'ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻይና 'ቲክቶክ' ኣብ ቀረባ መዓልቲ ስጉምቲ ክወስድ እዩ'

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ናይ ቻይና ሶፍትዌር 'ቲክቶክ' ኣብ ቀረባ መዓልታት ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ተዛሪቡ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ቲክቶክ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ 'ሃገራዊ ናይ ድሕነት ሓደጋ' ዘስዕብ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

እቲ ቪድዮ ዝጥቀዓሉ 'ቲክቶክ' ዝበሃል መተግበሪ፡ ሓደ ካብቶም "ንኮሚዩኒስት ሰልፊ ቻይና ብቐጥታ ሓበሬታታት ዝምግቡ እዩ" ኢሉ ፖምፒዮ።

ትራምፕ ቅድም ኢሉ፡ ንቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ከኣጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ።

ኩባንያ ቲክቶክ ግን፡ ነቲ ብኮሚዩኒስታዊ ሰልፊ ቻይና እዩ ዝመሓደር ከምኡ ድማ ሓበሬታ የቕርብ እዩ ዝብል ክሲ ነጺግዎ እዩ።

ምስ መደብር ዜና ፎክስ ኒውስ ቃለመሕተት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፡ ኣብ ኣመሪካ እናሰርሑ ንመንግስቲ ቻይና ሓበሬታ ዝህቡ "ሓያሎ" ኩባንያታት ኣለዉ ኢሉ።

ካብ'ቲ ንመንግስቲ ቻይና ዝሓልፍ ዘሎ ሓበሬታታት ድማ፡ መልክዕ ሰባት ንምልላይ ዘገልግሉ ሓበሬታታት፣ ኣድራሻታት፣ ቁጽሪ ቴሌፎንን ካልኦትን ከምዝርከብዎም ፖምፒዮ ተዛሪቡ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ 'ይኣክል' ኢሉ ኣሎ፡ ክነዐርዮ ኢና ድማ" ኢሉ ፖምፒዮ።

ትራምፕ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ልዕሊ 80 ሚልዮን ወርሓዊ ተጠቀምቲ ዘለውዎ 'ቲክቶክ' ኣብ ኣመሪካ ክእግዶ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

ቲክቶክ፡ መብዛሕትኦም ትሕቲ 20 ዝዕድሚኦም ሰባት ዝጥቀሙሉን ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝመሓደርን እዩ።