ጀውሃራ፡ "ስደት መሪር'ዩ - እቲ ተገዲድካ እትኸዶ ስደት ከኣ እቲ ዝመረረ'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, ጀውሃራ
"ስደት መሪር'ዩ - እቲ ተገዲድካ እትመጽኦ ስደት ከኣ እቲ ዝኸፍአን ዝመረረን'ዩ" ትብል፡ ኣብ ንእስነታ ኣብ ተሓኤ ተቓሊሳ፡ ቅድሚ 38 ዓመት ምስ ክልተ ደቃ ናብ ሙኒክ ሃገረ ጀርመን ተሰዲዳ ዝመጽአት ጀውሃራ መሓመድ።
እቲ ጀውሃራ ዝተሰደትሉ ፈለማ ሰማንያታት ኣብ ጀርመን ብዙሕ ኤርትራዊ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ዝርካቡ ዝስደድ ዜጋ "ኣበይ ኣሎ ሓበሻ እናበለ ነንሓድሕዱ ተጫኒዩ እዩ ዝራኸብ ነይሩ" እትብል ጀውሃራ፡ ደቃ፡ ጸሊም ዝሕብሩ ሰብ እናኽርእያ ከይደን ሰላም ይብለኦ ከምዝነበራ ትዝክር። " ሽዑኡ ብዙሕ ናፍቖትን ፍቕርን ነይሩ" ብማለት ከኣ ንእስነታ ኣብ ስደት ምውድኡ የሕዝና።
ኣብዚ እዋን ግን በንጻሩ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኤርትራዊ ናብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኤውሮጳን ኣመሪካን ብብዝሒ ተሰዲዱ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ብኣሽሓት ዝቑጸር መንእሰይ ኣትዩ። ብመጠን ብዝሑ ከኣ ጸገማት ስደት መሊሱ ዓብዩን በዚሑን።
ጆውሃራ ንኽልቲኡ እዋን ስደት ትማልን ሎምን፡ ከተነጻጽሮ እንከላ፡ " እቲ ናይ ቅድመ ህይወት ዝፎኩስ ይመስለኒ። ኣብ መፋርቕ 80ታት መንእሰያት ብካይሮ ኣቢሎም ንጀርመን ምስ ኣተው፡ ናይ ሓዘን ክዳነይ ደርቢየ ክቕበሎምን ክኣልዮምን ተጓይየ" ብምባል ነቲ ሽዑ ዘሕለፉዎ ፍቕርን ምትሕብባርን ብናፍቖት ትዝክሮ።
እቲ ኣብ ሰማንያታትን ቅድሚኡን ዝስደድ ዝነበረ መንእሰይ፡ ወይ ተማሂሩ ፍልጠትን ክእለትን ሒዙ ወይ ሰሪሑ ገንዘብ ኣኪቡ ንዓዱ ተመሊሱ ሃገሩ ክሃንጽን ንሕብረተሰቡ ክጠቅምን'ዩ ዝሓስብ ነይሩ።
ብፍላይ ቃልሲ ነጻነት እናሰጎመ መዓልታት ነጻነት እናቐረበ ምስ ከደ ኩሉ ሰብ ኣብ ሃገሩ ብፍቕርን ምክብባርን ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር ልዑል ባህጊ ነይሩዎ።
ካብታ ጆውሃራ እትነብረላ ሃገረ ጀርመን እውን ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን ብመንግስቲ ጀርመን ናይ ምጥያስ ሓገዝ ተገይሩሎም ንኤርትራ ተመሊሶም ነይሮም። ግን ዝበዝሑ ካብኦም ኣብ ሃገር ስለዘይጠዓሞም እንደገና ከምእተሰዱ ምሁር ዓውደ ስደትን ምዕባለን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።
ጆውሃራ፡ እቶም ናይ ቀደም መንእሰያት ተማሂሮም ንዓዶም መታን ክምለሱ ንሳን ብጾታን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ትሕግዝ ነይራ።
እቲ መንእሰይ'ውን ቅሩብ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታ ስለዝነበሮ ክመሃር ክሰርሕ ዝብል ኒሕ ነይሩዎ።
እዚ ሕጂ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ርእሲ ምብዝሑ: ካብ ሃገር ብምረት ኣብ ጉዕዞ ስደት ብኸርተት ስለዝመጽአ ከቢድ በሰላ ኣለዎ። ስለዝኾነ ብብድሆታት ስደት ቀልጢፉ እዩ ዝትንከፍ ዘሎ።
ጆውሃራ፡ "እቲ መንእሰይ ብዝሒ ስለዘለዎ፡ ንመን ትሕግዝን ትመክርን እዩ ዝጠፍኣካ። ሎሚ ንሓደ ሰብ ሓጊዘን ደጊፈን ትብል እሞ ንጽባሒቱ ካልእ መጉዳእትን ማህሰይትን የጋጥም" ብምባል እቲ ብድሆ ከቢድ ምዃኑን እቶም መንእሰያት ዘሕልፉዎ ዘለው ሓለት ከምዘሻቕላን ትዛረብ።
ጥዑም ስደት ስለዘየሎ ንኹሉ ዘጋጥም ብድሆታት ምግጣም ጥራሕ'ዩ እቲ ፍታሕ። ውዒሉ ሓዲሩ ዘይፍታሕ ጸገም ዘይስገር ብደሆ ስለዘየሎ ከኣ ጆውሃርን መሳርሕታን፡ "እቲ ናይ 90ታት ተስፋ ዳግማይ ክመጽእ እዩ" ብዝብል ሃንቀውታ ንነብሰን ተስፋ አዕጢቐን ነዞም ናእሽቱ ደቀን "ኣጆኹም!" ይብለኦም።
እቲ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዝስደድ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ኣብ ቤቱን መሬቱን ብገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ብስርዓት ዘውድን ደርግን ይህደንን ይግፋዕን ስለዝነበረ ምኽንያት ነይሩዎ።
እዚ ናይ ሕጂ መንእሰይ ግን ኣቦታቱን ዓበይቲ አሕዋቱን ተቓሊሶም ኣብ ዘረጋገጹዋ ሃገር ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር፡ ተማሂሩ ፍልጠት ቀሲሙ ከበልጽጋን ከማዕብላን እናበሃገ ብንውሓት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይውዱን ምሕደራን ተማሪሩ ይስደድ ምህላው ፕሮፌሰር ጋይም ይገልጽ።
ጀውሃራ እውን፡ "ናትና ስደት ሓሊፉስ ኣብ ደቅና ዝመረረ ስደት ክንርኢ ከቢድ እዩ" ብማለት በቲ እትርእዮ ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ብልቢ ከምእትጉሂ ትዛረብ። ግን ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ገጽና እንመልሰሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ግዜ ጽጉማትን ውጹዓትን ክመጽእ እዩ ብማለት ነብሳ ተደዓዕስ።
ንስደት ትማልን - ሎምን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ትማልን ሎምን ዝስደዱ ዘለው መንእሰያት እውን ምኽንያታዊ ገምጋም ኣለዋ ጆውሃራ። እቲ ኣብ 70-80ታትን ዝተሰደ መንእሰይ፡ መብዛሕትኡ ካብ ሕቚፊ ስድርኡ እዩ ተበጊሱ።
እዚ ናይ ሕጂ መንእሰይ ግን እቲ ዝበዝሕ ንዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸርተተ፡ ሎሚ ጽባሕ ይጣየስ እሞ ህይወተይ ይመርሕ ይኸውን። ሎሚ ጽባሕ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርን ጎዶቦታትን ይረጋጋእ'ሞ 'ሕረስ ሓረስታይ - ንገድ ነጋዳይ ኮይኑ ወዋኒንና ንገብር ክብል ገሊኡ ንልዕሊ 10 ዓመት ዘገልገለ፡ ገሊአን ኣብ ሰራዊት ከገልግላ ግዜ መርዓን ደርዓን ዝተመጠን፡ ገሊኡ ዕጫ ዓበይቲ አሕዋቱን ኣሓቱን ከይገጥሞ ቅድሚ ዝኣገረ ዓዲ ክገድፍ ዝመረጸ፡ ውሑድ ዘይኮነ ቁጽሪ ትሕቲ ዕድመ ከኣ ዓርከ መሓዛይ ነቒሎም እናበለ ዶባት ዝሰገረን ብዙሕ ዝኸርተተን ምዃኑ ጆውሃራ ተረድእ።
እዚ ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ መንእሰይ ዝሓለፈ ግዜ ዝመጸን ናይ ሕጂን መንእሰይ ይፈላለ እዩ እየ ዝብል ኣነ።
እቲ ናይ ትማል መንእሰይ ግን መብዛሕትኡ ካብ ሕቑፊ ስድርኡን ብቐጥታ ብነፋሪት ይኣቱ ስለዝነበረን እሞ ኸኣ ሃገርና ናጻ ምስኮነት ዝሓዝና ሒዝና ንዓድና ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ ስለዝነበሮ፡ ክወግሕ እዩ እናበለን ክወግሕ እናተጸበየን ብተስፋ እዩ ዝመሃርን ዝሰርሕን ነይሩ።
እዚ ናይ ሕጂ መንእሰይ ግን ኣብ ቤትን ስደትን ብምሕደራን መከራን ስለዝተሃስየ ብድሆታት ስደት ናይ ምቕባል ዓቕሙ ከምዝፈለላ ትገልጽ ጆውሃራ።
ስደት ትማልን ሎምን ማዕረ እቲ ክብደቱን ምረቱን ነናይ ገዛእ ርእሱ ዕድላትን ብልጫታትን እውን ነይሩዎ እዩ። እቲ ቐደም ሓደ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ መንበሪ ፈቓድ ወረቐት ክረክብ ነዊሕ ግዝ እዩ ዝወስደሉ ነይሩ።
"ንሕና ኣብ ዝመጻናሉ እዋን መንበሪ ክሳብ ትረክብ፡ ቋንቋ ክትመሃር ከማን ኣይፍቀድን'ዩ ነይሩ። ገሊኦም ክሳብ 15 ዓመት መንበሪ ወረቐትን ፍቓድ ሰራሕን ዘይረኸቡ ኔሮም። ናይ መግብን ትራንስፖርት ሓገዝን እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይነበረን። ክበጽሖ እየ እንተይልካን ብተስፋ እንተተጓዒዝካን ግን ኣብቲ እትደልዮ ይብጻሕ እዩ" ትብል ጆውሃራ ንትማልን ሎምን ብምንጽጻር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ ጀርመን መብዛሕትኦም ሶርያውያን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ። ቻንስለር ኣንገላ መርከል ብሰንኪ ጉዳይ ስደተኛታት ብተቓወምቲ ሰልፍታትን እታ ሃገር ምሒር ተወቒሳ።
እንተኾነ ፖለቲከኛታት ጀርመን ህዝቦም ብዙሕ ስለዘይወልድ እቲ ዕድመ ዝደፍአ ወለዶ እታ ሃገር ዝኣልዮን ዝሕብሕቦን ስለዘድልዮ እቲ ዝቕበሉዎ ስደተኛ ምስ ባህልን ኣነባብራን እቲ ህዝቢ ተለማሚዱ ኣካል እቲ ህዝቢ ክኽውን ድላይ ከምዘለዎም ጆውሃራ ትዛረብ።
ብፍላይ ነዚ ኤርትራዊ ስደተኛ ልዑል ተስፋ ኣንቢሮሙሉ እኳ እንተነበሩ በቲ ኣብዞም ናእሽቱ ዝረአ ዘሎ ጭንቀትን ብስጭትን ዘበገሶ ብዙሕ ዘይቅቡል ባህሪያት ስለዝርእዩ ብዙሕ ደስ ከምዘይብሎም ኣረዲኣ።
እዚ ሕጂ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ እቲ ሒዝዎ ዝመጽእ ባህሪያት ምስ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ተወሃሂዱ ክሰርሕ ኣይሓገዞን ትብል። ይኹን እምበር ብዙሓት ንፉዓት መንእሰያት ነቲ ክውንነት ተቐቢሎም ተገዲሶም ዝመሃሩን ዝሰርሑን ከምዘለውን ብአኦም ሕብንቲ ምዃናን ትሕብር።
ነቲ ንብድሆታት ስደት ስኑ ነኺሱ ዝገጥማ ዘሎ መንእሰይ ከኣ " ኣጆኻ ንስደት ባዕልና ስለዝመጻእናዮ ነቲ ህይወት ንኣምላኽና እናመስገንና ክንቅበሎ ኣሎና። ህይወት እውን ብቐንዱ ቃልሲ እያ" ብምባል ክልቲኦም ጾታ ኣወዳትን ኣዋልድን ተጸሚሞም ክመሃሩን፡ ተማሂሮም ንነብሶምን ንስድረኦምን ክኾኑ ተማሕጺና።
ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ከምዝበሃል፡ ዝተማህረ ኣካል ኩሉ ግዜ መጻኢ ኣለዎ። "ብፍላይ ደቀንስትዮ አሓት፡ ኣብ ኣዴታትናን ዓበይቲ አሕዋትናን ዘጋጠመ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይምርካብ ኣብ ደቅናን ናእሽቱ አሕዋትናን ከይድገም ከነተባብዕን ክንምህርን ሓላፍነት ኣሎና" እትብል ጆውሃራ፡ እዘን ናእሽቱ ተካእትን ተረከብቲ ሕድርን ኤርትራውያን መንእሰያት ሓበን ደቀንን ሕብረተሰበንን መታን ክኾና ስነን ነኺሰን ክመሃራን ክጽዕራን ትመክር።
ህይወት ስደት መሪር'ዩ እትብሎ ካብ መሬትካን ባህልኻን ካብ ሰብካን ሃገርካን ስለዘርሕቐካ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግን ኣብቲ መሪር ዝበሃል ስደት ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዕድልን ዕቤትን ኣሎ። እቲ ክመሃር እየ ዝብል ክመሃር፡ እቲ ሰሪሐ ነብሰይን ስድራይን ከመሓይሽ እየ ዝብል ከኣ ነብሱን ስድርኡን ከመሓይሽ ይኽእል እዩ። እቲ ዘድሊ ኒሕን ዕጥቅን ጥራሕ እዩ ትብል ጆውሃራ ንተሞኩራኣ ምርኩስ ብምግባር።
ሕብረተሰብ ዓለም ነተን ፍርቂ ኣካሉ ዝኾና ደቀንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ አሕዋተን ምዕሩይ መሰል ነፊጉወን ምጽንሑ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ዝተሰነደ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እየን ደቀንስትዮ ዓለምና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት መሰለን ንኪኽበር ብዝገበረኦ ቃልሲ ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ተቐቢሉዎስ ንሸሞንተ መጋቢት ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኮይኑ ንኽበዓል ምውሳኑ ኣካል እቲ ዘይሕለል ቃልሲ ምዃኑ ድሮ ማሕበረ ሰብ ዓለም መስኪሩዎ ኣሎ።
"ጋሻ ሰበይትን ኣድግን የሎን ዝብልን ካልእን ባህልን ሃይማኖትን ሕብረተሰባት ንጓል ኣንስተይቲ ኣትሒቱ ከምዝርእያን ኣብነት እዩ" ትብል ጆውሃራ ንኹሉ'ቲ ኣብ ዝባን ጓለንስተይቲ ዝተጻዕነ ድርብ ጾርን ጻዕርን ኣብ ግምት ብምእታው።
ኣብ ሕብረተሰብና ሓንቲ ብሕርሻ እትነባበር ኣደ፡ ብዘይ ግቡእ ክብረት ከም ድኽምትን ትሕትን ፍጥረት እናተቖጽረት፡ ንግሆ ተንሲኣ ደቃን ጥሪታን ኣፋንያ፡ ምሳሕ ሰብኣያ ኣዳልያ፡ ቖልዓኣ ሓዚላ እግሪ እግሪ ሰብኣያ ንበረኻ ወፊራ፡ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ተጸሚዳ ውዒላ እንደገና ዕንጨይቲ ኣራርያ ድራር ደቃን በዓል ቤታን ከተዳሉ ንገዛ ተመሊሳ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝኸውን ክትጥሕንን ክትልንቅጥን ኣብ ዕዮ ውሻጠ ተጸሚዳ ከቢድ ሃለዋት እያ ተሕልፍ ነይራ - ሕጂ እውን እንተኾነ ቁሩብ ተመሓይሹ ይኸውን እምበር እቲ ጭቆናን ግህሰትንሲ መሊኡ ኣይጠፍአን።
" ምስ በዓል ቤታ ድኽም ውዒላ፡ ንደቃን ኣሚናን ኣድሪራ ንኹሎም፡ ምስ ኣመሓደረት ኣብ መወዳእታ እተዕርፍ ንሳ ክንሳ ጻዕራን ድኻማን እውን ከም ግቡእ ስለዝውሰድ ኣይትምስገንን እያ" ብምባል ነቲ ክውንነት ሕብረተሰብ ትገልጾ ጆውሃራ።
ኩሉ ሳዕ ክብርን ማዕርነታዊ መሰልን ብቓልስን ብድሆን እምበር ብልመና ስለዘይርከብ ጓለንስተይቲ ዓለምና ክሳብ ሕጂ ንመሰላን ክብረታን ገና ትቃለስ እያ ዘላ። እዚ ለብዘበን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝተባዕለ ሸሞንተ መጋቢት ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 1911 ኣትሒዙ ንመሰል ክብረትን ዝካየድ ዘሎ ብድሆን መኸተን እዩ።
ገና ዓቕመ - ሄዋን ከይበጽሐት ኣብ መበል 15 ዓመታ ንወላዲታ ቖልዓ 40 መዓልቲ ናብ ቃልሲ ዝተሰለፈት ጆውሃራ፡ ድሒራ ክትርእዮ እንከላ ተሓኤ፡ ደሞክራስያዊ ኣካይዳ ዝነበሮ፡ ሓሙሽተ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ማሕበር መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰራሕተኛታት. . . ሰሪዑ ይንቀሳቐስ ምንባሩን፡ ብፍላይ ኣብ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ መትከላዊ ተቐባልነት ዝነበሮ ውድብ ምንባሩ ተዝክር።
እታ ውድብ ካብ 1976 ኣትሒዛ ማሕበር ደቀንስትዮ ወዲባ ኩሉ ንጥፈታተን ብናጽነት ከካይደኦ ተተባብዕ ምንባራን ነተን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላቱ ብዙሕ ሓገዛት ይውፊ ምንባሩን እተን ቁሩብ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበን ዝተሰለፋ ደቀንስትዮ፡ ክሳብ ሶርያን ዒራቕን እናለኣኸ ዝተፈለላየ ሞያዊ ትምህርቲ ንኽመሃራን ክምዕብላን ልዑል ጻዕሪ የካይድ ምንባሩ ትሕብር።
" ኣብ እዋን ቃልሲ ማዕርነት ብሓይሊ ዝመጽእ እናመሰለና ማዕርነትና ብቕልጽምና ኢና ንብል ኔርና። ማዕርነት ግና ብሓይሊ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ተሓልዩልካ፡ ብመጠን እቲ ትሰርሖ ዓስቢ ምርካብ፤ ንኣብነት ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ዕረፍቲ ትረኽበሉ ምዃኑ ኣብ ተሓኤ እየ ተማሂረዮ -ሕጉስቲ ከኣ ነይረ" ትብል ጀውሃራ ገድላዊ ተሞኩሮኣ ክትግምግም እንከላ።
እንተኾነ ኣብ ፈለማ 80ታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ጀብሃን ሻዕቢያን ናይ አሕዋት ኩናት ሓድሕድ ስለዘጋጠመ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብጸሊም ነጥቢ ዝዝከር በሰላ ተሰኒዱ። ምስ ተሓኤ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣሻሓት ተቓለስቲ ሓርነት ከም ጆውሃራን መሰልታን ሜዳ ኤርትራ ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም።
ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ክልቲኦም ውድባት ግቡእ ሃገራዊ ዕርቂ ስለዘይተኻየደ ብዙሓት ኣባላት ጀብሃ ንሃገሮም ተመሊሶም ስድረኦም ክርእዩ፡ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ከባቢ ክበጽሑ፡ ዝተቓለስሉ ጎላጉልን ኣኽራናትን ሃገሮም ክርእዩ ዕድል ኣይረኸቡን።
ጆውሃራ እውን ሓንቲ ካብኦም እያ። "ንዓዲ ከይደ ስድራይ ክበጽሕን ዝሞቱ ክቐብርን ኣሕዋተይ ክርእን ናጽነት ዓደይ ክርእን ዕድል ኣይረከብኩን" ትብል እታ ምስ አሕዋታ ተቓለስቲ ሓርነት ተሰሊፋ ግቡኣ ዝፈጸመት ጓለንስተይቲ እቲ ዝግባእ ጻማን ክብርን ዘይምርካባ ብልቢ ከምዘሕዝና ብምግላጽ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ሕጂ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንኽትከል ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሃገራዊ ባይቶ ንለውጢ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ንቕሎ ኣዴታትን ንምድሓን ህዝብን ሃገርን እትነጥፍ ጀውሃራ መሓመድ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንመንእሰያት፡ ንደቀንስትዮ፡ ከምኡ እውን ንብድሆታት ስደት እትገጥም ዘላ ኤርትራዊት ብኣጋጣሚ ወርሒ መጋቢት " ኣጆኺ - ክወግሕ እዩ! - ክብላ እደሊ" ክትብል ብጸሎትን ቃልስን ከምእትጽዕር መልእኽታ ተመሓላልፍ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







