ተሸላሚት ኖበል ማላላ ዩሳፍዛይ ቀዳማይ ዲግሪ ወዲኣ

ማላላ ምስ ስድራ-ቤታ

ምንጪ ስእሊ, @MALALA

ንመሰላት ደቂ-ሰብ እትጣበቕ ማላላ ዩሳፍዛይ፡ ኣብ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ከምዝወደኣት ሓቢራ።

ንሳ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መርመርኣ ምስ ወደኣት፡ "ዝተሰመዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን" ክትብል ጽሒፋ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ "ኣብ ቅድመይ እንታይ ይጽበየኒ ከምዘሎ ኣይፈልጥን" ክትብል'ውን ኣስፊራ።

እታ ጓል 22 ዓመት፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ፖሎቲካ፤ ፍልስፍና ከምኡ'ውን ስነ-ቁጠባ እያ ትመሃር ነይራ።

ማላላ፡ ጓል 11 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንቢቢሲ-ኡርዱ ብዛዕባ ህይወታ ብስቱር ዕለታዊ መዝገብ ከተመሓላልፍ ጀሚራ።

ኣብ 2012 ድማ ኣብ ወፍሪ ትምህርቲ-ኣዋልድ ብተወፋይነት እናሰርሐት ብሓደ ወተሃደር ጣሊባን ኣብ ርእሳ ብጥይት ተወቒዓ። መውጋእታ ምስተነግረ ብኡ-ንብኡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ።

ማላላ፡ ካብቲ መውጋእቲ ምስ ሓወያት ኣብ ኣህጕራዊ መድርኽ ወጺኣ ብትምህርቲ ቖልዑን መሰላት ደቂ-ሰባትን ብዓውታ ናይ ምጉስጓስ ስርሓ ቀጸለቶ።

ምስ ኣቦኣ፡ ዝያዲን፡ ኰይና ድማ ማላላ-ፋንድ ዚብል ትካል መስረተት። እቲ ትካላ ድማ "ኵለን ኣዋልድ ንክምሃራን ከይፈርሃ ንክነብራን" ዝጉስጉስን ዝሰርሕን እዩ።

ኣብ 2014፡ ማላላ፡ እታ ብዕድሜኣ ዝነኣሰት ተሸላሚት ብልጫ-ኖብል ኰይና ተመርጸት። ነቲ ኖበል ምስ ህንዳዊት ተቓላሲት፡ ካይላሽ ሳትያርቲ እያ ተኻፊላቶ።