ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ ህንዲ ምዕቡላት ነፈርቲ ኵናት ዓዲጋ

ነፋሪት ኩናት

ምንጪ ስእሊ, Indian Air Force/Twitter

ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ፡ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ‘ራፋል’ ዝተሰመያ ምዕቡላት ነፈርቲ ኵናት ብ ፈረንሳ ተረኪቡ።

ህንዲ ኣብ 2016፡ 36 ምዕቡላት ነፈርቲ ኵናት ካብ ፈረንሳ ክትዕድግ ኣብ ስምምዕ በጺሓ ነይራ’ያ፡ ምምጻእ ናይዘን ነፈርቲ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ህንዲ ነቲ ናይ እዋን ሕብረት-ሶቬት-ነበር ኣጽዋር ዝተዓጥቐን ዝደክም ዘሎን ሓይሊ ኣየራ ዘመናዊ ሰራዊት ንምግባር ኣብ ምስራሕ እያ ትርከብ።

ክኢላታት እዘን ነፈርቲ ግን፡ እዘን ሕጂ ኣእትያተን ዘላ ራፋል ዝዓይነተን ነፈርቲ ኵናት፡ ኣብ እዋን ኵናት በተግ ኢልካ ከተበግሰን እትኽእል ከምዘይኮና እዮም ዝሕብሩ።

ጃጓር ዝዓይነተን ጭፍራ ነፈርቲ ኵናት ናብ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ክመጽኣ እንከለዋ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ዝነበረ ፕራናብ ኩማር ባርቦራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት "ምምጻእ ነፈርቲ ኵናት ራፋል ዓቢ ዕድል ምዃኑ ብምሕባር “ንዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ህንዲ ኣዝዩ ዘጎልብት’ዩ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እንተኾነ እዘን ነፈርቲ ናብ ምሉእ መዓላ ንኽውዕላ ግዜ ከድሊ እዩ፡ ሎጂስቲካዊ መስመር ክስራዕ ኣለዎ፡ ኣብረርተን ቴክኒካዊ ስልጠናታት ክወስዱ ኣለዎም ብዓቢኡ እቶም ኣብ መሬት ኮይኖም ጽገናዊ ሓገዛት ዝህቡወን ክኢላታት’ውን ከነሰልጥን ኣለና” ኢሉ።

ፕራናብ ኩማር ባርቦራ፡ እዘን ሓደሽቲ ጭፍራ ነፈርቲ ኵናት ኣብ ምሉእ መዓላ ንኽውዕላ ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስደሎም ከምዝኽእል ብምሕባር፡ እተን ካብ ፈረንሳ ዝመጽኣ ነፈርቲ፡ 18 ምስ ኮና ምሉእ ኣገልግሎት ክህባ ከምዝጅምራ ድማ ሓቢሩ።

እተን ካብ ፈረንሳ ክዕድጉውን ዝተሰማምዑ ምዕቡላት ነፈርቲ ኵናት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምሉእ ንምሉእ ከምዝቕበሉወን’ውን ሓቢሩ።

እዘን ኣብ ፈረንሳ ዝተሰርሓ ነፈርቲ ካብ ፈረንሳ ብሰኑይ ብምብጋስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንሳብ ብምዕላብ እየን ናብ ህንዲ ኣትየን፡ እዘን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዓቕሚ ዘለወን እየን።

ህንዲ ምስ ፓኪስታንን ቻይናን ዶባዊ ምስሕሓብ ስለዘለዋ፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ኵናት ምዕጣቕ ከምዘድልያ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ።