ቅድሚ 50 ዓመት ብወዲ ሓዉ ዝተቐተለ ንጉስ ስዑድያ

ምንጪ ስእሊ, C Maher/Daily Express/Hulton Archive/Getty Images
ኣብ መጋቢት 1975፡ ንጉስ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣ'ሰዑድ ኣብ ርእሰ ከተማ ርያድ ብወዲ ሓዉ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐንጺሉ።
እቲ ንጉስ ክቕንጸል እንከሎ ምኒስተር ነዳዲ ዝነበረ ኣሕመድ ዛኪ ያማኒ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ከምዝነበረ፡ ጓል እቲ ምኒስተር ዶክተር ማያ ያማኒ ኣብ 2017 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት ገሊጻ።
"ነታ መዓልቲ ፈጺመ ክርስዓ ኣይክእልን'የ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣቐንዛዊ ስምዒት ናይ ኣቦይ ክሳብ ለይቲ ሎሚ'ዩ ዝርአየኒ፤ እቲ ከም ኣርኣያ፡ ዓርኩን ዝነበረ ንጉስ ካብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክቕተል ቀሊል ነገር ኣይኰነን" ትብል።
ንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ንወዲ ሓዉ ክስዕሞ ኢሉ ድንን ምስ በለ'ዩ ሰለስተ ግዜ ብጥይት ወቒዕዎ።
ኣቦኣ ንዶክተር ማያ ያማኒ፡ ቅድሚኡ ንዝነበራ 15 ዓመታት እሙን ምኒስተር እቲ ንጉስ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እቲ ንጉስ ዝተቐተለሉ ህሞት ከኣ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝመርሖ ምኒስትሪ'ዩ መብርሂ ዝህቦ ነይሩ።
ንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ሳልሳይ ንጉስ ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገርን ሳልሳይ ውላድ ናይቲ ቀዳማይ ንጉስ ስዑድያን'ዩ።
ምስ ተሃረመ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና እኳ እንተተወስደ ክሰርር ግን ኣይከኣለን፤ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።

ምንጪ ስእሊ, Claude Salhani/Sygma/Getty Images
ካብቲ እቲ ንጉስ ዝተቐተለሉ ቤተ መንግስቲ ውሑድ ኪሎሜተራት ርሕቕ ኢላ፡ ናይ ሽዑ ጓል 18 ዓመት ማያ ያማኒ፡ ኣብ ገዛኣ ኰይና ንኣቦኣ ትጽበዮ ነይራ።
"ኣብቲ ናይ ኣቦይ ገዛ ኰይነ መጻሕፍቲ ከንብብ ጸኒሐዮ፣ ናብ ገዛ ኣትዩ፣ ገጹ ተቐያዪሩ ከምዚ ኣብ ከቢድ ጻዕረ ሞት ዘሎ'ዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብቲ መመገቢ ጣውላ ኮፍ ብምባል ብዓውታ 'እዋይ መዓት' ብምባል ተነኽኒኹ ክበኪ ጀሚሩ" ትብል ማያ።
ጓሉ፡ ካብቲ ርጉእ፡ ህድእ ኢሉ ዝዛረብን ዓቓልን ኣቦኣ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ርእያ ስለዘይትፈልጥ ቅርብ ኢላ እንታይ ከምዝዀነ ምስ ሓተተቶ፡ እቲ ዘጋጠመ ነገር ክጸውየላ ጀመረ።
"ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ካብ ኩወይት ዝመጽኡ ብዛዕባ ነዳዲ ዝዛተዩ ልኡኻን ንንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክረኽብዎ መደብ ተታሒዝሎም ነይሩ፤ ኣቦይ ከኣ ምኒስተር ነዳዲ ስለዝነበረ ብዛዕባ እቶም ልኡኻትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ምኒስትሪን ኣቐዲሙ መብርሂ ክህቦ'ዩ ምስቲ ንጉስ ነይሩ፡" ትብል ማያ።
"እቲ ልክዕ ከምቲ ንጉስ ስም ዘለዎ ልኡል ፈይሰል [ኣቡ ሙሳድ] ምስ ምኒስተር ነዳዲ ኩወይት ናብ ውሽጢ ኣትዩ፣ ንጉስ ፈይሰል ከኣ ንወዲ ሓዉ ሰላም ንምባል ኢዱ ዘርጊሑሉ።
"ካብ ጅባኡ ንእሽተይ ሽጉጥ ብምውጻእ ከኣ ነቲ ንጉስ ኣብ ርእሱ ሰለስተ ግዜ ተኵሲ ሃሪምዎ ኣቦይ ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ንጉስ'ዩ ነይሩ።"
እቲ ፈጻሚ ገበን ድሒሩ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ኣብ ጥቓ ንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣ'ሰዑድ ደዉ ኢሉ ዝነበረ ምኒስተር ኣሕመድ ዛኪ ያማኒ ክቐትሎ ሓሲቡ ከምዝነበረ ተናዚዙ።
ብድሕሪ'ዚ ምኒስተር ኣሕመድ ዛኪ ምስቲ ዝተሃረመ ንጉስ ናብ ሆስፒታል ከይዱ፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ግን እቲ ንጉስ ከምዝዓረፈ ተሓቢሩዎም።
"ብድሕሪ'ዚ ዅሉ ነገር ጸጥ ኢሉ፣ ጐደናታት ሪያድ ጸምዮም ኵሉ ነገር ደው ኢሉ" ትብል ማያ።
ንጉስ ለውጢ
ፈይሰል ኣብ 1964'ዩ ነታ ብስፍሓታ ክንዲ ምልእቲ ኣውሮጳ እትኸውን ስዑድያ ንጉስ ኰይኑ ክመርሓ ጀሚሩ።
ብከም ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ኣውሮጳውያን ሃገራት ከኣ 'ከም ቀንዲ ዓርኪ' ክውሰድ ከምዝጀመረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ደቪድ ዲምብለቢ ይሕብር።
እንተዀነ ንግስነቱ ከይከሰረ ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ክተዓራረኽ ይኽእል ድዩ ዝብል ካልእ ሕቶ'ዩ ዝነበረ።
ፈይሰል ሳልሳይ ውላድ ናይቲ ቀዳማይ ንጉስ ስዑድያ ዝዀነ ዓብደልዓዚዝ ኣ'ስዑድ'ዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኣቦኡ ብምዃን ከኣ ነታ ሃገር ሓድነታ ኣብ ምድልዳል ተቓሊሱ'ዩ።
እታ ሽማ ካብቲ ቀዳማይ ንጉስ ብምድቓል ስዑዲ ዓረብያ እትበሃል ሃገር፡ ቅድሚኡ ቅድሚ 30 ዓመታት ምንጋስ ፈይሰል'ያ ከም ሃገር ቈይማ።
ፈይሰል ቅድሚ ንጉስ ምዃኑ፡ ኣብኡ ምስ ሞተ ኣብ ትሕቲ ንግስነት በዅሪ ሓዉ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ሰሪሑ'ዩ።
ፈይሰል ንጉስ ምስ ኮነ ከኣ፡ ኣቐዲሙ ኣጥርይዎ ዝነበረ ምኵር ፖለቲከኛ፡ ብርቱዕ ሃይማኖታዊ መራሕን ጻዕራም ናይ ለውጢ ሰብን ዝብል ቅጽላት ንስርሑ ኣቕሊሉሉ'ዩ።
ነቲ እታ ሃገር ክትረኽቦ ጀሚራ ዝነበረት ነዳዲ ከኣ ነታ ሃገር ኣብ ምዝማን፡ ትምህርትን ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ኣብ ምስፋሕን ክሰርሓሉ ጀሚሩ፣ ብዓቢኡ ኣብታ ሃገር ሚዛናዊ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣታኣታትዩላ ነበረ።
እንተዀነ እቲ ንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንዅሉ የሐጕስ ነይሩ ክብሃል ኣይክኣልን፤ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓያል ሕጊ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝኽተሉ ዓቓባውያን፣ ካብ ኣቦኡ ጀሚርካ'ውን ነዚ ሕጊ'ዚ እዮም ዝኽተሉ ነይሮም።
ኣብ መፋርቕ 1960ታት ንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ቀዳመይቲ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝኸፈተሉ ብኻልእ ወዲ ሓዉ [ሓዉ ነቲ ዝቐተሎ] ዝምርሑ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እታ መደበር ተለቪዥን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ብዘይካ'ዚ፡ ንጉስ ፈይሰል ደቀንስትዮ ክምሃራ ኣለወን ብምባል፡ ደቀንስትዮ ናብ ትምህርቲ ክኸዳ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትዩ።
ዶክተር ማያ ያማኒ፡ " ንግስቲ ኢፋታ [ካልኣይቲ ሰበይቱ ንንጉስ ፈይሰል] ኣብ መላእ ስዑድ ዓረብ ንደቀንስትዮ ዘምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ፣ ኣነ ከኣ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ትሽዓት ኣብቲ ቤት ትምህርታ ዝተምሃራ ተምሃሮ'የ ኢለ ብሓበን'የ ዝዝክሮ። ንጉስ ፈይሰል ነቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ፡ ደቀንስትዮ እንተተማሂረን'የን ንፉዓት ኣደታት ዝዀና ብምባል ኣእሚንዎም፤ እቲ ኣነ ዝተምሃርኩሉ ቤት ትምህርቲ ዳር ኣል ሃናን'ዩ ዝበሃል ነይሩ" ትብል።
![ምኒስተር ነዳዲ ስዑድያ ኣሕመድ ዛኪ ትምህርቲ ዝጸገበ ጠበቓ'ዩ ነይሩ። ኣባል ስድራ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ግን ኣይኰነን [ኣብ ሰነ 1978 ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/4363/live/75f57aa0-9e11-11f0-9227-0916afba36bd.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Bettmann Archive/Getty Images
ኣቦኣ ንዶክተር ማያ፡ ኣሕመድ ዛኪ ያማኒ ካብ 1960 ጀሚሩ'ዩ ኣብ ትሕቲ ፈይሰል ክሰርሕ ጀሚሩ።
ኣባል እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ስለዘይነበረ ከኣ ሓድሽ ተርእዮ'ዩ ነይሩ። እንተዀነ ብትምህርቲ ዝጸገበን ጠበቓን'ዩ ነይሩ።
ፈይሰል፡ ኣሕመድ ዛኪ ያማኒ ዝጸሓፎም ዓንቀጻት ምስ ኣንበበ'ዩ ብኡኡ ተመሲጡ ኣብ ትሕቲኡ ከምዝሰርሕ ገይርዎ።
"ኣቦይ እቲ ቀዳማይ ኣብ ስዑድያ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ዝኸፈተ'ዩ፣ ኣብኡ ከይተሓጸረ ከኣ ጽቡቕ መሪሕነትን ደሞክራስን ዝጠልብ ተኸታተልቲ ዓንቃት ክጽሕፍ ጀሚሩ። ብሽም 'ኣቡ ማያ' ዝብል'ዩ ዝሕተም ነይሩ፤ ኣነ በዅሪ ጓል ስለዝዀንኩ'ዩ እቲ ናይ ብርዒ ስሙ 'ኣቡ ማያ' ኢልዎ"
"እቲ ኣብቲ እዋን ልኡል ዝነበረ ፈይሰል ኣማኻሪ ሕጊ ይደሊ ስለዝነበረ፡ እዚ ሰብ እዚ መን'ዩ ኢሉ ከጣይቕ ጀሚሩ።"
ፈይሰል ንጉስ ምስ ኰነ ከኣ ከይደንጐየ ንኣሕመድ ዛኪ ወይ ነቲ ድሒሩ ዝተፈለጠሉ ምኒስተር ነዳዲ ገይሩ ሸይምዎ።
ክልቲኦም ኢድን ጓንትን ኰይኖም ብምስራሕ ከኣ ስዑድያ ንዅሉ ነዳዲኣ ክትቈጻጸሮ ዘኽእላን ኣብ ሃገራት ዓረብን ኣብ መላእ ዓለምን ተፈላጢትን ጸላዊትን ክገብራ ዝኽእል ፖሊሲ ነዲፎም።
ምቅይያር ሓይሊ ሚዛን
ኣብ 1973 እስራኤል ምስተን ስዑድያ ትርከበን ጎረባብታ ዝኾና ሃገራት ዓረብ ኣብ ኲናት ምስ ኣተወት፡ እታ ኣብቲ እዋን ሓንቲ ካብተን ዝለዓላ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝነበረት ስዑድያ፡ ምህርታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ከተዋፍሮ ጀመረት።
ናብተን ንእስራኤል ዝድግፋ ሃገራት ዝስደድ ዝነበረ ነዳዲ ከምዝጎድል ብምግባር ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ከምዝንህር ተገይሩ። ነዚ መልእኽቲ'ዚ ዘብጸሐ ከኣ ምኒስተር ሸኽ ያማኒ'ዩ።
ምኒስተር ያማኒ፡ "እስራኤል ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መሬት ዓረብ ጠቕሊላ ክትወጽእ'ዩ ጠለብና፤ እዚ ምስ ኰነ'ዩ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ መስከረም 1973 ንሰደልኩም ዝነበርና ነዳዲ ክንሰደልኩም ኢና" ዝብል መልእኽቲ ኣስሚዑ።
እቲ ምኒስተር፡ እዚ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ መንጐ እተን ዝማዕበላ ሃገራትን ኣፍረይቲ ዝዀና ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ዘጽብብ ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ።
ኣብ 1974 ሓደ ዓመት ቅድሚ ምቕታሉ፡ ንጉስ ፈይሰል ብመጽሔት ታይም ዝበለጸ ሰብ እቲ ዓመት ተባሂሉ ምስ ተረቍሐ ከኣ እቲ ምቅይያር ሚዛን ኣስተብህሎ ክረክብ ጀመረ።
ዶክተር ማያ ያሚን፡ "ክንዮ እቲ ነቲ ንንጉስ ዝቐተሎ ርቡሽ ሰብ ምንባሩ ምፍላጥ፡ እቲ ንጉስ ንኽቕተል ዝደረኸ ምኽንያት ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብቲ እዋን ጓል 18 ዓመት'የ ነይረ፣ እቲ ኣብቲ እዋን ኣቦይ ዝተሰመዖ ጓሂ ግን ክሳብ ሕጂ'ዩ ዝዝከረኒ" ትብል።
ሸኽ ያማኒ ንዝቀጸሉ 11 ዓመት [ክሳብ 1986] ምኒሰተር ነዳዲ እታ ሃገር ኰይኑ ሰሪሑ።
እቲ ንንጉስ ፈይሰል ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣ'ሰዑድ ዝቐተለ ልኡል ፈይሰል ቢን ሙሳድ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ'ዩ ኣብ ኣደባባይ ሪያድ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሰዪፉ።
ዶክተር ማያ ያማኒ ትምህርታ ኣብ ኣመሪካ ብምቕጻል እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ብማዕረግ ዶክትረይት ዝተመረቐት ስዑዳዊት ክትከውን ከኣለት።
ንመንነት ዓረብ ዝገልጽ ሓያለ መጻሕፍቲ ኣሕቲማ፤ ንከም ባንኪ ጎልድ ማይንን ንከም ሸል ዝኣመሰላ ትካላት ነዳድን ኣማኻሪት ኰይና'ውን ሰሪሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







