ዊኒሰተን ቸርችል፡ ህንዳውያን ዝኸስዎ ጅግና ብሪጣናያውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብዛዕባ ዊኒስተን ቸርችል ብንእሽተይ እየ ክምሃር ጀሚረ፡ ኣብ ናይ ኢኒድ ብልይቶን መጽሓፍ ዘላ ገጸባህሪ ኣብ ልዕሊ ዊኒሰተር ቸርችልን ምምሕዳሩን ዘለዋ ኣድናቆት ንምግላጽ ስእሉ ብዓቢ ኣብ ስራጋላ (ከብሒ) ኣንቢራቶ ትረአ።
ምስ ዓበኹን ብዛዕባ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክሓትትን ከንብብን ምስ ጀመርኩ ግን ህንዳውያን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒሰትር ብሪጣንያ ነበር ዊኒስተን ቸርችል ዘለዎም ኣርዳድኣ፡ ክልተ ጫፋት ምዃኑ ክርዳእ ክኢለ።
ጎኒ ጎኒ እዚ፡ ኣብ'ቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ሕጊ’ውን ንሓድሕዱ ዝጋጮ ርእይቶታት እዩ ዘሎ።
ገለ፡ ብሪጣንያዊ መግዛእቲ ንህንዲ ብዙሕ ከምዝገበረላ እዮም ዝማጎቱ፡ መንገዲ ባቡር፡ ኣገልግሎት ቦስጣ ኣታኣታትዩ ድማ ይብሉ።
“እዚ ዝገበርሉ ንጥቅሞም ክብሉ’ዮም፡ ንህንዲ ዘዘሚቶም ግን ድኻ ሃገር እዮም ገይሮማ” ዝብሉ ድማ በቲ ሓደ ወገን ኣለዉ።
ዓባየይ ኣንጻር እቲ ‘ጨካን መግዛእቲ ብሪጣንያ’ ኢላ እትገልጾ እዋን ዊኒስተን ቸርችል ንምቅዋም፡ ሰለማዊ ሰልፊ ንዝወጽእሉ ዝነበሩ ግዜ ከትዕልለኒ እንከላ ነቲ እዋን ብወኒ እያ ትዝክሮ።
ብኣንጻሩ ኣብቲ ግዜ ብምዕራባውያን ወይ ድማ ብሰብ ጸዓዱ ቆርበት ዝብሃልን ዝግበርን ዝነበረ ኩሉ ቅኑዕ ገይርካ ይውሰድ ከምዝነበረ ኣይሓብኣትለይን፡ እቲ ሽዕኡ በቶም ገዛእቲ ሓይልታት ዝተተኸለ ኣተሓሳስባ ድማ ንርእሰ ተኣማንነት ህንዳውያን ባሕጉጒዎ እዩ።
ህንዲ ናጽነታ ካብ ትእውጅ 73 ዓመታት ገይራ ኣላ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት ድማ ብዙሕ ነገር እዩ ተቐያይሩ።
ሓደሽቲ ወለዶታት ህንዲ፡ ንህንዲ ኣብ ዓለም ስማ ንኸጉልሑ ኣብ ምስራሕ እዮም ዝርከቡ፡ ንሕሉፍ ኣመልኪቶም ኣብ ዝዝትይሉ ግን ወትሩ ሕቶ ምስ ኣልዓሉ እዮም።
ብዛዕባ እቲ ኣብ 1943 ዘጋጠመ ብዓጸቦ ቤንጋል ዝፍለጥ እዋንን ብዛዕባ እቲ ጸሊም እዋን መግዛእቲ ዝኹንን ነገራት ንምንታይ ዘየሎ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1943 ብውሕድ ሰለስተ ሚልዮን ህንዳውያን’ዮም ብዓጸቦ ሞይቶም። እዚ ቁጽሪ ንምንጽጻሩ መታን ክጥዕም፡ ሽዱሽተ ዕጽፊ ናይቲ ብሪጣንያ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝኸደረቶ ዓቕሚ ሰብ እዩ።
ንካልኣይ ኵናት ዓለም ዝሰዓራን ዝተስዓራን ሃገራት፡ ዓመት ዓመት እየን ዝዝክረኦ፡ እቲ ብሰንኪ ሶንኮፍ ኣተሓሕዛ መግዛእቲ ብሪጣንያ ዘጋጠመ ህልቂት ህንዳውያን ዘስዓበ ዓጸቦ ቤንጋል ግን ዝተረሰዐ እዩ ዝመስል።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሬሳታት ዝቐብሮ ስኢኑ ኣብ ገማግም ወሓይዝ ይድርበ ከምዝነበረን ኣኻልብ ይበልዕዎ ከምዝነበሩን እዮም ዝምስክሩ፡ እቲ ብሂወት ዝተረፈ ነቶም ዝሞቱ ክቐብር ዝኽእል ዓቕምን ሓይልን ኣይነበሮን።
እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ናብተን ኣብ ከባቢኦም ዝነበራ ከተማታት ብምኻድ ኣብ ኣለሻ ምግቢ እዮም ኣትዮም።
ኣብቲ እዋን ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዝነበረ ካብ ውትህድርና ጥሮታ ወጺኡ ኣብ ምውሳእ ዝነጥፍ ዘሎ ሱሚትራ ቻተረጅ “ኣብቲ እዋን ዝርኣኻዮ ሰብ፡ ስግኡ ተወዱኡ ኣስክሬኑ ብዘይ ስጋ ብቆርበት ጥራይ ዝተሸፈነ እዩ ዝመስል” ይብል።

“ሰባት ዙቋቕ ናይ ሩዝ ንኽልምኑ ንብዓቶም ዘሰንይሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ የብሉን፡ ሩዝ ክህበካ ዝኽእል ሰብ ኣይትረክብን ኢኻ፡ ክዝክሮ እንከለኹ ዋላ ሕጂ’ዩ ንብዓት ዝስዕረኒ” ድማ ይብል።
ኣብ ቤንጋል ኣብ 1942 ዘጋጠመ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዕልቕልቕ እዩ ነቲ ኣብ 1943 ዘጋጠመ ዓጸቦ መበገሲ ኮይኑ።
እንተኾነ፡ ዊኒስተን ቸርችልን ካቢነ ሚኒሰተራቱን እቲ ድርቂ ዝያዳ ክብእስ እጃሞም ኣበርኪቶም ተባሂሎም እዮም ዝኽሰሱ።
ያሲም ካሃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ተመራማሪ ታሪኽ እዩ።
“እቲ ብብሪጣንያ ዝውሃብ ‘ተመኽንዮ ኣሉታዊ መልሲ’ ጃፓን ብቡርማ ኣቢላ ከይትወረና ንፈርሕ ስለዝነበርና’ዩ ዝብል እዩ” ይብል።
ያሲም ካሃን ብምስዓብ “እቲ ሓሳብ፡ ኩሉ ነገር እዩ ሓመዱ ብላዕሊ ኮይኑ፡ ዘራእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ እተን ሓገዝ ከምጽኣ ዝኽእላ ዝነበራ ጃላቡ’ውን ዓንየን እየን፡ እቲ ምኽንያት ድማ ጃፖናውያን ንህንዲ ምስ ዝቆጻጸርዋ ግዝኣቶም ንኸስፋሕፍሑ ዝኾነ ሓጋዚ ነገር ክጸንሖም የብሉን ዝብል እዩ ነይሩ፡ ነቲ ብዛዕባ ዓጸቦ ቤንጋል ዝውሃብ ‘ተመኽንዮ ኣሉታዊ መልሲ’ ወይ ምንጻግ ድማ ኣብዚ ዛዕባ እዚ ኣእትዮም እዮም ብኢጣንያውያን ዝገልጽዎ” ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ህንዲ ዝነበሩ ካብ ዝጽሓፍዎ መዘክር፡ ንዊኒስተን ቸርችል መግቢ ናብ ህንዲ ክሰድድ ዘቕርብሉ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ኣብ ብሪጣንያ ቀረብ መግቢ ከይጎድልን መግቢ ዝጽዕና መራኽብ ናብቲ ናይ ኵናት ዞባ ምስዳድ ፈሪሑ ከምዘይገበሮ ብምጥቃስ፡ ዊኒሰተን ቸርችል እቲ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ዓጸቦ በቶም ንህንዲ ዘማሓድሩ ዝነበሩ ሰባት ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዝነበሮ ኣብ ጽሑፋቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።
እቲ በቶም ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ህንዲ ዝተጸሓፈ መዘክራት፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ዊኒስተን ቸርችል ኣብ ህንዲ ዝነበሮ ኣረኣእያ’ውን ኣጉሊሕዎ እዩ።
መንግስታውያን ኣካላት ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ዓጾቦ ንምምይያጥ ኣብ ዝተኣከብሉ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዋና ጽሓፊ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ልዮፐድ ኣመሪ ዊኒሰተን ቸርችል ናብ ህንዲ ዝውሃብ ሓገዝ ብምባል ዝተወሃበ ሓገዝ ተዋሂብዎም ክኣኽሎም ኣይክእልን’ዩ ምባሉ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ያሲም ካሃን “ዊኒሰተን ቸርችል ነቲ ዓጸቦ ፈጢርዎ ኢልና ክንከስሶ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል “ክገብሮ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ነይሩ እዩ ክገብሮ ግን ኣይክኣለን። ቅድሚ ህንዳውያንን ደቡብ ኤስያውያንን፡ ንጻዓዱ ቀዳምነት ስለዝሃበ ሓደ፡ ኣብቲ ንሱ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ካልኣይ ኵናት ዓለም ሚልዮናት ህንዳውያን ወተሃደራት ኣሰሊፉ ስለዝነበረ ድማ ከም ካልኣይ ነቲ ድኽመታቱን ኣድልውኡን ጉሉሕ ይገብሮ” ይብል።
ገለ ሰባት ነቲ ዊኒስተን ቸርችል ብዛዕባ ህንዲ ዝተዛረቦ [‘ህንዳውያን ከም ማንቲለ እዮም ቀቀልጢፎም ዝወልዱ’] ዝብል ኣጸያፊ ርእይቶ ከም ቅቡል ወሲዶም ንህንዲ ንምሕጋዝ ብሰንኪ እቲ ሽዕኡ ዝነበረ ካልኣይ ኵናት ዓለም እዩ ደንጉዩ’ምብር ዝከኣሎ ፈቲኑ’ዩ ብምባል ንሚዛን ናይቲ ሕሉፍ ታሪኽ ከመዓራርይዎ ይፍትኑ።
እንተኾነ፡ ሚልዮናት ህንዳውያን ብሰንኪ ናቱ ዝሕታለ ህይወቶም ሓሊፉ እዩ፡ ብውሕዱ እቲ መሰረታዊ ነገር ዝኾነ ንመድሕን ህይወት ዝኸውን ቀረብ ናይ መግቢ’ውን ክቶኽቦሎም ኣይክኣለን ይብሉ።
ኣርቺባልድ ዋቨል ኣብቲ እዋን ዓጸቦ፡ ወኪል ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ቤንጋል ዘጋጠመ ዓጸቦ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዓባይ ብርጣንያ ዘጋጠመ ዝኸፈአ ዕንወት ደቂ ሰባት ኢሉ’ዩ ገሊጽዎ።
ኣርቺባልድ ዋቨል እቲ ዕንወት ኣብ ጽቡቕ ስም መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘንበሮ ጸሊም በሰላ እዚ ኢልካ ክግመት ዘይክኣል ምዃኑ እዩ ዝገልጾ።
እቶም ነቲ ዓጸቦ ሰጊሮም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ክስተት ክሳብ ሕጂ ብሕርቃን እዮም ዝዝክርዎ።
ሳውማቲታ ቻተረጅ “ኣነ ብወገነይ ዓባይ ብሪጣንያ ንህዝቢ ህንዲ ይቕሬታ ዝሓተሉ እዋን ሕጂ እዩ” ብምባል ብዙሓት መሰልቱ ከምኡ ሓሳብ ከምዘለዎም ይጠቅስ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ‘እዚ ይምልከተና’ዩ’ ዝብሉ’ውን መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ ንህዝቢ ቤንጋል ብፍላይ፡ ንህዝቢ ህንዲ ድማ ብሓፈሻ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ‘Black Lives Matter’ ዝብል ምንቅስቃስ ዝግብር ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ማእከል ለንዶን ዝነበረ ሓወልቲ ዊኒስተን ቸርችል በቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ተበላሽዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቶም ነዚ ዝገበሩ ሰባት ድማ ነቲ ኣብ 1943 ኣብ ቤንጋል ዘጋጠመ ሚልዮናት ህንዳውያን ዝቐዘፈ ዓጸቦ፡ ዊኒሰተን ቸርችል መጠን ሞት ህንዳውያን ክገትኦ እናኽኣለ ኣይገበሮን ብምባል እዮም ንሓወልቱ ብምብልሻው ቁጠዐኦም ገሊጾም።
ሳውማቲታ ቻተረጅ ኣብ ምብልሻውን ምፍራስን ሓወልቲ ተገዳስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ “ኣብ እግሪ እቲ ሓወልቲ ተነቢሩ ዘሎ ጽሑፍ ግን ምሉእን ሓቀኛ ታሪኽ ዊኒሰተን ቸርችል ክኸውን ኣለዎ” ይብል።
ንሱ ብምስዓብ “ዊኒሰተን ቸርችል ጅግና ካልኣይ ኵናት ዓለም እዩ ነይሩ እዚ ሓቂ እዩ፡ እንተኾነ ንሞት ናይቶማ ብዓጸቦ ቤንጋል ኣብ 1943 ዝሞቱ ሚልዮናት ህንዳውያን እውን ተሓታቲ እዩ፡ እዚ ከኣ ኣብቲ ጽሑፍ ክሰፍር ኣለዎ፡ እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ዝባን ብሪጣናያውያን ክስነድ ኣለዎ” ይብል።
ብሓቂ ንሕሉፍ ታሪኽ ብመንጽር ሕጂ ዘለናዮ ክንመዝኖ፡ ክንርእዮን ክንፈርዶን እነተፈቲንና ዓለም ብዘይ ጀጋኑ’ያ ክትተርፍ።
እቲ ኣብ ልቢ ኩሎም ህንዳውያን ዓቢ ቦታ ዘለዎ መራሒ ቃልሲ ናጽነት ህንዳውያን ዝኾነ ማሃንዳስ ጋንዲ’ውን በቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ይሕመ እዩ።
እንተኾነ ንኹሉ ታሪኽ ከይተቐበልካን ዝነበሮ ጌጋታት ከየዐረኻን ምዕባለ ከተመዝግብ ኣይትኽእልን ኢኻ።
እታ ብህጻነይ ዘንብባ ዝነበርኩ ተምሳጥ ዝፈጠረትለይ ብኢነዲ ብልይቶን ዝተደረሰት መጽሓፍ፡ ድሒራ ዓሌታዊት መጽሓፍ ምዃና እየ ተረዲአ፡ እዚ ግን ምስ ዓበኹ’ዩ።
ስለ'ዚ ኣብታ መጽሓፍ ዝነበሩ ኩሎም ዛንታታት በዚ ሕጂ ዘለኒ ኣተሓሳስባ ክድርብዮም ድየ ዘለኒ? ኣይፋለይን።
ኣይፋለይን! እቶም ጽቡቓት ተዘክሮታት ግዜ ህጻንነተይ በዚ ሕጂ ዘለኒ ኣተሓሳስባ ተቐቢኦም ኣይድብኑን’ዮም።
እንተኾነ ዛንታ እዮም ኢለ ናብ ደቀይ ኣይሕፎምን’የ፡ ምኽንያቱ ደቀይ ሚዛኖም ዝሓለዉ መጻሕፍቲ ከንብቡ’የ ዝደሊ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







