ስነጥበብ "ንቃንዛናን ንዛንታና ዝመስል ገና ኣይተሰርሐን" ተመስገን ተወልደ

ተመስገን ተወልደ

ምንጪ ስእሊ, Temesgen Araya

መግለጺ ስእሊ, ተመስገን ተወልደ

ኮሜድያዊ ድራማ፡ ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝጀመረ'ዩም ሰነዳት ዘረድኡ።

ኣብ 425 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብኣርስቶፋነስ ዝተጻሓፈት ኮሜድያዊት ድራማ ናብ ህዝቢ ከም ዝቐረበትን እቲ እዋን እቲ ኸኣ ከም ምጅማር ኮሜድያዊ ድራማ ተገይሩ ከም ዝውሰድን ይእመን።

ኣብ ኤርትራ እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኮመድያዊ ድራማታት ብምቕራብ ተፈላጥነት ዘጥረዩ ውልቀሰባት ኣለዉ፤ ውሑዳት ካብኦም ንምጥቃስ ነብስሄር መምህር ሰሎሙን ገብርእግዝኣብሄር፣ ጅግኑ፣ ሓጎስ ሱዚኒኖ፣ ዮናስ ማይናስን ካልኦትን።

ኣብ ከረን ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ መንእሰይ ተመስገን ተወልደ እውን ሓደ ካብዞም ብኮሞድያዊ ስርሓት ዝፍለጡ ዘለው መናእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ ካምፓላ-ኡጋንዳ ኮይኑ ብዘፍረየን ተኸታተልቲ ኮመድያዊ ስርሓት ብዙሓት ሰዓብትን ተኸታተልትን ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ጎኒ ጎኒ ኮሜድያዊ ስራሓት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢስት ኣፍሪካ ኢንተርነሽናል ብዓውደ ትምህርቲ ማናጅመት ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ዝኾነ ተመስገን፡ ኮሜድያዊ ስርሓት ቅድሚ ናብ ስደት ምምርሑ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ከም ዝጀመሮ ይዛረብ።

"ኣብ ኣስመራ እንከለኹ ብዲቪዲ ሸውዓተ ዝኾና ኮሜዲታት ኣዳልየ ናብ ህዝቢ ዘርጊሐ ነይረ" ዝብል ተመስገን፡ ነቲ ብትዕዝብቲ ከማዕብሎ ዝጀመረ ስነጥብብ፡ ኣብ ኮሌጅ ስማፕ 'ብትያትሪካል ኣርትስ' ኣብ 2014 ብዲፕሎማ ተመሪቑ ዝያዳ ድርዒ ከም ዝፈጠረ ይገልጽ።

"ናብ ካምፓላ ምስ መጻእኩ፡ ብዙሓት ስነጥበባውያን ስለ ዝነበሩ ገለ ነገር ዘይገብር ብምባል እየ፡ ነታ ኣብ ኣስመራ እንከለኹ ጀሚረያ ዝነበርኩ ናይ ፊልም ጽሑፍ ኣብዚ ክሰርሓ ተበጋጊሰ" ኸኣ ይብል።

እዛ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ምጽሓፍ ዝጀመራ ፊልም፡ ኣብ ኡጓንዳ ብዝርከቡ ተዋሳእቲ ዝተሰርሐት ተኸታታሊት ኮሜድያዊት ፊልም 'ካማፓላ' ኮይና፡ ንተመስገን ናብ ስደት ምስ ወጽአ ናይ መጀመርታ ስርሑ እያ።

ተመስገን ተወልደ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 25 ኮሜዲታት ወዲኡ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ፍርያቱ ብብዙሕ ሰብ ይርኣየሉ ኣሎ።

ተመስገን ኣብ ስደት ኮንካ ንውሕ ዝበለን ብዝሕ ድራማታት ምድላው ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብር።

"ኣብ ኢድካ እቲ ጽሑፍ ጥራይ እዩ ዘሎ፡ ካልእ ኩሉ ግን ብድሆ'ዩ፤ ሕጽረት ባጀት፣ ድላይካ ዓይነት ተዋሳእቲ ክትረክብ ዘይምኽኣል ኩሉ ብድሆ እዩ"።

ብምስዓብ "ፍቓድ መስርሒ ፊልም ክንረክብ ስለ ዘይከኣልና ኣብ ውሽጠ ገዛ ጥራይ ክንሰርሕ ንግደድ ነይርና። ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጫፋት ካምፓላ ዝቕመጡ ብምኻኖም ድማ፡ ን25 ዝኣኽሉ ተዋሳእቲ ጠርኒፍካ ከተንቐሳቕሰ ከቢድ እዩ" ይብል።

ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዘፍረዮ ድራማዊ ስራሓት ብፈለጥቱ ብኣዝማዱን ብዝስደደሉ ገንዘብ ገይሩ ከም ዝሰረሖ ዝዛረብ ተመስገን፡ እዚ ንኹሎም ኣብቲ ድራማ ዝተሳተፉ መስዋእቲ ዝሓትት ምንባሩ ይጠቅስ።

እተን ዝዘርገሐን 25 ድራማታት፡ጉዳመኛ፣ ዕድለይ፣ ነጋን ቅርጣሽን፣ ኢግኖር፣ ከቢድ ፈተነ፣ ዛንታ ኣቦኻ፣ ወዲ ሃይለን ነጋን ሞባይሉን ዝብላ ዝርከበአን ኮይነን፡ ማሕበራዊ፣ ፍቅራውን ፖለቲካውን መልክዕ ዝሓዛ'የን።

'ቅድሚ ሕጂ ዘይተደፈረ ኣርእስትታት'

"እቲ ስራሕ ኣህላኺ እዩ ነይሩ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጴጥሮስ ጸጋይ ነቲ ስራሕ ርእሲ ኮይኑ ይመርሖ ስለ ዝነበረ እዩ እዚ ስራሕ ክውዳእ ክኢሉ" ይብል።

"ድርሰት ምስ ተወደአ፡ ተዋሳእቲ መዓስ ይሕረዩ፡ መዓስ ጽሑፍ ይውሃቦም፡ ልምምድ መኣስ ይግበር፡ ስእሊ መኣስን ኣበይን ይስኣልን ድሕሪኡ ዝህሉ ናይ ምጽፋፍ ስርሓትን ኩሉ ኣቐዲሙ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ እዩ ስራሕ ዝጅመር ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ ስራሕ 25 ዝኾኑ ተዋሳእትን ሰኣልቲ ኣለይትን ሓዊስካ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ወልቐ ሰባት ከም ዝተሳተፉ ይጠቅስ።

ተመስገን ተወልደ ዘይከም ኣብ ፊልም ካምፓላ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኮሜድያዊ ስርሓቱ ብጀይካ ንኣርትዖት ንዝተረፈ ኩሉ ወጻኢታት ዝሽፍነሉ መዋሊ ከም ዝረኸበ እዩ ዝሕብር።

ተመስግን ተወልደ ኣብዚ ሕጂ ዝዘርገሖ ስርሓት ኮሜዲ፡ ፍልይ ዝበለ ኩርናዕ ክፈጥር ከም ዝፈተነን፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተደፈረ ኣርእስትታት ብቃልዕ ክዛረበሎም ከም ዝኸኣልን ይዛረብ።

"ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ስደት ዝተሰርሐ ፊልምታት ይኹን ኮሜዲታት ይህሉ ይኸውን'ዩ ንበሰላና፡ ንቃንዛና ንዛንታና ዝመስል ዛንታ ግን ገና ኣይተሰርሐን ዘሎ" ይብል።

ናይ ኤርትራ ኮሜዲ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ?

ተመስገን ተወልደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብዙሕ ፊልምታትን ኮሜድን ከም ዝተሰርሐ ብምጥቃስ " ኣብ ትሕዝትኦም መጽኤ ክርኢ እንከለኹ ግን፡ ኣብቲ ዛንታ ናይ ኮሜዲ ኣዚና ደኺምና ኣለና። ካብ ቅድሜና ዝሰርሑ ዝንበሩ ቀዲሕና ንዐኦም መሲልና ኢና ንሰርሕ ዘለና፤ ክንቕየር ኣይከኣልናን" ይብል።

ሓንቲ ካብ ኮሜዲታት ተመስገን ተወልደ

ምንጪ ስእሊ, Biniam Tesfalem

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ካብ ኮሜዲታት ተመስገን ተወልደ

ፊልም ናይ ኤርትራኸ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ?

"ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከነመኽንየሉ እንኽእል ጸገማት ነይሩ እዩ፤ ስደት ምስ ወጻእና እውን እቲ ምምኽናይ ምሳና እዩ ዝጉዓዝ ዘሎ" ዝብል ተመስገን ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ናጽነት ተጠቒምና ካብቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዝሓይሽ ስራሕ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ዝብል እምነት ኣለዎ።

ዕድል ትምህርቲ ዘይምህላዉ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ውልቃዊ ጻዕሪ'ውን ከም ዘየለ ዝሕብር ተመስገን፡ "ጥዑይ ዛንታከ ይመጽእ ኣሎ ድዩ እንድሕር ኢልና ወሑድ ኣይስኣንን ይኸውን፤ እቲ ሓፈሻዊ መልሲ ግን የለን እዩ" ይብል።

"ሓደ ናይ ሓባር ጸገም ኣለና፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ተኸሊኡ ኣሎ፡ እዚ ናይ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት እዩ፡ ስነ ጥበባዊ ኣብዚ ታሪኽ እዚ ናቱ ኣሰር ክገድፍ ኣለዎ" ብምባል ኸኣ ውልቃዊ ሓሳቡ የካፍል።

ኣብ ዩትዩብ ዘለካ ርኢቶ?

ምስቲ ዝፈሪ ስርሓት ብምንጽጻር፡ ዩትዩብ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፊልምታት ዋላ ሓደ ኣየርብሕን ዝብል ስነጥበባዊ ተመስገን፡ ብዙሓት ክሳራታት ኣጋጢሙዎም ካብቲ ዓውዲ ዝተኣልዩ ከም ዘለው ይገልጽ።

ስራሕቲ ፊልም ካብ ክሳራ ክድሕኑ እንድሕር ኮይኖም፡ መጀመርታ ኣብ ሲነማታት ክረኣዩ፡ ብድሕሪኡ ብመልክዕ ዲቪዲ ክሽጡ ከም ዘለዎምን ብምሕባር፡ ሕጂ ግን 'ብኽሳራ' ይሰርሑ ከም ዘለዉ እዩ ዝጠቕስ።

"ብጭቡጥ ኣነ ዝርኣኽዎ ዩትዩብ ካብ 1000 ሰብ ርኣይቲ ካብ 2 ክሳብ 3 ዶላር እዩ ዝኸፍል። ኣማራጺ ስለ ዘየለ ግን ኣብኡ ንምርኮስ ኣለና"።

ብምስዓብ "ኣተሓሳስባ ክምዕብል ኣለዎ፡ ሓደ ስነጥበበኛ ንገንዘብ ኢሉ ኣይሰርሕን ዝብል ኣተሓሳስባ ክውገድ እዩ ዘለዎ"።

"ንገንዘብ ኢሉ፡ ዘይኣምነሉ ኣይሰርሕን ይኸውን፤ ክጽሓፍ እንከሎ ስነጥበብ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል'ዩ። ተሰሪሑ ምስ ተወደአ ግን 'ፕሮዳክሽን' እዩ፡ ገንዘብ እዩ፡ ክንሕግዞም ክንርእየሎም ዝብል ተዓዛባይ ኣተሓሳስብኡ ክቕይር ኣለዎ" ይብል።

"ሰባት ዋላ ብዝውሓደ ከፊሎም ክርእይሉ ዝኽእል መተግበሪ እንተድሕር ማዕቢሉ ንኹሉ ዘርብሕ ዝኽእል ይመስለኒ፡ ክሳብ ሕጂ ተሰሪሑ ዘሎ ንጸቢብ ክፋል ሕብረትሰብ (ኢንተርኔት ጥራይ ኣብ ዘለዎ) ዘገልግል ጥራይ እዩ ዘሎ" ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኤርትራ ፓስፖርት ምውጻእ ንምንታይ ከቢዱ?