዊ ዓብላልነት ኣመሪካ ቅድሚ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ፕሬዝደንት ትራምፕን ዝተግሃደ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ይዛረቡ።
በዚ መንጽር፡ ቻይና ንትራምፕ እያ ክትመርጽ፤ እዚ ንዴሞክራሲ ብዘለዎ ሓሳባት ዘይኮነ ንቻይና ከትሕታ ወይ'ውን ክነጽጋ ስለ ዝርኣይ።
ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንጽነት ፕሬስ ኣብ ዘቕርቦ ነቐፌታ ንቻይና መሪር ሓቂ ዘይኮነ ከም ጥዑም ሙዚቃ እተጠዓዕሞ ዘይኸብዳ ክሲ'ዩ።
ብተወሳኺ ምምሕዳር ኣመሪካ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክኸሳ እንከሎ፡ እዚ ኣብ ንግድን ቁጠባዊ ረብሓን ካብ ዘለዎ ጸቢብ ርድኢት ዝነቐለ'ዩ ክትብል ትነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ትራምፕ ዝነበረ ጆን ቦልተን፡ ኣብ ሓደ እዋን ትራምፕ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኡግሁር ትፍጽሞ ኣረመናዊ ተግባር ልክዕ'ዩ ኢሉ ንፕሬዝደንት ጂዢ ጂንፒንግ ከም ዘረጋገጹ እኳ እንተገለጸ፡ ትራምፕ ግን ኣይቕበሎን።
ትራምፕ፡ ጆ ባይደን ኣብ ሕሉፍ ምስ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ንግዲ ክህሉ ገይርካ ኢኻ ኢሉ እንተነቐፎ'ውን፡ ብተዛማዲ ባይደን ንዴሞክራሲያዊ ክብርታት ብዘለዎ መርገጺ ቻይና ካብ ትራምፕ ንላዕሊ ዘስግኣ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ባይደን ኣመሪካ ምስ ዓለምለኻዊ ልፍንቲ ብምትሕብባር ቻይና ኣብ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ለውጢ ከተምጽእ ጸቕጢ ከሕድር ከም ዝደሊ ይፍለጥ።
ክርስቲያን ጂ፡ ግዳይ ገለ ኣመሪካውያን ሙሁራት ጽልኢ ጓኖት ኢሎም ዝገልጹዎ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራ ዝኣትው ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝወሰደቶ ስጉምቲ'ዩ።
ኣብ ኣሪዞና ኮምፒዩተር ሳይንስ ንከጽንዕ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ'ዩ ናብ ኣመሪካ ኸይዱ።
ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ ኣመሪካ ምስ ወተሃደራዊ ጉዳይ ምትእስሳር ኣለወን ካብ ዝበለተን ዩኒቨርሲቲታት ዝመጽኡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቻይናውያን ተመራመርቲ ናብ ሃገራት ዝኣትውሉ ቪዛ ስለ ዝኸልከለት፡ ክሪስቲያን ጂ'ውን ረኺቡዎ ዝነበረ ፍቓድ ተመንጢሉ።
እዚ ብዲግሪ ንዝመሃሩ ንምትራፍ ዝተዋህበ መምርሒ ኣብ ልዕሌኻ ብጌጋ ዝተፈጸመ'ዩ ተባሂሉ ድማ ድሒሩ እቲ ፍቓድ መሊሱ ክረክብ ተገይሩ።
እንተኾነ፡ በዚ ተጓንፎ ተቖጢዑ ንትራምፕ እንተጸልኦ'ውን ንኣመሪካ ዘለዎ ኣረኣእያ ግን ኣይተቐየረን።
"ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኩነታተ እይፈትዎ'የ። ብኽለት ትሕቲ ኣብ ቻይና ዘሎ'ዩ፤ ትምህርቲ ድማ ዚያዳ ኣብ ኣተሓሳስባታት ትኹረት ዝገበረ ብምዃኑ ንኣመሪካ ይመርጽ። ኣብ ቻይና ግን እዚ ልክዕ፣ እዚ ከኣ ጌጋ እናተብሃልካ ኢኻ ትመሃር" ኢሉ።

ቻይና፡ ምዕራባዊ ዴሞክራሲ ኣብ ቅልውላው ጥሒሉ'ዩ ዝብል እምነታ እናዓበየ እንተመጽአ'ውን፡ ኣብዚ ዘለው ግን ንክብርታት ኣመሪካ ሕጂ'ውን ክብሪ ኣለዎም።
ብሱሩ ግን፡ ኣመሓደርቲ ቻይና ቅብኣት ዴሞክራሲ ኣመሪካ እናሃሰሰ'ዩ ዝብሉ እንተኾይኖም፡ ብኸመይ ድኣ ብ2018 30 ዕጽፊ ኣብ ቻይና ካብ ዘለው ኣመሪካውያን ተመሃሮ 360 ሽሕ ቻይናውያን ተመሃሮ ኣብ ኣመሪካ ክርከቡ ክኢሎም?
ቻይና፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ክትዕወት ምኽኣላ፡ ረብሓ እቲ እትኽተሎ ስርዓት እትሰብከሉ ፕሮፖጋንዳ እንተጀመረት'ውን፡ ዘጃህር ኣይኮነን።
እቲ ምንታይ ብውሑድ ከም ጃፓን፣ ኒውዝላንድን ደቡብ ኮርያን ዝበላ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት'ውን ክቆጻጸርኦ ክኢለን እየን።
እተን በዚ ለበዳ ዝፍተና ዘለዋ እንተኾና'ውን፡ ካብቲ ዘጋጠመን ግድል ተማሂረን ዝሓሸ ነገር ዝሰርሓሉ ተስፋ ኣሎ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ወሲኾም፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ካብ ዘሎ ድልየት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝግበሩ ስራሕቲ እንተኽበዱዎ'ውን፡ ሰባት "ገዝኦም መቝሕ ኢድ ዝኾኖም" ዝገብር ስርዓት ግን መርኣያ ጥዕና ሕብረተሰብ ክኸውን ኣይኽእልን ይብሉ።
ስለዚ፡ ቻይና እቲ ቫይረስ 'ብዙሕ ዋልታ' ዓለም ደፊኡ ንከመይመጽአኒ ይሕግዘኒ እዩ ዘሎ ዝብል እምነት ብምሓዝ፡ ምልኪ ምስ ዴሞክራሲ ማዕረ ዋጋ እናሃበት ጎብለል ክትከውን ትምነ ትህሉ።
እቲ ሊበራላዊ እምነት ዘለዎ ፕሬዝደንት ኣመሪካ'ውን ዋላ'ውን ንሓጺር ግዜ ክጠቕመኒ ትብል።
ግን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝቕመጥ ታሪፍ ልስልስ ክብልን ኣብ ከም ክሊማዊ ለውጢ ዝበሉ ጉዳያት ተሓባባሪ ክኸውንን ከም ዝህቅን ዝዛረብ ጆ ባይደን ከኣ፡ ምስ ቻይና ዝህሉ ሓይሊ ሚዛን ሓልዩ እቲ ኩነታት ናብ ረብሕኡ ከውዕሎ ይኸውን።
መራሕቲ ቻይና ግን፡ እብረ እቲ መረጻ ዘይኮነ መወዳእታ መዋእል እታ ናይ ስልጣን ግዜ እዮም ዘስተንትኑ።
ልዕሊ እቲ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ብጽሒት ኣምበሳ ሒዛ ዳግም ድሙቕ ኣንጸባራቒ ዓወታት ክትሓፍስ ምርኣይ ዘፍርሖም ነገር የለን።
ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ይዕወት ግን፡ ዜጋታት እታ ሃገር 3 ሕዳር 2020 ብዝህቡዎ ድምጺ ክርኣይ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







