ኮሮናቫይረስ፡ ውጽኢትን ብድሆታትን ትምህርቲ 'ኦንላይን' ብዓይኒ ኤርትራውያን መማህራን

ኮሮና ቫይረስ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልኦት ዓይነት ቫይረስ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ስለዝተላብዐ ዳርጋ ንጥፈታት መላእ ዓለም ንክድስክል ኣገዲዱ'ዩ።
እቲ ለበዳ ሃንደበት ስለዝተኸስተን ብቕልጡፍ ናህሪ ስለዝተዘርገሐን ነተን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ከይተረፋ ዘዕግብ ቅድመ ምድላዋት ከይገበራ ኣብ ዕጽዋን ሸበድበድን አእትዩወን።
ምስቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርትን፡ መዕርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ከይግበር፡ ሰባት ከም ዝለመድዎ ከይዛወሩን ንስድራ-ቤቶም ከይበጽሑን ተኣጊዶም። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላትን እውን ካብ ገዛ ክሰርሑ ተወሲኑ።
ማእከል ትምህርትን ምርምርን ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲን ዩኒቨርስታት'ውን ቅድመ ምድላዋት ከይገበራ ብሃንደበት ተዓጽየን።
እቲ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ መድሃኒት ይኹን ክታበት ዘይብሉ ቫይረስ ኣብ ገዛ ምዕጻው ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ትምህርቱ ክከታተል ተገዲዱ። መምህራን እውን ካብ ገዛ ክምህሩ ተቐሲቦም።
እቶም ምስ ተምሃሮኦም ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዝምህሩን መጽናዕትታት ዘካይዱን ዝነበሩ መምሃራን፡ ኣብተን እኹልን ቅልጡፍን ትሕተ ቅርጺ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራ ብመገዲ ኢንተርነት ክምህሩ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, zoom
ዘመነ ተኽኖሎጂ
እቲ ለበዳ ኣብ ዘመነ ሓበሬታን መራኸቢታት ቴክኖሎጂን ብምምጽኡ ብዙሓት ሰባት፡ ብመገዲ ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ክራኽቡን ስርሖም ከሳልጡን ክኢሎም።
ዋላ'ኳ ከምቲ ዝግባእ እንተዘይኮነ፡ ተምሃሮ ብመጠኑ ትምህርቶም ክከታተሉን ክኢሎም ኣለው። እዚ ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ሂወት ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዘይርሳዕ ነባሪ ጽልዋ ኣትሪፉ'ሎ።
እቶም ንቕሓትን ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ዝነበሮም ተምሃሮን መምሃራንን፡ በዚ ለበዳ ከይተሰናኸሉ ዓቕሞም ክሕይሉን ትምህርቶም ክከታተሉን ይፍትኑ ኣለው። በዚ ምኽንት እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንዓለምና ናብ ሓዲሽ መድረኽ ትምህርትን ስራሕን ኣሰጋጊርዋ ይርከብ።
እንተኾነ ግን፡ ክንደይ ሰባት እዮም ነዚ ለበዳ ተዳልዮሙሉ ጸኒሖም፡ ክልተ ኤርትራውያን መምሃራን፡ ዶ/ር ክፍለማርያም ኣብርሃም ካብ ካቶሊካዊት ዩኒቨርሲቲ ኬንያ፡ ሓላፊ ክፍልን መምህር ቢዝነስ ማነጅመትን ማርኬቲን ከምኡ እውን መምህር ጸጋይ ገብረሂወት ካብ ለንደን ተመኩሮኦም ኣካፊሎምና ኣለው።
ዶ/ር ክፍለማርያም፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኩሉ ዓውድታት ህይወት፡ ማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ኣብ ቁጠባ ከምኡ'ውን ኣብ ዓወደ ትምህርቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዝገበረ ይገልጽ። እቲ ጽልዋ፡ ብክልተ ነገራት ክረኣ ከምዘለዎ'ውን ይሕብር።

እቲ ቀዳማይ ጽልዋ ዝበሎ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሓዲሽ ዕድላትን ሓዲሽ ኣተሓሳስባን ማሃዝነትን ዘደንፈዐ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ቫይረስ ሒዝዎ ዝመጽአ ብድሆታትን ጸገማትን ማለት "ካብ ንቡር ናብ ሓዲሽ ንቡር" ስለዘሰጋገረ ቀሊል ዘይምዃኑ ይዛረብ።
ኣብ ለንደን ዝምህር መምህር ጸጋይ ብወገኑ፡ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ምምህርና ከምቲ ልሙድ ስለዝነበረ ንተምሃሮ ክትቆጻጸሮምን ክትከታተሎም ዝሓሸ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ለበዳ ሓዲሽ ብምንባሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓዲ እንግሊዝ ተራእዩ ዘይፈለጥ ዓውደ ትምህርቲ ብኢንተርነት ክካየድ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ይሕብር።
እቶም ዕድላት እንታይ እዮም ነይሮም?
ዝዓበየ ክፋል ዓለምና ንዕድላት ኢንተርነት ኣብ ትምህርትን ስራሕ ኣብ ምንዳይን ብዘይጸገምን ብቀጻልን ከምዝጥቀሙሉ ይፍለጥ። ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲትን ማእከላይ ደረጃን ንኢንተርነትን ዲጂታል መራኸብን ብቐጻሊ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ብ'ኦንላይን' ምስ ተጀመረ፡ ትህምርቲ ብግዜን ቦታን ከይተሓጽረ ብቐሊሉ ንኹሉ ክባጻሕ ከምዝኽእል ኣሚቱና ይብል ዶ/ር ክፍለማርያም።
እቲ ትምህርቱ ዝከታተል ተምሃራይ'ውን ኣብ ዝደለዮ ቦታን ግዜን ኮይኑ፡ ትምህርቱ ክታተል ከምዝኸኣለን፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ተሓጺርካ ዝግበር ዝነበረ፡ ብሳላ ሓበሬታን መራኸቢታት ቴክኖሎጂን ብተዓጻጻፍነት ክመሃሩ ከምዝኽሉ ይገልጽ።
እቲ ትምህርቲ ናብ ኦንላይን ምስ ተቐየረ፡ ብቕልጡፍን ብዘቐለለ መገድን ናብ ረብሕኡ ኣውዒልዎ'ዩ።
ኣብ ለንደን'ውን ተምሃሮ ምስቲ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ኣፍልጦ ስለዝነበሮም፡ ናብቲ ኦንላይ ንኽሰጋገሩ ዘጸግም ኣይነበረን ዝበለ ምምህር ጸጋይ፡ እቲ ዝነበረ ብድሆ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሰሪጹ ዝጸንሐ ልምድን ባህል ከምዝኾነ ይገልጽ።
"ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ተምሃሮ ዳርጋ ከተኾልሶም እዩ ዘለካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብኦንላይን ክትምህሮ እንከለኻ ነቲ ተምሃራይ ገጽ ንገጽ ስለዘይትርእዮ፡ ስርሓያ ዝበልካዮ፡ ኣብ ናቱ ግዜን ቦታን እዩ ዝሰርሖ። ኣብ ከምዚ ኦንላይን ትምህርቲ ስነ-ስርዓት ዘለዎም ተምሃሮ የድልዩካ። እቲ ውጽኢት ትምሀርቲ ድማ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። እቲ ትምህርቲ በዳሂ እዩ ነይሩ" ይብል።
ዝነበሩ ጸገማት
ትምህርቲ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ሰብኣዊ ዕብየት ክእለትን ዓቕምን ክምጽእ እንተኾይኑ፡ ምስ ተምሃራይ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ሓበሬታ ክትለዋወጥን መምርሒ ምሃብን ኣገዳሲ ምዃኑ እዞም መምሃራን ይገልጹ።
ብመሰረቱ'ውን ሰብ ከም ሓደ ማሕበራዊ ፍጡር ብምዃኑ ብሓንሳብ ዄንካ ክትዋሳእን ክትመሃርን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ይብሉ።
እዚ ሓዲሸ ኣገባብ ኣመሃህራ ከኣ፡ ኣብ ብሕትው ቦታ ዄንካ ንዘይለመድካዮ ክተተግብር እንከለኻ፡ ተነጽሎን ጭንቀትን ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ህይወት እቲ ተምሃራይ ይኹን መምህር፡ ኣብ ቅድመ ሰብ ቀሪቦም ከረድኡ ክጸገሙ ከምዝኽእሉ ዶ/ር ክፍለማርያም የረድእ።

እዚ ናይ ኦንላይ ትምህርቲ ብወገን ተምሃሮን መምሃራን ብዙሕ ብድሆታት ከምዘሎዎ'ውን ይገልጽ።
"ብቀንዱ ናይ ICT ወይ ናይ ኦንላይ ትምህርቲ፡ ኮምፒዩተር ኢንተርነት ብግቡእ ኣብዘይባጽሓሉ ሃገራት ከተካይዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ብሃብታማት ሃገራት ኣብ መንጎ እቶም ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ዘለዎም ሰባት ዓቢ ጋግ ክፈጥር ይኽእል እዩ" ይብል።
እቶም ምስ ተኽኖሎጂን ኢንተርነትን ዝተላለዩ ሰባት ግን፡ ብቐሊሉ ክስዕብዎን ውጽኢታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ክቐስሙ ይኽእሉ። መምሃራን እውን እንተኾኑ፡ ብዙሓት ቴክኒካዊ ዓቐሞም ትሑት ብምዃኑ ክሽገሩ ትርኢ'ኻ ይብል።
"መብዛሕትኦም መምሃራን ቅድሚ ኮምፒዩቱርን ኢንተርነትን ስለዝተማህሩ ነቲ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ኣይመልክዎን እዮም። እቲ ቴክኒካዊ ዓቕሚ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። እቶም መምሃራን ፕሮፌሰራትን ዝለዓለ ክእለትን ክለሰ-ሓሳባዊ ዓቕሚ እንከለዎምን እናሃለዎምን፡ ኣብ ተክኖሎጂ ብዙሕ ጸገም ኣለዎም።"
ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ መምሃራን ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎን ምምህር ጸጋይ ይሕብር። ምስ ስድራ-ቤት ዝነበሩ መምሃራን ሓንቲ ኮምፒዩተር ዘለዎም ከምዝነበሩን፡ ነታ ሓንቲ ኮምፒዩተር ድማ፡ "ኣዲኡ ኣብኡ ሓፍቱ ይጥቀመላ እንደገና ተምሃራይ ይጥቀመላ-ብዙሓት ተምሃሮ ኮምፒዩተር የብልናን ኢሎም የማርሩ ነይሮም" ይብል።

መንግስትታት ዓለም ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኩሉ ስድራቤት ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ምስ ኣዘዙ፡ እቲ ገዛ ክጸብብ ከምዝገበሮን፡ ክትመሃርን ክትመሃርን ምቹእ ከምዘይኮነ ይገልጽ።
ዶ/ር ክፍለማርያም'ውን ብወገኑ፡ ብኦንላይን ክምህር ወይ ኣኼባ ክመርሕ እንከሎ፡ ደርሆ ክንቊን ቆልዓ ክበክን ክርብሽን ከምዝሰምዕን፡ ነቲ ስራሕ ከምዝዕንቅፍን ይዛረብ። ኣብዚ እዋን ናይ ኦንላይ ትምህርቲ ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎ የመልክት።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ መንግስቲ ተምሃሮ ከም ዝተጸገሙ ምስ ፈለጠ ናይ ኮምፑተራት ሓገዛት ከምዝገበረ ዝሓበረ መምህር ጸጋይ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ድኻታት ሃገራትን ብኦንላይ ክትምህር ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጽ።
ትምህርቲ ኦንላይን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ዓለምና ኣድማዒ ክኸውን እንተኾይኑ፡ እቲ ዘሎ ጸገማት ብቐንዱ ክእለ ከምዘለዎን ይገልጹ። ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ኢንተርነት ክምዕብልን ክዝርጋሕን ከምዘለዎ እቶም መምሃራን ይሕብሩ።
"ብመንግስታት ዘድሊ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ክሰርሐሉ ኣለዎ። መምሃራን'ውን ተክኒካዊ ክእለታት ክድልቡን ዓቕምታቶም በብግዚኡ ከማዕብሉ ኣለዎም። በብደረጅኡ ዝኸይድ እምበር ዘሊልካ ዝኽየድ ኣይኮነን። ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ገንዘብን ዝሓትት እዩ" ይብል ዶ/ር ክፍለማርያም።
መምህር ላዕለዋይ ደረጃ ጸጋይ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ'ዩ ዘለዎ። ትምህርቲ ውጽኢታዊ ክኸውን፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ክፍሊ ከይዱ ክምሃር ከምዘለዎ ከምዝኣምንን፡ መምህር ድማ ብቐሊሉ ክከታተሎ ዕድል ከምዝረክብ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ብናይ ኢንተርነት ትምህርቲ፡ ነቲ ኣብ ተምሃራይ ዝዓቢ ዘሎ ፍልጠት ክትመዝኖ ኣጸጋሚ'ዩ ይብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







